ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 10/14 ገጽ 7
  • ካብ ከባቢ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ከባቢ ዓለም
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ
  • ህንዲ
  • ስዊዘርላንድ
  • ቀርኒ ኣፍሪቃ
  • ኣብ መጽሔት ንቕሑ! ዚርከብ ዓንቀጻት “መንእሰያት ዚሓትትዎ”
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ካብ ከባቢ ዓለም
    ንቕሑ!—2013
  • ካብ ከባቢ ዓለም
    ንቕሑ!—2013
  • ምድሪ፡ ድሕሪ 2012 ክትቅጽል ድያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ንቕሑ!—2014
g 10/14 ገጽ 7

ካብ ከባቢ ዓለም

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

ኣብ ተሽከርከርቲ ዚግጠም፡ ኣንፈት ዚሕብር መሳርሒ

ገሊኦም ፖሊስ፡ ንተጠርጠርቲ ማካይን ኪከታተልወን ከለዉ ንዚስዕብ ሓደጋ ዚንኪ ተክኖሎጂ ይጥቀሙ ኣለዉ። ሓደ ኻብቲ ሜላ፡ ኣብተን እቶም ፖሊስ ንምክትታል ዚጥቀሙለን ማካይን፡ ኣንፈት ዚከታተል መሳርሒ ዚውርውር ዕቑር ኣየር ከም ዚግጠም ምግባር እዩ። እቲ ኣንፈት ዚከታተል መሳርሒ ድማ፡ ካብተን ናይ ፖሊስ ማካይን ተወርዊሩ ኣብተን ዚከታተልወን ተጠርጠርቲ ማካይን ይጠብቕ። እዚ ኸኣ ሓደጋ ብዘየስዕብ ፍጥነት ንኽትከታተል ይሕግዝ።

ህንዲ

ህንዳዊት

ብሰንኪ እቲ ብገዝሚ ዚግበር ክርክር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ሓንቲ ሰበይቲ ትቕተል። ከምዚ ዝኣመሰለ ገዝሚ ምሃብን ምቕባልን ብሕጊ ኽልኩል እኳ እንተ ዀነ፡ መርዓዊ ወይ ስድራ ቤቱ፡ እቲ እተዋህቦም ገዝሚ ውሑድ ኰይኑ ስለ እተሰምዖም፡ ብ2012 ልዕሊ 8,200 ኣንስቲ ተቐቲለን እየን።

ስዊዘርላንድ

ምስ ለዃዂቶ እትመሳሰል ዑፍ

ምስ ለዃዂቶ ንዚመሳሰላ ሰለስተ ኣዕዋፍ፡ ኣብቲ ዚራብሓሉ ቦታ ኸለዋ፡ ነቲ ዚገብራኦ ምንቅስቓስ ዚከታተል ደቂቕ መሳርያ ተገጥመለን፣ እዚ መሳርያ እዚ ኸም ዝሓበሮ፡ እተን ኣዕዋፍ ናብ ኣፍሪቃ ኺፈልሳ ኸለዋ ንልዕሊ 200 መዓልቲ ብዘይምቍራጽ ተጓዒዘን እየን። ቅድሚ ሕጂ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዘይምቍራጽ ዚግበር ጕዕዞ፡ ኣብ እንስሳ ባሕሪ ጥራይ ከም ዘጋጠመ እዩ ተሓቢሩ ነይሩ።

ቀርኒ ኣፍሪቃ

ጭውያን ነቲ እተጨውየ ንምምላስ እተኸፍለ ገንዘብን ዜርኢ ሰሌዳ

ካብ ሚያዝያ 2005 ክሳዕ ታሕሳስ 2012፡ ሸፋቱ ባሕሪ ኣብ ገማግም ቀርኒ ኣፍሪቃ 179 መራኽብ ጨውዮም። ነተን መራኽብ ንምምላስ ተባሂሉ ነቶም ሸፋቱ እተኸፍሎም ገንዘብ ክሳዕ 413 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኸም ዚበጽሕ፡ ዓለማዊ ባንክ ዝገበሮ መጽናዕቲ ይሕብር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ