ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g20 ቍ. 3 ገጽ 14-15
  • ነባሪ ፍታሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነባሪ ፍታሕ
  • ንቕሑ!—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፍጽምቲ መንግስቲ
  • 1. ብሉጽ ትምህርቲ
  • 2. ሕውየት
  • 3. ጽቡቕ መሪሕነት
  • 4. ሓድነት
  • ኣቐዲምካ ፍርዲ—በዝስ ተለኺፍካ ዲኻ፧
    ንቕሑ!—2020
  • ከምቲ የሆዋን የሱስን ዘለዎም ሓድነት ይሃልወና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ጽልኢ ዘይህልወላ ዓለም—መዓስ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2020
g20 ቍ. 3 ገጽ 14-15
በበይኑ ዕድመን ዓሌትን ዘለዎም ፍሽኽ ዝበሉ ሰባት።

ነባሪ ፍታሕ

ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጻት ዝረኣናዮ መሰረታዊ ስርዓታት ዝተግበሩ ሚልዮናት ሰባት፡ ንኣቐዲምካ ፍርዲ ኻብ ልቦም ምሕዮምዎ እዮም። ከም ሓቂ ግና፡ ነዚ ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ጸገም፡ ባዕልና ምሉእ ብምሉእ ከነወግዶ ኣይንኽእልን ኢና። እሞ ደኣ እቲ ዅነታት ተስፋ ዘይብሉ ድዩ፧

ፍጽምቲ መንግስቲ

ሰብኣውያን መንግስትታት ነቲ ኣብ ሰባት ዘሎ ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ጸገም ኬጥፍኣ ኣይከኣላን። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ኸተወግድ እትኽእል መንግስቲ የላን ማለት ድዩ፧

ንኣቐዲምካ ፍርዲ ኸተጥፍእ እትኽእል መንግስቲ ነዚ ዚስዕብ ክትገብር ኣለዋ፦

  1. 1. ሰባት ንኻልኦት ዘለዎም ሓሳብን ስምዒትን ኪቕይሩ ተለዓዕል።

  2. 2. ብሰንኪ እቲ ዝወረዶም ግፍዒ ንኻልኦት ብፍትሓዊ መገዲ ምሓዝ ንዚሽገሩ ሰባት ቍስሎም ተሕውየሎም።

  3. 3. ንዜጋታት ብማዕረ ዚሕዙ ንጽህናኦም እተመስከረሎም መራሕቲ ይህልውዋ።

  4. 4. ኣብ መንጎ ዅሎም ኣህዛብ ሓድነት ተስፍን።

ኣምላኽ ከምዚ እትገብር መንግስቲ ኸም ዘቘመ፡ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ። ንሳ ኸኣ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ” ተባሂላ ትጽዋዕ።—ሉቃስ 4:43።

እታ መንግስቲ እቲኣ እንታይ ከም እትገብር እስከ ንርአ፦

1. ብሉጽ ትምህርቲ

“ነበርቲ እታ ምድሪ ብዛዕባ ጽድቂ ይምሃሩ እዮም።”—ኢሳይያስ 26:9።

“ውጽኢት ናይ ሓቂ ጽድቅስ ሰላም፡ ፍረ ናይ ሓቂ ጽድቂ ድማ ነባሪ ህድኣትን ደሓንን ኪኸውን እዩ።”—ኢሳይያስ 32:17።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት፡ ቅኑዕ ዘበለ ኽትምህሮም እያ። ሰባት ቅኑዕን ጌጋን፡ ፍትሓውን ዘይፍትሓውን ምስ ፈለጡ፡ ንሓድሕዶም ዘለዎም ኣረኣእያ ይቕየር እዩ። ኵሎም ድማ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ምፍቃር፡ ቅኑዕ ምዃኑ ኺግንዘቡ እዮም።

2. ሕውየት

ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”—ራእይ 21:4።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ብሰንኪ ዘይፍትሓውነት ዝመጸ ስቓይ ከተወግዶ እያ። ኣቐዲሞም ግዳያት ግፍዒ ዝነበሩ ኸኣ፡ ድሕሪ ደጊም ጽልኢ ኣይኪህልዎምን እዩ።

3. ጽቡቕ መሪሕነት

“ብፍርሃት የሆዋ ድማ ደስ ኪብሎ እዩ። ኣዒንቱ ብዚርእያኦ ኣይኪፈርድን፡ ኣእዛኑ ብዚሰምዓኦ እውን ኣይኪገንሕን እዩ። ንትሑታት ብፍትሒ ኺፈርድ፡ ምእንቲ ዓቃላት ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኺገንሕ እዩ።”—ኢሳይያስ 11:3, 4።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ እቲ ንጉስ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ንምድሪ ብፍትሕን ብዘይ ኣድልዎን ኪገዝኣ እዩ። የሱስ ንሓደ ህዝቢ ኻብ ካልእ ኣብሊጹ ኣይርእን እዩ፣ እቲ ቕኑዕ ሕግታቱ ኣብ ብዘላ ዓለም ከም ዚኽበር እውን ኬረጋግጽ ይኽእል እዩ።

4. ሓድነት

መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት፡ “ብሓንቲ ሓሳብ [ኪዀኑ]፡ ብሓንቲ ፍቕሪ [ኺህልዉ]፡ ምሉእ ብምሉእ ሓድነት [ኪህልዎም]፡ ሓደ ሓሳብ [ኪሓስቡ]” ትምህሮም እያ።—ፊልጲ 2:2።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብ መንጎ ዜጋታት መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎ ሓድነት፡ ከም ጕልባብ ጥራይ ኣይኰነን ኪኸውን። ንሓድሕዶም ብሓቂ ስለ ዚፋቐሩ፡ “ምሉእ ብምሉእ ሓድነት” ኪህልዎም እዩ።

ሓደ ሰብ ከምዚኣ ዓይነት መንግስቲ ኽትህሉ ኸም እትኽእልሲ ብሓቂዶ ኺኣምን ይኽእል እዩ፧

ነቲ መርትዖ እንተ መርሚርዎ ጥራይ እዩ ነዚ ኺኣምነሉ ይኽእል። በዚ ሰለስተ መገዲ ኣቢልካ ኸምኡ ኽትገብር ክንዕድመካ ንፈቱ፦

  • መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ተስፋታት ከም እትፍጽሞ ዜርኢ መርትዖ ኬቕርበልካ፡ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ሕተቶ።

  • ኣብ jw.org፡ ኣብ ትሕቲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ > መንግስቲ ኣምላኽ ርአ።

  • ኣብ ሓደ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣከብ እሞ ፍቕሮምን ሓድነቶምን ብግብሪ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ