ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 1/15 ገጽ 16
  • ኣትኵሮ ኣብ ሃይማኖት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣትኵሮ ኣብ ሃይማኖት
  • ንቕሑ!—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዓለም
  • ዓዲ እንግሊዝ
  • ኣውስትራልያ
  • ከመይ ገይረ እየ ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክረኽባ ዝኽእል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሃይማኖታት ይዳኸማ ድየን ዘለዋ፧
    ንቕሑ!—2015
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ነታ ቅንዕቲ ሃይማኖት ረኺብካያዶ ኣሎኻ?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2015
g 1/15 ገጽ 16
ናሕሲ ቤተ ክርስትያን

ካብ ከባቢ ዓለም

ኣትኵሮ ኣብ ሃይማኖት

ሃይማኖት፡ ምንጪ ሓድነት እዩ ኪኸውን ዘለዎ። መብዛሕትኡ እዋን ግና፡ ጠንቂ ግጭትን ዘይምትእምማንን እዩ ዚኸውን ዘሎ።

ዓለም

ሰለስተ ርብዒ ምድሪ ጐሊሑ ዚርኣየሉ ስእሊ

ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ዚኸውን ህዝቢ ዓለም፡ ኣብተን ሃይማኖታዊ እገዳ ዘለወን ሃገራት እዩ ዚነብር፣ ጠንቂ እቲ እገዳ፡ መንግስታዊ ፖሊሲ ወይ ማሕበራዊ ጽልኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመት፡ ብዝሒ እተን ኣብ ልዕሊ ንኣሽቱ ዚብሃላ ሃይማኖታት መጥቃዕቲ ዜውርዳ ሃገራት፡ ዳርጋ ብዕጽፊ ወሲኹ እዩ።

ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ገሊኦም ሰባት ንሃይማኖት ኣዝዮም ዚጸልኡሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧—ማቴዎስ 23:27, 28፣ ዮሃንስ 15:19።

ዓዲ እንግሊዝ

ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ቶኒ ብሌር፡ ኣብታ ኦብዘርቨር እትብሃል ጋዜጣ፡ ጠንቂ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዜጋጥም ዘሎ ግብረ ሽበራ፡ “ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ሃይማኖት፡” ማለት ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ምዃኑ ጸሓፈ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ኣብዚ ዘመን እዚ ዚግበር ውግእ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ መበል 20 ዘመን ዘጋጠመ፡ ብሰንኪ ዝለዓለ ፍልልይ ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ኣይኰነን ዚልዓል፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሰንኪ እቲ ንባህላዊ ወይ ንሃይማኖታዊ ሕቶታት ዚምልከት ፍልልይ ኪባራዕ ይኽእል እዩ” በለ።

ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ሃይማኖት መብዛሕትኡ እዋን ጠንቂ ምክፍፋል ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧—ማርቆስ 7:6-8።

ኣውስትራልያ

ሓደ ስእሊ ሰብ ተሰሪዙ፡ ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ኣእዳዎም ንላዕሊ ሓፍ ኣቢሎም ከለዉ

ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኣውስትራልያ ኸም ዝጸብጸቦ፡ ካብ ሓሙሽተ ተቐማጦ ኣውስትራልያ እቲ ሓደ፡ ኣባል ዝዀነት ትኹን ሃይማኖት ከም ዘይኰነ እዩ ዚገልጽ። እቲ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ፡ “ዋላ እውን ሓደ ሰብ ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ከም ዝዀነ እንተ ገለጸ፡ ኣብ ንጥፈታት እታ ሃይማኖት ብንቕሓት ይካፈል ማለት ኣይኰነን።” ካብቶም ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ከም ዝዀኑ ዚዛረቡ ሰባት፡ ካብ ደቂ ተባዕትዮ 15 ሚእታዊት፡ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ 22 ሚእታዊት ጥራይ እዮም ኣብ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ብንቕሓት ዚካፈሉ።

ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ኣብ መብዛሕትአን እተን ሎሚ ዘለዋ ሃይማኖታት፡ እንታይ ኣሉታዊ ባህርያት እዩ ዚርአ ዘሎ፧—ማቴዎስ 7:15-20።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ