ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 11/13 ገጽ 3
  • ካብ ከባቢ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ከባቢ ዓለም
  • ንቕሑ!—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጀርመን
  • ዓለም
  • ጃፓን
  • ቦሊቭያ
  • ኢጣልያ
  • ካብ ከባቢ ዓለም
    ንቕሑ!—2014
  • ካብ ከባቢ ዓለም
    ንቕሑ!—2014
  • ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ጋግ ይሰፍሕ ኣሎ
    ንቕሑ!—2000
ንቕሑ!—2013
g 11/13 ገጽ 3

ካብ ከባቢ ዓለም

ጀርመን

ብ2012 ሓደ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጀርመን፡ ናብ ቤተ ክርስትያን ምኻድ ብወግዒ ኣቋሪጽካ ኽነስኻ፡ ኣባል እታ ቤተ ክርስትያን ኴንካ ኽትቅጽል ከም ዘይከኣል ወሰነ። እቶም ናብ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ብወግዒ ምኻድ ዘቋረጹን ግብሪ ዘይከፍሉን ምእመናን፡ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ምስ ቍርባንን ኑዛዜን ሓላፍነትን ዚተሓሓዝ መሰል ኪኽልከሉ፡ በታ ቤተ ክርስትያን እውን ከይቅበሩ ይኽእሉ እዮም።

ዓለም

ብዛዕባ ሃይማኖታት ዓለም እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ እቶም “ሃይማኖት የብለይን” ዚብሉ ሰባት፡ ቍጽሮም 1.1 ቢልዮን በጺሑ ኣሎ፣ ብምሉኦም ግና ኢዘሀራውያን ከይኰኑ ይኽእሉ እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ካብቶም 2.2 ቢልዮን ዚዀኑ ሰዓብቲ ክርስትናን ካብቶም 1.6 ቢልዮን ዚዀኑ ሰዓብቲ እምነት ምስልምናን ቀጺሎም፡ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እዮም ዚርከቡ። እቶም ኣብ ራብዓይ ደረጃ ዚስርዑ ሰዓብቲ ሂንዱነት ከኣ ኣስታት 1 ቢልዮን እዮም።

ጃፓን

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ጃፓን፡ “ናእዳ ነቲ ምስ ፍረ ጻማ ዚተሓሓዝ ክፋል ሓንጎልና ኸም ዜነቓቕሖ፡” እዚ ኸኣ “ናይ ሓጐስ ስምዒት” ከም ዚፈጥር ገሊጾም። እዚ ርኽበት እዚ፡ ናእዳ ንሰባት ብዝያዳ ንኼመሓይሹ ኸም ዚድርኾም ንዚገልጽ ርእይቶ ዜራጕድ እዩ።

ቦሊቭያ

ኣብ መወዳእታ 2012፡ ኣብ ቦሊቭያ ሃገራዊ ቘጸራ ህዝቢ ተኻይዱ ነይሩ። እቲ ቘጸራ ህዝቢ ብልክዕ ምእንቲ ኺዕየ፡ ንቦሊቭያውያን ኣብታ ቘጸራ ህዝቢ እትግበረላ መዓልቲ ኻብ ቤት ከይወጹ ተነግሮም። ብዘይካዚ፡ ናይ ውልቂ ማኪና ምዝዋርን ኣልኮላዊ መስተ ምስታይን ተኸልከለ፣ ዶባት እውን ተዓጽወ።

ኢጣልያ

ኣብ ሓደ መጽናዕቲ እተኻፈሉ ኢጣልያውያን ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብ መዓልቲ ብገምጋም ን15 ደቒቕ ምስ ውሉዳቶም ይጻወቱ እዮም። ላ ሪፓብሊካ እትብሃል ጋዜጣ፡ “ካብ ሓሙሽተ ወለዲ እቲ ሓደ ጥራይ እዩ ምስ ውሉዳትካ ምጽዋት ንኽትምህሮም ከም ዚሕግዝ ዚኣምን” ብምባል ገለጸት። ኣንድሬያ ኣንጆሊኖ ዝስሙ ኽኢላ ነዳፊ መጻወቲታት ከም ዝገለጾ፡ ወለዲ ምስ ውሉዳቶም ኪጻወቱ ኸለዉ፡ እቶም ቈልዑ ነቲ ናይ ምምሃዝ ክእለቶም ንኼስፍሕዎን ‘ሕግታት ምኽባር ንኺምሃሩን’ ኪሕግዞም ይኽእል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ