ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 5 ገጽ 7
  • ኣትኵሮ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣትኵሮ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ
  • ንቕሑ!—2016
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብዘይመጠን እተገብረ ምግፋፍ ዓሳ ካብ ዘስዓቦ ጕድኣት ናብ ንቡር ምምላስ
  • ኢ-መይል እናሻዕ ዘይምኽፋት፡ ውጥረት ይንኪ ድዩ፧
  • ኣብ ብራዚል ዚርአ ዓመጽ
  • ንጸቕጢ ብኸመይ ትጻወሮ፧
    ንቕሑ!—2020
  • ጸቕጢ እንታይ እዩ፧
    ንቕሑ!—2020
  • ውጥረት ንምቍጽጻር ዚሕግዝ መገድታት
    ንቕሑ!—2014
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2020
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 5 ገጽ 7
ኣብ ውቅያኖስ ዚርከብ ዓሳ

ካብ ከባቢ ዓለም | ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ

ኣትኵሮ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ

ካብ ምዕራባዊ ንፍቀ ኽቢ እተረኽበ ዜናታት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግዜ ዘይሓልፎ ጥበብ ዘለዎ ጥቕሚ የርኢ።

ብዘይመጠን እተገብረ ምግፋፍ ዓሳ ካብ ዘስዓቦ ጕድኣት ናብ ንቡር ምምላስ

ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ኢ-መይሉ ዚኸፍት ሰብኣይ ሃዲኡ ይርአ፣ ኣብ መዓልቲ እናሻዕ ኢ-መይሉ ዚኸፍት ካልእ ሰብኣይ ግና ኣብ ውጥረት ኣትዩ ይርአ

ዋይልድላይፍ ኮንዘርቬሽን ሶሳይቲ (WCS) ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ በሊዝን ካልእ ከባቢታት ካሪብያንን፡ “ኣብቲ ባህርያዊ ሃብቲ ምጕሕጓሕ ዘይፍቀዶ ዞባታት፡ ኣብ ብዝሒ ዛዕጎልን ሎብስተርን ካልኦት ዓሳታትን ምምሕያሽ ከም እተራእየ ተሰኒዱ ኣሎ” ይብል። ቀጺሉ ኸኣ፡ “ኣብቲ ብብዝሒ እተገፈፈሉ ኸባቢታት እዚ ዞባ ዚርአ ምምሕያሽ ቍጽሪ እዞም እተጓሕጕሑ ጅር፡ ካብ 1-6 ዓመት ኪወስድ፡ ቍጽሮም ምሉእ ብምሉእ ናብ ንቡር ንምምላስ ድማ . . . ዓሰርተታት ዓመታት ኪወስድ ይኽእል” ይብል። ሓላፊት እዚ መጽናዕቲ ዜካይድ ጕጅለ ዝዀነት ጃኔት ጊብሶን ብዛዕባ በሊዝ፡ “እዚ ባህርያዊ ሃብቲ ምጕሕጓሕ ዘይፍቀዶ ዞባታት፡ ነቲ ዓሳታት ዚግፈፎ ቦታታት እታ ሃገር ኣብ ምትካእን ህይወታዊ ብዙሕነት ከም ዚህሉ ኣብ ምግባርን ኪሕግዝ ይኽእል እዩ” በለት።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እቲ ተፈጥሮ ዘለዎ ናብ ዝነበሮ ዅነታት ናይ ምምላስ ክእለት፡ ጥበበኛ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዚሕብርዶ ኣይኰነን፧—መዝሙር 104:24, 25።

ኢ-መይል እናሻዕ ዘይምኽፋት፡ ውጥረት ይንኪ ድዩ፧

ብመሰረት እቲ ኣብ ቫንኩቨር፡ ካናዳ እተኻየደ መጽናዕቲ፡ ሰባት ኢ-መይሎም እናሻዕ ኣብ ክንዲ ዚኸፍቱ፡ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ጥራይ ምስ ዚኸፍቱ፡ ዝተሓተ መጠን ውጥረት ኪህልዎም ይኽእል። እቲ ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሖ ኮስታዲን ኩሽለቭ ኣብ ዘቕረቦ መደምደምታ፡ “ሰባት ነቲ ኢ-መይል እናሻዕ ናይ ምኽፋት ፈተና ኺቃወምዎ ይኸብዶም እዩ፣ ይኹን እምበር፡ ነዚ ፈተና ምቅዋሙ ንውጥረቶም ይንክዮ እዩ” በለ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣብ “ጽንኩር ግዜ” ንነብር ብምህላውናስ፡ ውጥረት ክንንክየሉ እንኽእል መገዲ ኸነናዲ ግቡእዶ ኣይኰነን፧—2 ጢሞቴዎስ 3:1።

ኣብ ብራዚል ዚርአ ዓመጽ

ብመሰረት ወሃብ ኣገልግሎት ዜና ኤጀንሲያ ብራዚል ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ብራዚል ዓመጽ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ 2012 ልዕሊ 56,000 ዝዀኑ ሰባት ተቐቲሎም እዮም፣ እዚ ኸኣ ብሚኒስትሪ ጥዕና ኻብ እተመዝገበ መጠን ዓመታዊ ቕትለት እቲ ዝለዓለ እዩ ነይሩ። ክኢላ ህዝባዊ ጸጥታ ሉዊስ ሳፖሪ፡ እዚ ወሰኽ እዚ ንሞራላዊ ውድቀት ዜንጸባርቕ ምዃኑ እዩ ዚኣምን። ሰባት ንሕግታት ሕብረተ ሰብ ዘለዎም ኣኽብሮት ምስ ዜጥፍኡ፡ “ንረብሓታቶም ኢሎም ጭካነ ዝመልኦ ሓይሊ ኺጥቀሙ ይጅምሩ እዮም” ከኣ በለ።

ትፈልጥዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ፍቕሪ እትዝሕለሉ፡’ ጥሕሰት ሕጊ ድማ ዚበዝሓሉ እዋን ከም ዚመጽእ ተነብዩ ነይሩ እዩ።—ማቴዎስ 24:3, 12።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ