ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 9/14 ገጽ 14-15
  • ስጳኛ ንሞሪስኮስ ሰጒጓቶም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስጳኛ ንሞሪስኮስ ሰጒጓቶም
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገዲድካ ሃይማኖት ምቕያር
  • ‘ኣይ ንፉዓት ክርስትያናት፡ ኣይ እሙናት ተገዛእቲ’
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2014
  • ቃል ኣምላኽ ኣብ ማእከላይ ዘመን ኣብ ስጳኛ እተዘርግሓሉ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ንኽፍልታት ዓለም ዝመቓቐለ ኣዋጃት
    ንቕሑ!—2015
  • ኣስላማይ እንተ ትረክብ እንታይ ምበልካዮ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2014
g 9/14 ገጽ 14-15
ሞሪስኮስ ካብ ስጳኛ ኺስጐጉ ኸለዉ

ከመይ ይመስል ነበረ፧

ስጳኛ ንሞሪስኮስ ሰጒጓቶም

ኣብዚ ዜሕዝን ታሪኽ እዚ፡ ስጳኛውያን ዝወሰድዎ ነፍሲ ወከፍ ስጕምቲ፡ ጽልዋ ቤተ ክርስትያን ከም ዝነበሮ እዩ ዚንገር። ስለዚ፡ ኪንበብ ዚግብኦ እዩ።

ንጉሳዊ ስርዓት ስጳኛ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሕጊ ዀይና እትመሓደር ክርስትያናዊት መንግስቲ ኽትህሉ እዩ ዚደሊ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ሞሪስኮስ ከም ኣረማውያን ጌርካ ይርኣዩ ስለ ዝነበሩ፡ ንሳቶም ኣብ ስጳኛ ምህላዎም፡ ንኣምላኽ ኣዝዩ ኸም ዜጕህዮ ጌርካ ይሕሰብ ነበረ። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ከኣ፡ ምስ ሞሪስኮስ ዚተሓሓዝ ሓደ ውሳነ ተገብረ። እቲ ውሳነ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ሞሪስኮስ ካብ ስጳኛ ኺስጐጉ ነበሮም።a

ኣገዲድካ ሃይማኖት ምቕያር

ኣብ ስጳኛ፡ ሙዲኻር ዚብሃሉ ሒደት ዚቝጽሮም ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዝዀኑ ሞርስ ነይሮም እዮም፣ ኣብቲ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ዚቈጻጸርዎ ኸባቢ ድማ ንኣማእታት ዓመታት ብሰላም ይነብሩ ነይሮም እዮም። ንእተወሰነ እዋን ከኣ፡ ናታቶም ሕግን ባህልን ሃይማኖትን ንኺስዕቡ ዜኽእሎም ሕጋዊ መሰል ነይርዎም እዩ።

ይኹን እምበር፡ ብ1492 ዳግማይ ፈርዲናንድን ኢዛቤላን ዝስሞም ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ዝነበሩ ገዛእቲ ስጳኛ፡ ነታ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኣይቤርያ ኣብ ትሕቲ እስላማዊ መንግስቲ ዝነበረት ግረናዳ እትብሃል ናይ መወዳእታ ግዝኣት ስዒሮም ሓዝዋ። እታ ግዝኣት ክትተሓዝ ከላ፡ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሞርስ፡ ልክዕ ከምቲ ሙዲኻር ዝነበሮም ዓይነት መሰል ከም ዚህልዎም ተገብረ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ዝነበሩ ገዛእቲ ብዙሕ ከይጸንሑ፡ ነቶም ኣብ ግዝኣቶም ዝነበሩ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና መስጐጕቲ ኼውርዱሎምን ሃይማኖቶም ንኪቕይሩ ኼገድድዎምን ጀመሩ። እቶም ሞርስ ነዚ ንስምምዖም ዚጥሕስ ተግባር ብምቅዋም፡ ብ1499 ኣድማ ገበሩ። ሰራዊት መንግስቲ ነቲ ኣድማ እኳ እንተ በተኖ፡ ድሕሪኡ ግና ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና፡ ወይ ሃይማኖቶም የቐይሮም ወይ ከኣ ይሰጕጎም ነበረ። ስጳኛውያን ነቶም ሃይማኖቶም ቀዪሮም ኣብ ስጳኛ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት፡ ‘ሞሪስኮስ’ ኢሎም ይጽውዕዎም ነበሩ።

‘ኣይ ንፉዓት ክርስትያናት፡ ኣይ እሙናት ተገዛእቲ’

ብ1526 ምስልምና ኣብ መላእ ስጳኛ እኳ እንተ ተኣገደ፡ ብዙሓት ሞሪስኮስ ብምስጢር ሃይማኖቶም ይስዕቡ ነበሩ። ብሓፈሻኡ፡ ባህላዊ መንነቶም ዓቂቦም ይነብሩ ነበሩ።

ኣብ ፈለማ፡ ሞሪስኮስ ሃይማኖቶም ናብ ካቶሊክ ብምቕያር ብኸናፍሮም ጥራይ ዜቕርብዎ ዝነበሩ ኣምልኾ፡ ሸለል ተባሂሉ ነበረ። ከመይሲ፡ ኢደ ጥበበኛታትን ሰራሕተኛታትን ከፈልቲ ግብርን እዮም ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ምስ ህዝቢ ስለ ዘይሕወሱ፡ ይጽልኡ ነበሩ፣ ካብ መንግስቲ ይኹን ካብ ተራ ሰባት ድማ ኣድልዎ የጋጥሞም ነበረ። ከምኡ ኪኸውን ዝኸኣለ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን፡ ሞሪስኮስ ሃይማኖቶም ዝቐየሩሉ ምኽንያት ብቕንዕና ኸም ዘይኰነ ዚገልጽ ጥርጣረ እናወሰኸ ስለ ዝኸደ እዩ።

ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሸለል ምባል ሓዲግካ፡ ብሓይሊ ምግዳድ ተጀመረ። ብ1567 እቲ ንጉስ ዳግማይ ፊሊፕ ዘውጸኦ ንቛንቋን ንኣከዳድናን ንልምድን ንባህልን ሞሪስኮስ ዚኽልክል ውሳነ ተኣወጀ። እዚ ኸኣ ሓድሽ ዕልወትን ምፍሳስ ደምን ከም ዚጅመር ገበረ።

ኣስታት 300,000 ሞሪስኮስ ብሰንኪ መከራ ኻብ ስጳኛ ኸም እተሰጕጉ እዩ ዚግመት

ጸሓፍቲ ታሪኽ ከም ዚገልጽዎ፡ ገዛእቲ ስጳኛ፡ “ሞሪስኮስ ኣይ ንፉዓት ክርስትያናት፡ ኣይ እሙናት ተገዛእቲ” ምዃኖም ኣሚኖም ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሞሪስኮስ ምስ ጸላእቲ ስጳኛ፡ ማለት ምስቶም ባርባሪ ዚብሃሉ ሽፍታ ባሕርን ምስ ፈረንሳውያን ፕሮተስታንትን ምስ ቱርካውያንን ከም ዝሓበሩ ጌርካ ተኸስሱ። እቲ ዓሲሉ ዝነበረ ጽልእን ሞሪስኮስ ኣብ መወዳእታኡ ኪኸድዑ ኸም ዚኽእሉ ዝነበረ ፍርህን ተደማሚሩ ኸኣ፡ ፊሊፕ ሳልሳይ ብ1609 ንሞሪስኮስ ካብ ስጳኛ ሰጐጎም።b ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ዓመታት፡ ሞሪስኮስ ከም ዝዀኑ እተጠርጠሩ ሰባት፡ መስጐጕቲ ይወርዶም ነበረ። በዚ ዜዋርድ መገዲ እዚ፡ ስጳኛ ምሉእ ብምሉእ ሰዓቢት እምነት ካቶሊክ ኰነት።

a ሞሪስኮስ፡ ብስጳንኛ “ንእሽቶ ሞርስ” ማለት እዩ። ጸሓፍቲ ታሪኽ ነታ ቓል፡ ብዜስተናዕቕ መገዲ ኣይኰኑን ዚጥቀሙላ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቶም ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዝነበሩ ግናኸ ናብ ካቶሊክ እተቐየሩ ሰባት ንምምልካት እዮም ዚጥቀሙላ፣ ብዘይካዚ፡ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኣይቤርያ ዝነበረ እስላማዊ መንግስቲ ብ1492 ምስ ወደቐ ኣብኡ ንዝነበሩ ሰባት ንምምልካት እውን ይጥቀሙላ እዮም።

b ጸሓፍቲ ታሪኽ ከም ዚግምትዎ፡ እንተ ወሓደ ሓደ ኻብ ገዛእቲ ስጳኛ፡ ንመሬት ሞሪስኮስ ብምግባት ብዙሕ ከሲቡ እዩ።

ሓጺር ሓበሬታ

  • ኣብ መጀመርታ ሻምናይ ዘመን ድ.ክ.፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ዓረብን ዝነበሩ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና፡ ንመብዛሕትኡ እቲ ሕጂ ስጳኛን ፖርቱጋልን ዜጠቓልል ሓውሲ ደሴት ኣይቤርያ ተቘጻጸርዎ።

  • ሰራዊት ካቶሊክ ቀስ ብቐስ እዮም መሬቶም እንደገና ዚቈጻጸሩ ነይሮም፣ ብ1492 ነታ ኣብ ትሕቲ ሞርስ ዝነበረት ግረናዳ እትብሃል ናይ መወዳእታ ግዝኣት ምስ ተቘጻጸርዋ ግና፡ ወረራኦም ዛዘሙ።

  • ብ1492 ንጉስ ፈርዲናንድን ንግስቲ ኢዛቤላን፡ ሃይማኖቱ ናብ ካቶሊክ ንዘይቅይር ዝዀነ ይኹን ኣይሁዳዊ ኻብ ግዝኣቶም ሰጐጉ። ብ1500ታት፡ ሃይማኖቶም ዝቐየሩ ሰዓብቲ እምነት ምስልምናን ዘርኦምን፡ መስጐጕቲ ወሪድዎምን ተሰጒጎምን እዮም። ካብ 1609 ክሳዕ 1614 ድማ፡ እቶም ሃይማኖቶም ናብ ክርስትና ዝቐየሩ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዝነበሩ ሞሪስኮስ፡ ካብ ስጳኛ ተሰጕጉ።

  • ኣስታት 300,000 ሞሪስኮስ ብሰንኪ መከራ ኻብ ስጳኛ ኸም እተሰጕጉ እዩ ዚግመት። ነዚ ስለ እተቓወሙ ድማ፡ እንተ ወሓዱ 10,000 ዚዀኑ ሞይቶም እዮም።

“ጽሩይ” ካቶሊክ ኣብ ምልእቲ ዓዲ

እቲ ሊቀ ጳጳሳት ቫለንሺያ ዝነበረ ኽዋን ደ ሪበራ፡ ኣብ ምስጓጕ ሞሪስኮስ ዓብዪ ተራ ነበሮ

እቲ ሊቀ ጳጳሳት ቫለንሺያ ዝነበረ ኽዋን ደ ሪበራ፡ ንመስጐጕቲ ሞሪስኮስ ምሉእ ብምሉእ ደገፎ

ስጳኛ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ዝነበሩ ሞሪስኮስ ብምኻዶም ብቝጠባዊ መዳይ ብዙሕ እያ ተጐዲኣ። ኰይኑ ግና፡ ሞሪስኮስ ምስ ከዱ፡ ኣብታ ዓዲ ፈንጠዝያ እዩ ነይሩ። መጻሕፍቲ ታሪኽ ከም ዚሕብሮ፡ ብዙሓት ስጳኛውያን ነቶም ዜጠራጥር ሃይማኖት ዝነበሮም ሞሪስኮስ፡ “ከም ዜበሳጭዉን ንሃገር ከም ዜሕፍሩን” ሰባት ገይሮም እዮም ዚርእይዎም ነይሮም። ሞሪስኮስ ምስ ተሰጕጉ ግና፡ ሓሳብ ልቦም ሰመረሎም። እቶም መራሕትን እቶም ህዝቢ ብሓፈሻን እታ ቤተ ክርስትያንን፡ ኣብ መወዳእታኡ “ጽሩይ” ካቶሊክ ናብ ምልእቲ ዓዲ ስለ እተመልሰ፡ ኣዝዮም ተሓጐሱ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ