ብርታዐኦም ኣለሊ
እቲ ጸገም
ርእሰ ውዳሰ ናብ ኣቐዲምካ ፍርዲ ኺመርሕ ይኽእል እዩ። ርእሱ እምብዛ ዚውድስ ሰብ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኻብቲ ግቡእ ንላዕሊ ኽብ ኣቢሉ ይሓስብ እዩ። ንሱ ኻብ ካልኦት ከም ዚበልጽ፡ ነቶም ካብኡ እተፈልዩ ሰባት ከኣ ዝተሓቱ ኸም ዝዀኑ ገይሩ እዩ ዚርኢ። ዝዀነ ሰብ በዚ መጻወድያ እዚ ኺወድቕ ይኽእል እዩ። ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ኸምዚ ይብል፦ “ደረጃኡ ደኣ ይፈላለ እምበር፡ መብዛሕትኡ ጕጅለታት [ወይ ባህልታት]፡ ኣነባብራኦም፡ ምግቦም፡ ክዳውንቶም፡ ልምድታቶም፡ እምነታቶም፡ ክብርታቶም፡ ወዘተ ካብ ናይ ካልኦት ጕጅለ ዝበለጸ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ።” ነዚ ግጉይ ኣተሓሳስባ እዚ ኸመይ ጌርና ኸነወግዶ ንኽእል፧
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ
“ብትሕትና ግና ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ።”—ፊልጲ 2:3።
እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ካብ እምብዛ ሓበን ወይ ካብ ትዕቢት ምእንቲ ኽንርሕቕ፡ እታ ኣንጻሩ ዝዀነት ትሕትና ኸነማዕብል ኣሎና። ትሕትና እንተ ኣልያትና፡ ኣብ ገሊኡ መዳያት ህይወት፡ ካልኦት ከም ዚበልጹና ንኣምን ኢና። ዋላ ሓደ ጕጅለ ንዅሉ ጽቡቕ ባህርያትን ክእለታትን ጠቕሊሉ ዝሓዞ የሎን።
ኣብነት ስተፋን እስከ ንርአ። ንሱ ኣብ ሓንቲ ብስርዓት ኮምዩኒስት እትመሓድር ሃገር እዩ ዓብዩ፣ ብዛዕባ እቶም ኮምዩኒስት ኣብ ዘይኰና ሃገራት ዚነብሩ ሰባት ዝነበሮ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ድማ ኬሰንፎ ነይርዎ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ንኻልኦት ካብ ርእስኻ ኣብሊጽካ ምርኣይ፡ ንኣቐዲምካ ፍርዲ ኸተበርዕን ዜኽእል ኣገዳሲ ነገር እዩ። ኣነ ዅሉ ኣይፈልጥን እየ። ካብ ካልእ ሰብ ክምሃር እኽእል እየ።”
ክትገብሮ እትኽእል
ብዛዕባ ርእስኻ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ኣረኣእያ ይሃሉኻ፡ ጕድለትካ እውን ተኣመን። ኣብቲ ንስኻ እትደኽመሉ መዳያት፡ ካልኦት ብርቱዓት ከም ዝዀኑ ኣለሊ። ካብ ሓደ ጕጅለ ዝዀኑ ዅሎም ሰባት ሕደ ጕድለት ከም ዘለዎም ጌርካ ኣይትሕሰብ።
ካብ ሓደ ጕጅለ ብዛዕባ ዝዀኑ ሰባት ኣብ ግጉይ መደምደምታ ኣብ ክንዲ እትበጽሕ፡ ከምዚ ኢልካ ሕተት፦
ኣብቲ ንስኻ እትደኽመሉ መዳያት፡ ካልኦት ብርቱዓት ከም ዝዀኑ ኣለሊ
‘እቲ ብዛዕባ እገለ ዝጸልኦ ባህርያት ክፉእ ድዩ፡ ወይስ ካብ ናተይ እተፈልየ ጥራይ እዩ፧’
‘እዚ ሰብ እዚ ኣባይ ጕድለታት ኪረክብ ይኽእልዶ፧’
‘እዚ ሰብ እዚ ብምንታይ መዳያት እዩ ዝያዳይ ክእለት ዘለዎ፧’
ነዚ ሕቶታት እዚ ብቕንዕና ምላሽ እንተ ሂብካሉ፡ ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ባህርይ ካብ ምስናፍ ሓሊፍካ፡ ነቲ ሰብ እትንእደሉ ነገር እውን ክትረክብ ኢኻ።