ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 3/15 ገጽ 8-9
  • ምስ እንዳ ኣሕሙ ተሳኒኻ ምንባር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ እንዳ ኣሕሙ ተሳኒኻ ምንባር
  • ንቕሑ!—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • ክትገብሮ እትኽእል ነገራት
  • ምስ እንዳ ኣሕሙ ተሳኒኻ ምንባር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓዳር ከም ዚፈርስ ይገብሩ ድዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንጸገማት ብኸመይ ከም እትመያየጠሉ
    ንቕሑ!—2016
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2015
g 3/15 ገጽ 8-9
ሓደ ሰብኣይ ተጨኒቑ ምስ እንዳ ኣሕሙኡ ኾፍ ኢሉ ኸሎ፣ ሰበይቱ ድማ ብድሕሪኡ ዀይና ኽትርእዮ ኸላ

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ምስ እንዳ ኣሕሙ ተሳኒኻ ምንባር

ጸገም

“ኣጸጋሚ እዋናት ምስ ኣጋጠመና፡ ሰበይተይ ብዛዕባኡ ንወለዳ ነገረቶም። ሽዑ ኣቦኣ ደዊሉ፡ ብዛዕባ እቲ ዅነታት መኸረኒ። እዚ ግና ኣየሐጐሰንን።”—ጄምስ።a

“ሓማተይ መብዛሕትኡ እዋን፡ ‘ንወደይ እምበር ብጣዕሚ ናፊቐዮ!’ ትብለኒ እያ። ኣዝዮም ይቀራረቡ ኸም ዝነበሩ ድማ ትነግረኒ፣ እዚ ኸኣ ጸጸት ከም ዚስምዓኒ እዩ ዚገብር፣ ምኽንያቱ፡ ንወዳ ምምርዓወይ ንዓኣ ኣደዳ ጓሂ ዝገበራ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።”—ናታሻ።

ምስ እንዳ ኣሕሙ ዜጋጥም ጸገም፡ ኣብ ሓዳርካ ጸገም ንኸየምጽእ ክትጥንቀቕ ትኽእል ዲኻ፧

ክትፈልጦ ዘሎካ

ሓዳር፡ ሓድሽ ስድራ ቤት ከም ዚፍጠር እዩ ዚገብር። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓዳር ብዛዕባ ዚገብር ሰብኣይ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ” ይብል። ንሓንቲ ሰበይቲ እውን ምስ ወለዳን ሰብኣያን ብዚተሓሓዝ ከምኡ እዩ ዜጋጥማ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኽትምርዖ ኸላ፡ ምስ ሰብኣያ ‘ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ።’ እወ፡ ክልቲኦም፡ ሓዳስ ስድራ ቤት እዮም ዜቝሙ።—ማቴዎስ 19:5።

ካብ ወለድኻ ንላዕሊ፡ ሓዳርካ ይቕድም። ጆን ጎትማን ዝስሙ ኣማኻሪ ሓዳር ከምዚ በለ፦ “ሓደ ኻብቲ ሰብ ሓዳር ኪዓዩሉ ዘለዎም መሰረታዊ ነገራት፡ ‘ንሕና’ ኢልካ ምሕሳብ እዩ። ምስ መጻምድትኻ ሓድነት ክትፈጥር ወይ ከኣ ነቲ ሓድነት ከተደልድሎ እንተ ዄንካ፡ ምስቶም ናይ ቀደም ስድራ ቤትካ ንዝነበረካ ርክብ ክትበትኮ ኼድሊ ይኽእል እዩ።”b

ገሊኦም ወለዲ፡ ምትዕርራይ ምግባር ኬጸግሞም ይኽእል እዩ። ሓደ መንእሰይ ብዓል ሓዳር ከምዚ በለ፦ “ቅድሚ ምምርዓውና፡ ሰበይተይ ኵሉ ሳዕ ንድሌት ወለዳ እያ ቐዳምነት እትህቦ ነይራ። ምስ ተመርዓና ግና፡ ኣዲኣ፡ ቀዳምነት ዚውሃቦ ኻልእ ኣካል ከም ዝመጸ ተገንዘበት። ነዚ ኽትቅበሎ ኸኣ ኣዝዩ ኸበዳ።”

ሓደስቲ መርዑት እውን፡ ምትዕርራይ ምግባር ኬጸግሞም ይኽእል እዩ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ጄምስ፡ “እንዳ ኣሕሙ፡ ከምቶም ባዕልኻ እትመርጾም ኣዕሩኽ ኣይኰኑን። ፈቲኻ ጸሊእካ፡ ክልተ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ኣብ ህይወትካ ይውሰኹ እዮም። ዋላ እውን ዜበሳጭዉኻ እንተ ዀኑ፡ ስድራ ቤትካ እዮም” በለ።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ንስኻን መጻምድትኻን ምስ እንዳ ኣሕሙኹም ብዚተሓሓዝ እንተ ዘይተሰማሚዕኩም፡ ነቲ ጕዳይ ብናይ ምትሕብባር መንፈስ ክትፈትሕዎ ጽዓሩ። ነቲ፡ “ንሰላም ድለያ ስዐባውን” ዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ስዓቡ።—መዝሙር 34:14።

ከምኡ ምእንቲ ኽትገብሩ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣብነት እስከ ንርአ። ነፍሲ ወከፍ ነጥብታት፡ ብኣረኣእያ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ እዩ ቐሪቡ ዘሎ። ይኹን እምበር፡ እቲ ጸገም ንኽልቲኡ ጾታ ብማዕረ እዩ ዚብጽሖ፣ እቲ ስርዓታት ድማ ምስ እንዳ ኣሕሙ ንዚተሓሓዝ ሓያሎ ጸገማት ንኽትፈትሕዎ ኺሕግዘኩም ይኽእል እዩ።

ሰበይትኻ፡ ምስ ኣዲኣ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወካ ኸም እትምነ ትነግረካ። ንስኻ ግና፡ ሓማትካ ምሳኻ ዘይትሳነ ዀይኑ ይስምዓካ።

ነዚ ፈትኖ፦ ነቲ ጸገም ምስ ሰበይትኻ ተዘራረበሉ፣ ተዓጻጻፊ ኽትከውን ከኣ ጽዓር። እቲ ቐንዲ ጕዳይ፡ ብዛዕባ ሓማትካ ዘሎካ ስምዒት ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እታ ንኸተፍቅራ ቓል ኪዳን ዝኣተኻላ መጻምድትኻ ዘሎካ ስምዒት እዩ። ካብቲ ምይይጥኩም፡ ምስ ሓማትካ ንዘሎካ ርክብ ከተመሓይሾ እትኽእለሉ ሓደ ወይ ክልተ ነጥቢ ሓዝ፣ ተግብሮ ድማ። ሰበይትኻ ንጻዕርኻ ኽትርኢ ኸላ፡ ንዓኻ ዘለዋ ኣኽብሮት ከም ዚውስኽ ኣየጠራጥርን እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ቈረንቶስ 10:24።

ሰብኣይኪ፡ ካብ ንዕኡ ንላዕሊ ንወለድኺ ምሕጓስ ከም ዜገድሰኪ ነጊሩኪ።

ነዚ ፈትንዮ፦ ነቲ ጸገም ምስ ሰብኣይኪ ተዘራረብሉ፣ ነቲ ጕዳይ ብዓይኑ ኽትርእይዮ ድማ ፈትኒ። ሓቂ እዩ፡ ሰብኣይኪ ብምኽንያት እቲ ንወለድኺ እተርእይዮ ግቡእ ኣኽብሮት ኪሰግእ የብሉን። (ምሳሌ 23:22) ኰይኑ ግና፡ ብቓላትክን ብተግባርክን፡ ኣብ ህይወትኪ ቐዳማይ ቦታ ዘለዎ፡ ንሱ ደኣ እምበር ወለድኺ ኸም ዘይኰኑ ኣረጋግጽሉ። ሰብኣይኪ በዚ እንተ ተኣማሚኑ፡ ኣቓልቦኺ ንምርካብ ምስ ወለድኺ ኺወዳደር ዘይብሉ ዀይኑ ኺስምዖ እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ኤፌሶን 5:33።

ሰበይትኻ ኣብ ክንዲ ንዓኻ፡ ንወለዳ እያ እተማኽሮም።

ነዚ ፈትኖ፦ ምስ ሰበይትኻ ተዘራረብ፣ ነቲ ምስ እንዳ ኣሕሙ ዘሎኩም ርክብ ኣበይ ደረት ከም እትገብሩሉ ድማ ተሰማምዑ። ሚዛናዊ ኽትከውን ጽዓር። ሰበይትኻ ንወለዳ ብዛዕባ ሓደ ዘተሓሳሰባ ጕዳይ እንተ ኣዘራረበቶም፡ ከምኡ ምግባር ኵሉ ሳዕ ጌጋ እዩ ማለት ድዩ፧ መዓስ እዩኸ ግቡእ ኪኸውን ዚኽእል፧ ምስ ሰበይትኻ ብምስምማዕ ነቲ ርክብ ግቡእ ደረት እንተ ጌርኩምሉ፡ ጕዳይ እንዳ ኣሕሙ ጸገም ኣይኪዀነኩምን እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ፊልጲ 4:5።

a ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

b ካብታ ዘ ሰቨን ፕሪንስፕልስ ፎር ሜኪንግ ሜሪጅ ዎርክ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • “ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።”—1 ቈረንቶስ 10:24።

  • “እታ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ።”—ኤፌሶን 5:33።

  • “ልዙባት ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ።”—ፊልጲ 4:5።

ኣብ ኣወንታዊ ሸነኽ ኣተኵር

“ምስ እንዳ ኣሕሙኻ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወካ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ከመይሲ፡ ንመጻምድትኻ እተኸናኸንዎን ዘዕበይዎን ንሳቶም እዮም፣ እቲ ዘለዎም ጕድለት ብዘየገድስ ድማ፡ ከተመስግኖም ኣሎካ። ብዘይካዚ፡ ካብ ተመክሮኦም ብዙሕ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኣወንታዊ ባህርያት እንዳ ኣሕሙኻ እንተ ኣተኲርካን ንዕኡ ኽትቀድሖ እንተ ጽዒርካን፡ ማዩ ዝሰተየ ሰብ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።”—ጀሲካ።

ሰብ ሓዳር ምስ እንዳ ኣሕሙኦም ኰይኖም ባህ ዜብል ግዜ ኼሕልፉ ኸለዉ
    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ