ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 2/14 ገጽ 3
  • ካብ ከባቢ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ከባቢ ዓለም
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ
  • ኢጣልያ
  • ማለዥያ
  • ኣፍሪቃ
  • ኣውስትራልያ
  • ትንቢት 3. ፌራ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ክርስትያናት ክጣልዑ ይኽእሉዶ፧
    ንቕሑ!—1999
  • ካብ ከባቢ ዓለም
    ንቕሑ!—2014
ንቕሑ!—2014
g 2/14 ገጽ 3

ካብ ከባቢ ዓለም

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ፡ ‘ሓደ ሽጋራ ዜትክኽ ሰራሕተኛ ምስቲ ሽጋራ ዘየትክኽ ሰራሕተኛ ኺነጻጸር ከሎ፡ ንኣስራሒኡ ኣብ ዓመት ኣስታት $5,816 ዶላር ኣመሪካ ብዝያዳ ኸም ዜውጽእ ይገብሮ’ ዚብል ጸብጻብ ኣቕረበት። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ግዝኣት ኦሃዮ ዚርከቡ ተመራመርቲ ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት፡ እቲ ተወሳኺ ወጻኢ እቲ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ስራሕ ሽጋራ ንምትካኽ ዚጠፍእ ግዜ፡ ምስ ሕክምና ብእተተሓሕዘ ዚወጽእ ገንዘብ፡ ከምኡውን ካብ ስራሕ ምብኳር እዩ። ካልእ ረቛሒ ኸኣ ሓደ ውሉፍ፡ ብሰንኪ እቲ ወልፊ ኒኮቲን ዜስዕቦ ጽልዋ፡ ውጽኢታዊ ዕዮ ዘይምዕያዩ እዩ።

ኢጣልያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ

“ኣብ መንጎ እቲ ኻህናትን ምእመናንን ዚብልዎን ዚገብርዎን ከምኡውን ኣብ መንጎ ዘረባኦምን ኣነባብራኦምን ዘሎ ፍልልይ፡ ነቲ ሰባት ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘለዎም ተኣማንነት ይብሕጕጎ ኣሎ።”—ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ።

ማለዥያ

ሰበ ስልጣን ማለዥያ፡ ዘይሕጋዊ ስኒ ሓርማዝ ሒዞም

ሰበ ስልጣን ማለዥያ፡ ማሀጎኒ ብዚብሃል ዕንጨይቲ ኣብ እተሰርሐ ኽልተ ሳንዱቕ ንእተረኽበ ልዕሊ 1,000 ዚምብዛሑን 24 ቶን ዚኽብደቱን ዘይሕጋዊ ስኒ ሓርማዝ ሒዞም። ተጣበቕቲ ዕቀባ ኣከባቢ፡ ክንድኡ ዚምብዛሑ ስኒ ሓርማዝ ተታሒዙ ኸም ዘይፈልጥ ገሊጾም እዮም። እቲ ስኒ ሓርማዝ ካብ ቶጎ ተበጊሱ፡ ናብ ቻይና እዩ ዚኸይድ ነይሩ።

ኣፍሪቃ

ኣፍሪቃዊ

ውድብ ጥዕና ዓለም ብ2012 ዘውጸኦ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ፡ ጠንቂ 63 ሚእታዊት ሞት፡ ተመሓላላፊ ሕማም ምዃኑ ሓቢሩ፣ እዚ ኸኣ ኤች.ኣይ.ቪ./አይድስን ውጽኣት ዜስዕብ ሕማማትን ዓሶን ዓባይ ሰዓልን ሕማማት ቈልዑን ዜጠቓልል እዩ።

ኣውስትራልያ

ብዘመናውያን ሞባይል ጌርካ ንኽትጣላዕ ዜኽእል ሶፍትዌር

ብዘመናውያን ሞባይል ወይ ከኣ ብኻልእ መሳርሒ ጌርካ ንኽትጣላዕ ዜኽእል ሶፍትዌር፡ ብቘልዑ ተፈታዊ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ። ገሊኡ ሶፍትዌራት ንናይ ሓቂ ቦታታት መጣልዒ ብምቕዳሕ እዩ ዚስራሕ፣ ብቐሊሉ ኸኣ ክትስዕር ትኽእል ኢኻ። ሓደ ብመንግስቲ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ከምዚ ዓይነት ሶፍትዌራት ንቘልዑ፡ ምጥላዕ ዋላ ሓንቲ ጌጋ ዘይብሉ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ኪገብርን “ዝወጸሎም ተጣላዕቲ ናብ ዚዀኑሉ ደረጃ ኸም ዚበጽሑ ኺገብሮምን” ከም ዚኽእል ኣጠንቀቐ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ