ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 12/13 ገጽ 3
  • ካብ ከባቢ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ከባቢ ዓለም
  • ንቕሑ!—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ
  • ናይጀርያ
  • ስጳኛ
  • ዓለም
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምልኾኦም መስቀል ዘይጥቀሙ ስለምንታይ እዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • የሱስ ብሓቂዶ ኣብ መስቀል እዩ ተሸንኪሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመስቀል ኣብ ኣምልኾኦም ዘይጥቀሙሉ ምኽንያት
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምልኾኦም መስቀል ዘይጥቀሙ ስለምንታይ እዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ንቕሑ!—2013
g 12/13 ገጽ 3

ካብ ከባቢ ዓለም

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ ዳርጋ ሲሶ ዚዀኑ ኣጋር፡ በቲ ማካይን ብብዝሒ ዚሓልፋሉ ጐደናታት ኪሳገሩ ኸለዉ፡ ብሙዚቃን ብሞባይልን ብኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ኣቓልቦኦም ይስረቕ እዩ። ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣቓልቦ ዚሰርቕ ሓደገኛ ተግባር ግና፡ ብሞባይል መልእኽቲ ምልእኣኽ እዩ። እቶም መልእኽቲ ዚለኣኣኹ ሰባት ንኺሳገሩ ዚወስድዎ ግዜ፡ ካብቲ እቶም ኣቓልቦኦም ዘይተሰርቀ ሰባት ዚወስድዎ ግዜ፡ ብ18 ሚእታዊት ዝዛየደ እዩ፣ ብዘይካዚ፡ ሰማፎሮ ንኺጥሕሱ፡ ኣብ ዘይግቡእ ቦታ ንኺሳገሩ፡ ወይ ከኣ የማነ ጸጋም ከይረኣዩ ንኺሳገሩ ዘለዎም ኣጋጣሚ፡ ብ3.9 ዕጽፊ ዝበዝሐ እዩ።

ናይጀርያ

እተን ብዘይ ሕጋውያን ኣስገርቲ ሰብ ካብ ናይጀርያ ናብ ኤውሮጳ ዚውሰዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብቲ ጠንቈልቲ ጁጁ ዚርከቡሉ ቕዱስ ቦታ፡ ምስጢር ከም ዘየውጽኣ ይምሕላ። ነቲ ኻብ መንፈሳዊ ዓለም ኪመጽእ ዚኽእል መቕጻዕቲ ኣመና ስለ ዚፈርሃኦ፡ እቶም ኣስገርቲ ነቲ ፍርሂ ተጠቒሞም፡ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ይቈጻጸርወን፡ ንዓታቶም ጥራይ ከም ዚእዘዛ ብምግባር ድማ፡ መርወዪ ጾታዊ ስምዒት ይገብርወን።

ስጳኛ

እቶም ካብ 5 ክሳዕ 10 ሚእታዊት ዚዀኑ ብሽቕለት ኣልቦነት ዚሽገሩ ሰባት፡ ነቲ ኣብቲ ብዛዕባ ትምህርቶምን ስራሖምን ዚሕብር ሰነድ ዚርከብ፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲግሪ ወይ ከኣ ሞያዊ ተመክሮ ኸም ዘለዎም ዚገልጽ ሓበሬታ የውጽእዎ፣ ምኽንያቱ፡ እቲ ሓበሬታ ነቶም ኣመልከትቲ፡ ካብቲ ዚድለ ንላዕሊ ተመክሮ ዘለዎም ስለ ዜምስሎም እዩ።

ዓለም

ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት፡ ካብ ባህላዊ እቶን ዚወጽእ ትኪ፡ ጠንቂ ሞት ይኸውን ኣሎ፣ በብዓመቱ ኣርባዕተ ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ብሰንኪ እቲ ብትኪ ዚመጽእ ሕማም ስርዓተ ምስትንፋስ ይሞቱ እዮም። ተመራመርቲ ኸም ዚገልጽዎ፡ እቲ ኻብ ዕንጨይትን ካብቲ ብፈሓም ዚሰርሕ እቶንን ዚወጽእ ጐዳኢ ኬሚካላት፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ትኪ ሽጋራ ዚርከብ መርዚ፡ ቀታሊ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ