ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 11/15 ገጽ 3-6
  • ሃይማኖታት ይዳኸማ ድየን ዘለዋ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሃይማኖታት ይዳኸማ ድየን ዘለዋ፧
  • ንቕሑ!—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ሃይማኖታት ዚወጹ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧
  • ሰባት ካብ ሃይማኖታት ከም ዚወጹ ብትንቢት ተኒጊሩ ነይሩ
  • “ካብኣ ውጹ”!
  • ዓባይ ባቢሎን እንታይ እያ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሃይማኖታት እንታይ እዩ ኼጋጥመን፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ኣምላኽ ንዅለን ሃይማኖታት ይሰምረን ድዩ፧
    መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካያዶ፧
  • ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ!
    ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ!
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2015
g 11/15 ገጽ 3-6

ገበር

ሃይማኖታት ይዳኸማ ድየን ዘለዋ፧

ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብ ወጻኢ እተዓጽወ ቤተ ክርስትያን ደው ኢላ ኸላ

ኣብ ቱርኪ እተወልደ ጃዕፈር፡ ኣምላኽ ቂመኛ ኸም ዝዀነ ዚገልጽ ኣብ ሃይማኖቱ እተማህሮ ነገር ረበሾ። ሰበይቱ ሀዲየ ድማ ገና ጓል ትሽዓተ ዓመት ከላ፡ ብዛዕባ ሃይማኖታ ሕቶ ኺልዓላ ጀመረ። ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ኣብ ጽሕፍቶ ኽኣምን እየ ተማሂረ። ዘኽታም ስለ ዝነበርኩ፡ ‘እንታይ ገይረ እየ እዚ ዝወረደኒ፧’ ኢለ እሓስብ ነይረ። ብዙሕ ግዜ ምሉእ ለይቲ ኽበኪ እሓድር ነይረ። ጓል 15 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ብልበይ ንሃይማኖተይ ሓዲገዮ ነይረ” በለት።

ንስኻኸ ብሃይማኖት ተስፋ ቘሪጽካዶ፧ ተስፋ እንተ ቘሪጽካ፡ ንስኻ በይንኻ ኣይኰንካን ኣብ ከምዚ ዝበለ መደምደምታ ዝበጻሕካ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ ‘ዘይሃይማኖታውያን’ ከም ዝዀኑ ገይሮም ዝሓስቡ ሰባት ብዝሖም ይውስኽ እዩ ዘሎ፣ እዚ ድማ ንመጻኢ ሃይማኖታት ኣብ ስግኣት ዜእቱ ኣንፈት እዩ። ካብዘን ሃገራት እዚአን ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ።

ኣውስትራልያ

ዳርጋ 50 ሚእታዊት እቶም ህዝቢ፡ ሃይማኖታውያን ዘይምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ልዕሊ እዚኦም ከኣ 10 ሚእታዊት፡ ብህልውና ኣምላኽ ጠሪሶም ከም ዘይኣምኑ ሓቢሮም እዮም። ብ2010፡ ሓደ ቐሺ፡ ኣብ “ዝሓለፈ 40 ዓመት ኣቢሉ፡ . . . ሰባት ንእምነት . . . ክርስትና ብጃምላ ይሓድግዎ ኣለዉ” ኢሉ ጓሂኡ ገሊጹ እዩ።

ፈረንሳ

ካብቶም ድምጾም ዝሃቡ ሰባት 37 ሚእታዊት ጥራይ እዮም ሃይማኖታውያን ምዃኖም ገሊጾም። እቶም ዝተረፉ ብህልውና ኣምላኽ ዘይኣምኑ ወይ ዘይሃይማኖታውያን እዮም። ኣብ ገሊኡ ኽፋል እዛ ብዙሓት ሰዓብቲ ካቶሊክ ዝነበርዋ ሃገር፡ እምነት ካቶሊክ “ጥቓ ውድቀት” በጺሑ ኸም ዘሎ መጽሔት ዘ ኢኮኖሚስት ገሊጻ።

ኣይርላንድ

ብዙሓት ኣይርላንዳውያን እምነቶም የጥፍኡ ዘለዉ እዮም ዚመስሉ። ካብቶም ምላሽ ዝሃቡ ሰባት ዳርጋ 45 ሚእታዊት ሃይማኖታውያን ከም ዘይኰኑ ኺገልጹ ኸለዉ፡ ካልኦት 10 ሚእታዊት ከኣ ኣብ ህልውና ኣምላኽ ከም ዘይኣምኑ ገሊጾም። ብሚእታዊት ኪርአ ኸሎ፡ ኣይርላንድ ካብተን ብብዝሒ እቶም ኣብ ህልውና ኣምላኽ ዘይኣምኑ ሰባት ዚመርሓ ዘለዋ ዓሰርተ ሃገራት እያ። ሓድሽ ጸብጻባት ድማ ብዛዕባ “መወዳእታ ናይ ኣይርላንድ ካቶሊክ” ይገልጽ ኣሎ።

ደቡብ ኣፍሪቃ

ካብ 2005 ክሳዕ 2012፡ ብዝሒ እቶም ሃይማኖታውያን ምዃኖም ዝገለጹ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ብ19 ሚእታዊት ነክዩ።

ጃፓን

ካብቶም ድምጾም ዝሃቡ ጃፓናውያን፡ 16 ሚእታዊት ጥራይ እዮም ሃይማኖታውያን ከም ዝዀኑ ገሊጾም፣ 62 ሚእታዊት ሃይማኖታውያን ዘይምዃኖም ወይ ኣብ ህልውና ኣምላኽ ከም ዘይኣምኑ ገሊጾም እዮም።

ቱኒዝያ

ብ2013፡ ኣስታት 60 ሚእታዊት ድምጾም ዝሃቡ ቱኒዝያውያን ናብ መስጊድ ምኻድ ከም ዝሓደግዎ፡ የግዳስ ኣብ ቤቶም ከም ዚጽልዩ ገሊጾም። ከምኡ ዝገበሩሉ ምኽንያት ከኣ፡ ኣብኡ ገሊኦም ዜስፋሕፍሕዎ ኣብ ዓመጻ ዜተኵር ትምህርቲ ኸም ዝዀነ ሓቢሮም።

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

ካብ 2005 ኣትሒዙ፡ እቶም ሃይማኖታውያን ከም ዝዀኑ ዚገልጹ ሰባት፡ ቍጽሮም ብ13 ሚእታዊት ነክዩ። ዳርጋ 1 ኻብ 5 እቶም ምላሽ ዝሃቡ ሰባት፡ ኣባል ዝዀነ ይኹን ሃይማኖት ዘይምዃኖም ገሊጾም። ኣብቶም ትሕቲ 30 ዝዕድሚኦም በጽሕታት፡ እዚ መጠነ ዝምድና እዚ 1 ኻብ 3 እዩ። ኣብ ዓዓመት ኣሽሓት ኣብያተ ክርስትያን ይዕጸዋ ኣለዋ።

ቭየትናም

ካብ 2005 ክሳዕ 2012፡ ብዝሒ እቶም ሃይማኖታውያን ምዃኖም ዝገለጹ ሰባት ካብ 53 ሚእታዊት ናብ 30 ሚእታዊት ወሪዱ።

ብዘይካ ናይ ቱኒዝያ፡ ናይ ኵለን ካልኦት ሃገራት ስታቲስቲክስ ካብቲ ብጋለፕ ኢንተርናሽናል ዝወጸ ናይ 2012 ዓለምለኻዊ መሐበሪ ሃይማኖታትን ኢዝሄርነትን እዩ ተወሲዱ። እቲ ድምጺ ኻብ 57 ሃገራት እዩ ተኣኪቡ፣ ንሳተን ድማ ን73 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ይውክላ።

ኣውስትራልያን ፈረንሳን ኣይርላንድን ጃፓንን ደቡብ ኣፍሪቃን ቱኒዝያን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ቭየትናምን ዜርኢ ካርታ

ካብ ሃይማኖታት ዚወጹ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧

ሰባት ብሃይማኖታት ተስፋ ኸም ዚቘርጹ ዚገብሮም እተፈላለየ ምኽንያታት ኣለዎም። ገለ ኻብዚ ምኽንያታት ከኣ ሃይማኖት ዜለዓዕሎ ወይ ዚሰምሮ ዓመጻን ሽበራን፡ መራሕቲ ሃይማኖት ዚፍጽምዎ ጾታዊ ነውሪ፡ ከምኡ ድማ ንብዙሓት ሰባት ዜርሕቖም ዘሎ ብዙሕ ሰብ ዘየድህበሉ ረቛሒታት ኪጥቀስ ይከኣል። እዚ ኣብ መወዳእታ እተጠቕሰ ረቛሒታት፡ ነዚ ዚስዕብ የጠቓልል፦

  • ስጋዊ ብልጽግና፦ ግሎባል ኢንደክስ ኦቭ ረሊጅን ኤንድ ኣተይዝም፡ “ብዝሃብተምካ መጠን፡ ሃይማኖታውነትካ እናነከየ እዩ ዚኸይድ” ኢሉ ኣሎ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ስጋዊ ብልጽግና እናወሰኸ ስለ ዝኸደ፡ እዚ ትዕዝብቲ እዚ ኣገዳሲ እዩ። ጆን ነይ ዝስሙ ፕሮፌሰር ቍጠባ፡ ኣብ ገሊኡ ቦታታት ዚነብሩ ሰባት፡ “ክልተ ሚእቲ ዓመት ይገብር ንዝነበረ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ንጉስ ኬቕንኦ ዚኽእል ደረጃ መነባብሮ እዩ ዘለዎም” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ።

    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ፍቕሪ ገንዘብን ተድላን ካብ ፍቕሪ ኣምላኽን ሰብን ከም ዚዓዝዝ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሃብቲ ዜምጽኦ መንፈሳዊ ሓደጋ ስለ እተገንዘበ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ፡ “ድኽነትን ሃብትን ኣይትሀበኒ” ኢልዎ እዩ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ተመንዩ፧ “ጸጊበስ ከይክሕደካ” ብምባል ባዕሉ ምኽንያቱ ገሊጹ ኣሎ።—ምሳሌ 30:8, 9።

  • ሃይማኖታዊ ልምድታትን ስነ ምግባርን፦ ብዙሓት ሰባት፡ ምናዳ ኸኣ ንኣሽቱ ዘበሉ፡ ንሃይማኖታት ግብራውን ጠቓምን ነገር ከም ዘየቕርባ ገይሮም እዮም ዚርእይወን። ገሊኦም ከኣ ኣብ ሃይማኖታት ዝነበሮም እምንቶ ኣጥፊኦም እዮም። ቲም ማጒር ዚብሃል ብዓል መዚ ማሕበረሰብ ደገፍቲ ሰብኣውነት ስኮትላንድ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ኣብያተ ክርስትያን ዝገበራኦ ነገር ምስ እትርኢ፡ ሰባት ድሕሪ ደጊም ኣብ ስነ ምግባር ከም ደያኑ ገይሮም ስለ ዘይኣምኑለን፡ ካባታተን ይርሕቁ ኣለዉ” ኢሉ እዩ።

    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ናይ ሓሶት መምህራን፡ “ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። . . . ጽቡቕ ኦም ዘበለ ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ ሕማቕ ኦም ዘበለ ኸኣ ሕማቕ ፍረ ይፈሪ” ኢሉ ኣጠንቂቑ እዩ። (ማቴዎስ 7:15-18) ገለ ኻብቲ “ሕማቕ ፍረ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ምእታውን ንኸም ግብረ ሶዶማውነት ዝኣመሰለ ንኣምላኽ ዜጕህዮ ነገር ስምረትካ ምግላጽን ኪጥቀስ ይከኣል። (ዮሃንስ 15:19፣ ሮሜ 1:25-27) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥዑይ ትምህርትታት ብዘይረብሕ ጽምብላትን ብባዶ ስርዓታትን ምትካእ እውን ምስኡ ይጠቓለል እዩ። (ማቴዎስ 15:3, 9) የሱስ፡ ‘ንኣባጊዑ ኼብልዕወን’ ተማሕጺኑ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 21:17) ሎሚ ግና ብዙሓት ሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ጠምዮም እዮም ዘለዉ።

  • ሃይማኖትን ገንዘብን፦ ብመሰረት ማእከል ምርምር ፒው፡ ብዙሓት ሰባት፡ ሃይማኖት ኣብ ገንዘብ እምብዛ ኸም ዜተኵር ይስምዖም እዩ። ኣብ ርእሲ እታ ዘላታ ተወሰኸታ ድማ፡ ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዘይከም ኣባጊዖም፡ ምሾት ዝመልኦ መነባብሮ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ኣብ ሓንቲ ኣብ ጀርመን እትርከብ ከተማ፡ ብዙሓት ምእመናን ንመነባብሮኦም ዜድልዮም መሰረታዊ ነገር ንምርካብ እናተሸገሩ ኽነሶም፡ ኣቡኖም ኣዝዩ ብዙሕ ምሾት ዘለዎ ናብራ ኸም ዚነብር ይንቀፍ እዩ። እዚ ኣነባብራ እዚ ንብዙሓት ኣብኡ ዚነብሩ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኣጕህይዎም እዩ። ኣብ መጽሔት ጂኢኦ ዝወጸ ጸብጻብ ከኣ፡ “ኣብታ 100 ሚልዮን ሰባት ብትሕቲ ሓደ ኤሮ ዚነብሩላ ናይጀርያ፡ ዜብለጭልጭ ኣነባብራ ገሊኦም ኣቕሽሽቲ ጸገም ኪኸውን ጀሚሩ ኣሎ” ይብል።

    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ጳውሎስ፡ “ሸቀጥቲ ቓል ኣምላኽ ኣይኰንናን” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (2 ቈረንቶስ 2:17) ጳውሎስ ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ምርኡይ ኣገልጋሊ እኳ እንተ ነበረ፡ ገንዘባዊ ጾሩ ኣብ ካልኦት ምእንቲ ኸይጽዕን ኢሉ መብዛሕትኡ ግዜ ብኢዱ ይዓዪ ነይሩ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:34) እዚ ኣረኣእያኡ እዚ ድማ ነቲ የሱስ፡ “ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ” ዝበሎ ትእዛዝ ከም ዚሕሉ ዜርኢ እዩ።—ማቴዎስ 10:7, 8።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስዚ ስርዓታት እዚ ብምስምማዕ፡ ንጽሑፋቶም ወይ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህብዎ ትምህርቲ ገንዘብ ኣየኽፍሉን እዮም። ኣብ ኣኼባታቶም እውን ዕሽር ኣየኽፍሉን ወይ እናዞሩ ገንዘብ ኣይእክቡን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ በቲ ሰባት ባዕሎም ብፍታዎም ዚገብርዎ ወፈያታት እዩ ዜድሊ ገንዘብ ዚረከብ።—ማቴዎስ 6:2, 3።

ሰባት ካብ ሃይማኖታት ከም ዚወጹ ብትንቢት ተኒጊሩ ነይሩ

ቅድሚ እተወሰነ ዓሰርተታት ዓመታት፡ እዚ ሕጂ ኣብ ሃይማኖታት ዘሎ ሕማቕ ኵነታት፡ ሰብ ኪግምቶ ዘይክእል እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ግና እዚ ኸም ዚኸውን ኣቐዲሙ ርእዩስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጽዎ ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ብምሳልያዊ ቛንቋ ተጠቒሙ፡ ነተን ንዕኡ እሙናት ዘይኰና ሃይማኖታት ብሓንቲ “ዓባይ ባቢሎን” እትብሃል ሕንቅቕቲ ኣመንዝራ መሲልወን እዩ።—ራእይ 17:1, 5።

እቲ ምሳልያዊ መግለጺ፡ ንናይ ሓሶት ሃይማኖታት ዚበቅዕ እዩ፣ ከመይሲ፡ ንኣምላኽ እሙናት ኢና እናበላ፡ ስልጣንን ሃብትን ንምርካብ ምስ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ይሓብራ እየን። ራእይ 18:9፡ ‘እቶም ነገስታት ምድሪ ምስኣ ኸም ዝመንዘሩ’ ትገልጽ እያ። ከም ኢመዋትነት ነፍስን ስላሴን ጥንቈላን ዝኣመሰለ ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ትምህርትታትን ልምድታትን ካብታ ብናይ ሓሶት ሃይማኖትን ማሪታዊ እምነትን ዝመልአት ጥንታዊት ከተማ ባቢሎን ዝመንጨወ ብምዃኑ፡ እታ “ባቢሎን” እትብል ስያመ እውን ንዕአን እትግባእ እያ።a—ኢሳይያስ 47:1, 8-11።

እታ ሓያል ከተማ ባቢሎን፡ እቲ ኸም መከላኸሊኣ ዝነበረ ብፈለግ ኤፍራጥስ ዚምገብ ማያት ምስ ‘ነጸፈ’ እሞ ሰራዊት ሜዶንን ፋርስን ናብኣ ኣትዮም ምስ ሰዓርዋ፡ ወዲቓ እያ። (ኤርምያስ 50:1, 2, 38) በዚ ኸምዚ፡ ንባቢሎን ብሓንቲ ለይቲ እዮም ስዒሮምዋ!—ዳንኤል 5:7, 28, 30።

ዓባይ ባቢሎን እውን “ኣብ ብዙሕ ማያት እትቕመጥ” እያ እትብሃል። እዞም ማያት እዚኦም ከኣ እቶም ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚድግፉ ሚልዮናት “ህዝብታትን ብዙሕ ሰብን” ምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። (ራእይ 17:1, 15) መጽሓፍ ቅዱስ እዞም ምሳልያዊ ማያት እዚኦም ከም ዚነጽፉ ይንበ እዩ፣ እዚ ድማ እቲ ብቕልጡፍ ዚኸውን ጥፍኣት እዛ ዘመናዊት ባቢሎን ከም ዝቐረበ ዜመልክት እዩ። (ራእይ 16:12፣ 18:8) ግናኸ፡ መን እዩ ዜጥፍኣ፧ እቶም ምስኣ ዚሓብሩ እሞ ፍቕሮም ናብ ጽልኢ ዚቕየር ፖለቲከኛታት እዮም ዜጥፍእዋ። ንሳቶም ድማ ኪዘምትዋ ወይ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ስጋኣ ኺበልዑ እዮም።—ራእይ 17:16, 17።b

ሓደ ሰብኣይ መጽሓፍ ቅዱስ እናኣንበበ፡ ነቲ ዝነከየ ማያት ባቢሎንን ነቶም ካብ ዓባይ ባቢሎን ዚወጹ ሰባትን ብኣእምሮኡ ይስእሎ

ማያት ባቢሎን ምንካዩ፡ ሰባት ካብ ዓባይ ባቢሎን ከም ዚወጹ የመልክት

“ካብኣ ውጹ”!

ኣምላኽ ነታ ዓባይ ባቢሎን እንታይ ከም ዜጋጥማ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብፍቕሪ ተላዒሉ፡ “ኣቱም ህዝበይ፡ ኣብቲ ሓጢኣታ ኸይትጽምበሩ፡ ካብቲ መዓታ እውን ከይትካፈሉስ፡ ካብኣ ውጹ” ኢሉ ኣጠንቂቑና ኣሎ። (ራእይ 18:4) እወ፡ መጠንቀቕታ ኣምላኽ ናብቶም ብጐዳኢ ትምህርትታት እተረበሹን ሞገስ ኣምላኽ ዚደልዩን ከም እኒ እቶም ኣቐዲምካ እተጠቕሱ ጃዕፈርን ሀዲየን ዝኣመሰሉ ሰባት ዝቐንዐ እዩ።

ጃዕፈር መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምጽናዑ፡ ንኣምላኽ ብፍርሂ ጥራይ ክትእዘዞ ኸም ዚግባእ ገይሩ እዩ ዚሓስብ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽንዐ ግና፡ “የሆዋ፡ ኣምላኽ ፍቕሪ ምዃኑ፡ ብቐዳምነት ከኣ ብፍቕሪ ተደሪኽና ኽንእዘዞ ኸም ዚደሊ ምፍላጠይ እፎይታ እዩ ኣምጺኡለይ” ኢሉ እዩ። (1 ዮሃንስ 4:8፣ 5:3) ሀዲየ ድማ፡ ኣምላኽ ዘኽታም ከም ዘይገበራ፡ እቲ ዝበጽሓ እውን ብሰንኪ ጽሕፍቶ ዘይምዃኑ ምፍላጣ ውሽጣዊ ሰላም ኣምጺኡላ እዩ። ብኸም እኒ ያእቆብ 1:13 ዝኣመሰለ ኣምላኽ ንሰባት ብእከይ ከም ዘይፍትን ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጸናኒዓ እያ። ንሳን ጃዕፈርን ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ተቐቢሎምን ካብ “ባቢሎን” ወጺኦምን እዮም።—ዮሃንስ 17:17።

ዓባይ ባቢሎን ክትጠፍእ ከላ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ‘ንኣቦ ብመንፈስን ብሓቅን ኬምልኽዎ’ ኢሎም ብተኣዛዝነት ካብኣ ሃዲሞም ዝወጹ ሰባት ጕድኣት ኣይኪወርድን እዩ። (ዮሃንስ 4:23) የግዳስ፡ ‘ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት የሆዋ መሊኣ ኺርእዩ’ ተስፋ ኣለዎም።—ኢሳይያስ 11:9።

እወ፡ ኣምላኽ “ኪሕሱ ዘይክእል” ስለ ዝዀነ፡ ናይ ሓሶት ኣምልኾን ኵሉ እቲ ሕማቕ ፍሪኡን መወዳእታ ኺህልዎ እዩ። (ቲቶስ 1:2) በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንዘለኣለም ኪዕምብብ እዩ!

a ብዛዕባ ዓባይ ባቢሎንን ኵነታት ምዉታትን መንነት ኣምላኽን ጥንቈላን መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ዚገልጽ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ። እታ መጽሓፍ ኣብ www.jw.org ትርከብ።

b ነታ ኣብዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ዘላ፡ “ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ—መወዳእታ ዓለም” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ