ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g24 ቍ. 1 ገጽ 10-12
  • ኣኽብሮት ንስድራ ቤት ኣበይ ጠፊኡ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣኽብሮት ንስድራ ቤት ኣበይ ጠፊኡ፧
  • ንቕሑ!—2024
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣኽብሮት ንስድራ ቤት፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ንሕና እንገብሮ ዘለና
  • ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
    ንቕሑ!—2020
  • ንስድራ ቤት ዚኸውን ተወሳኺ ሓገዝ
    ንቕሑ!—2018
  • ንመዓልታዊ ህይወትካ ዚኸውን ጥበብ ኣብ JW.ORG ድለ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ምኽሪ መጽናዕቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2024
g24 ቍ. 1 ገጽ 10-12
ሓንቲ ሰበይቲ ንሰብኣያ ኽትዛረቦ እናፈተነት ከላ፡ ሰብኣያ ቕጭ መጺእዎ ተሌፎኑ ይትዅትዅ። ወዶም ነዚ ይዕዘብ።

ኣኽብሮት ንስድራ ቤት ኣበይ ጠፊኡ፧

ኣኽብሮት ንስድራ ቤት፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ ቤት ዚህሉ ምክብባር፡ ሰብኡትን ኣንስትን ውሉዳትን ቀሲኖም ዚነብሩሉ እተረጋግአ ሃዋህው ይፈጥር።

  • ዘ ሰቨን ፕሪንስፕልስ ፎር ሜኪንግ መረጅ ዎርክ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ምስ ዚከባበሩ፡ “ብዓበይቲ መገድታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብንኣሽቱ መገድታት እውን መዓልቲ መዓልቲ” ፍቕሮም ከም ዚገላለጹ ሓቢራ ኣላ።

  • ንሰብ ዜኽብሩ ውሉዳት ንርእሶም ብዝሓሸ የኽብሩ፡ ምስ ወለዶም ዝሓሸ ርክብ ይህልዎም፡ ብዙሕ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማት እውን ኣይህልዎምን።

ክትገብሮ እትኽእል

ምስ ስድራ ቤትካ ብሓባር ኴንካ ውጥን ግበር። ፈለማ፡ “ኣኽብሮት” ክትብል ከለኻ፡ እንታይ ማለትካ ኸም ዝዀነ ንጹር ግበር። ካልኣይ፡ ኣብ ስድራ ቤትኩም ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እንታይ ባህርይ ኪህልዎን እንታይ ባህርይ ኬወግድን ትጽቢት ከም ዚግበረሉ ብዝርዝር ጽሓፍ። ሳልሳይ፡ ነቲ ውጥን ብስድራ ቤት ተመያየጡሉ፣ በዚ ኸምዚ፡ ንስኻን ደቅኻን ሓባራዊ መሰረት ይህልወኩም።

“ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ።”—ምሳሌ 21:5።

ኣብነት ኩን። ንኣባላት ስድራ ቤትካ ብሰንኪ ጕድለቶም ኣይትንቀፎም፡ ብሰንኪ ርእይቶኦም ኣይተላግጸሎም፡ ኪዛረቡኻ ኸለዉ ኸኣ ዕሽሽ ኣይትበሎም ወይ ኣይትዅለፎም።

ምኽሪ፦ ንመጻምድትኻን ንደቅኻን እተርእዮ ኣኽብሮት ብጻማ ጻዕሮም ኪረኽብዎ ዘለዎም ነገር ጌርካ ዘይኰነስ፡ ወትሩ ኸተርእዮም ዚግባእ ዕዳኻ ጌርካ ርኣዮ።

“ንሓድሕድኩም ኣብ ምክብባር ቀዳሞት ኩኑ።”—ሮሜ 12:10።

ዘይምስምማዕ ኪፍጠር ከሎ እኳ፡ ኣኽብሮት ኣርኢ። ሓሳብካ ኽትገልጽ ከለኻ፡ “ኵሉ ሳዕ ኢኻ ኸምዚ እትገብር” ወይ “ፈጺምካ እኮ ኢኻ ኸምዚ ዘይትገብር” ዝዓይነቱ ብድብድቡ ዚነቅፍ ቃላት ኣይትጠቐም። ከምዚ ዝበለ ተሪር ነቐፌታ ንኣባል ስድራ ቤትካ ይጐድኦ፡ ንንኣሽቱ ዘይምርድዳኣት ድማ ናብ ዓብዪ ግጭት ይቕይሮ እዩ።

“ልኡም ምላሽ፡ ነድሪ የህድእ፣ ተሪር ቃል ግና፡ ቍጥዓ የለዓዕል።”—ምሳሌ 15:1።

ሓንቲ መንእሰይ ኣብ jw.org ቪድዮ ትርኢ።

ንሕና እንገብሮ ዘለና

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘበልና ንኣባላት ስድራ ቤት ኪከባበሩ ነተባብዕ ኢና። እዚ ፍረ ነገር እዚ ድማ ኣብቲ ብናጻ ኺርከብ ዚከኣል ዓንቀጻትናን መጻሕፍትናን ብሮሹራትናን ቪድዮታትናን ጐሊሑ ኣሎ።

ንሰብ ሓዳር፦ ንስድራ ቤት ዘርእስቱ ዓምዲ ንሰብኣይን ንሰበይትን ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ይሕግዝ፦

  • ንፉዓት ሰማዕቲ ኪዀኑ

  • ከይስጕደሙ

  • ከይቋየቑ

(ኣብ jw.org፡ “ንስድራ ቤት” ኢልካ ድለ)

ንወለዲ፦ ንስድራ ቤት ዘርእስቱ ዓምዲ ንውሉዳት ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ይሕግዝ፦

  • እዙዛት ኪዀኑ

  • ኣብ ቤት ኪዓይዩ

  • “በጃኻ” ወይ “አመስግነካ” ኺብሉ

(ኣብ jw.org፡ “ኣተዓባብያ ቘልዑ” ወይ “ኣተዓባብያ መንእሰያት” ኢልካ ድለ)

“ቈልዑ ኺምሃርዎ ዜድልዮም ሽዱሽተ ትምህርቲ” ኣብ ዘርእስታ ንቕሑ! ቍ. 2 2019 ዝወጸ ዓንቀጻት፡ ከምኡ ድማ “ንስድራ ቤታት ዜዐውት 12 ረቛሒታት” ኣብ ዘርእስታ ንቕሑ! ቍ. 2 2018፡ ገጽ 8-11 ዝወጸ ዓንቀጻት እውን ርአ። (ነዚ ሕታማት እዚ ኣብ jw.org ድለዮ።)

ንመንእሰያት፦ እቲ ኣብ jw.org መንእሰያት ኣብ ዚብል ክፋል ዚርከብ ዓንቀጻትን ቪድዮታትን ወረቐታት ዕዮን ንመንእሰያት ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ይሕግዞም፦

  • ምስ ወለዶምን ምስ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኪሳነዩ

  • ንወለዶም ብዛዕባ ሕግታት ብኣኽብሮት ኬዛርብዎም

  • ወለዶም ዚኣምንዎም ሰባት ኪዀኑ

(ኣብ jw.org፡ “መንእሰያት” ኢልካ ድለ)

ወብሳይት jw.org ብናጻ እዩ ዜገልግል። ኣብኡ ድማ ክፍሊት፡ ምዝገባ፡ ወይ ኣባልነት ኣይሕተትን እዩ፣ ብሕታዊ ሓበሬታ እውን ኣይሕተትን እዩ።

ጆሴፍ ኢረንቦገን።

ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ

ጆሴፍ ኢረንቦገን ኣብ እተመርዓወሉ እዋን ዓማጽን ውሉፍ ሓሽሽን እዩ ነይሩ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንናብራ ስድራ ቤቱ ብኸመይ ከም ዘመሓየሾ ንምፍላጥ፡ ኣብ jw.org፡ “ንደቂ ኣንስትዮን ንርእሰይን ምኽባር ተማሂረ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ድለ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ