ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 8/13 ገጽ 12-13
  • ኣብ ስላሴ ኽትኣምን ይግብኣካዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ስላሴ ኽትኣምን ይግብኣካዶ፧
  • ንቕሑ!—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ፧
  • ኬገድሰካ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧
  • ሰረተ-እምነት ስላሴ ብኸመይ ማዕበለ፧
    ስላሴ
  • ብሓቂ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድዩ፧
    ስላሴ
  • ክትኣምኖ ይግብኣካዶ ኢዩ፧
    ስላሴ
  • ስላሴ ብኸመይ ኢዩ ዝግለጽ፧
    ስላሴ
ንቕሑ!—2013
g 8/13 ገጽ 12-13

ኣብ ስላሴ ኽትኣምን ይግብኣካዶ፧

ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ዚዛረቡ ልዕሊ ኽልተ ቢልዮን ዚዀኑ ሰባት ኣለዉ። መብዛሕትኦም ድማ ኣባላት እተን ስላሴ ዚምህራ ኣብያተ ክርስትያን እዮም፣ ሰረተ እምነት ስላሴ፡ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ከም ዝዀኑ እዩ ዚምህር። ስላሴ ወግዓዊ ሰረተ እምነት ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ልዕሊ ዅሉ ግና፡ እዚ ትምህርቲ እዚ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይሳነ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. እዩ ተዛዚሙ። እቲ ስላሴ ንኺምዕብል መገዲ ዝጸረገ ትምህርትታት ብወግዒ ቕርጺ ኺሕዝ ዝጀመረ ድማ ክልተ ዘመን ጸኒሑ እዩ፣ ብ325 ድ.ክ. ኣብታ ሕጂ ኣብ ኢዝኒክ፡ ቱርኪ እትርከብ ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበረት ከተማ ኒቅያ ዋዕላ ተገብረ። ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ኸም ዝገለጾ፡ ኣብ ዋዕላ ኒቅያ፡ ንመንነት እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽን ክርስቶስን እውን ሓዊስካ፡ ናይ መጀመርታ ወግዓዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ወጸ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዚዛዘም ዘመናት ጸኒሑ ብዛዕባ መንነት እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽን ብዛዕባ ክርስቶስን ኪግለጽ ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መግለጺ ንጹር ስለ ዘይኰነ ድዩ፧

የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ፧

ቆስጣንጢኖስ መራሒ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ስመ ክርስትያን፡ ኣብ መንጎ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽን ኣብ መንጎ ክርስቶስን ብዛዕባ ዘሎ ርክብ ተኸፋፊሎም ነበሩ። የሱስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ፧ ወይስ በቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዩ ተፈጢሩ፧ እዚ ጕዳይ እዚ መዕለቢ ምእንቲ ኺግበረሉ፡ ቆስጣንጢኖስ ንመራሕቲ ቤተ ክርስትያን ናብ ኒቅያ ጸውዖም፣ ከምኡ ዝገበረ፡ ሃይማኖታዊ ሓቂ ኺፈልጥ ስለ ዝደለየ ዘይኰነስ፡ ሃጸያዊ ግዝኣቱ ብሃይማኖት ኪከፋፈል ስለ ዘይደለየ እዩ።

“ንኣናስ . . . ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ አሎና።”—1 ቈረንቶስ 8:6፡ ትርጕም 1956።

ቆስጣንጢኖስ ነቶም ብኣማእታት ዚቝጸሩ ኣቡናት ብምሉእ ድምጺ ኺሰማምዑ እኳ እንተ ሓተቶም፡ ጻዕሩ ኸንቱ ዀይኑ ተረፈ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ንተኣከብቲ እቲ ዋዕላ፡ ነቲ የሱስ ምስ ኣቦ “ኻብ ሓደ ባህርይ” (ኦሞዩስዮስ) ከም ዝዀነ ዚገልጽ ዘይንጹር ሓሳብ ኪቕበልዎ ርእይቶ ሃቦም። ስለዚ፡ ትምህርቲ ስላሴ ኣብቲ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ፍልስፍና ግሪኽ እተመስረተ እዩ ነይሩ፣ እዚ ትምህርቲ እዚ ኸኣ ኣብቲ ጸኒሑ ብጽሑፍ ዝወጸ ሃይማኖታዊ እምነት ቤተ ክርስትያን ኣተወ። እምበኣር፡ ሰረተ እምነት ስላሴ፡ እንተላይ እቲ ኸም ሳልሳይ ክፋል ጌርካ ዚርአ መንፈስ ቅዱስ፡ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ዓይነት መልክዕ ኪሕዝ ዝጀመረ፡ ኣብ መወዳእታ ራብዓይ ዘመን እዩ ነይሩ።

ኬገድሰካ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ፡ ‘ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንኣቦ ብሓቂ ኸም ዜምልኽዎ’ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 4:23) እቲ ሓቂ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። (ዮሃንስ 17:17) እሞኸ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሰለስተ ኣካላት ኣብ ሓደ ኣምላኽ ከም ዝዀኑ ድዩ ዚምህር፧

ቀዳማይ፡ እታ “ስላሴ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትርከብን እያ። ካልኣይ፡ የሱስ ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ማዕረ ኸም ዝዀነ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ የምልኾ እዩ። (ሉቃስ 22:41-44) ሳልሳይ፡ እቲ የሱስ ምስ ሰዓብቱ ዝነበሮ ርክብ መርትዖ ኪዀነና ይኽእል እዩ። የሱስ መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ኻብ ሞት ምስ ተንስአ እውን እንተ ዀነ፡ ንሰዓብቱ “ኣሕዋተይ” ኢሉ ጸውዖም። (ማቴዎስ 28:10) እሞኸ ሰዓብቲ የሱስ፡ ኣሕዋት እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዮም ነይሮም ማለት ድዩ፧ ኣይፋሎምን። የግዳስ፡ ኣብቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ እምነት ስለ ዝነበረቶም፡ ንሳቶም እውን ደቂ ሓደ ኣቦ ዀይኖም እዮም። (ገላትያ 3:26) ነዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ኣብ ዋዕላ ኒቅያ ተመስሪቱ ዝወጸ ሃይማኖታዊ እምነት ኣነጻጽሮ።

ኣዋጅ ኒቅያ እንታይ ይብል፧

“ብሓደ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ፡ . . . ምስ ኣቦ ኻብ ሓደ ባህርይ ዝዀነ . . . ንኣምን፣ ንሱ ኣምላኽ ካብ ኣምላኽ፡ ብርሃን ካብ ብርሃን፡ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ሓቂ ኣምላኽ እዩ።”

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

  • “ካባይ [ካብ የሱስ] ኣቦይ ይዐቢ።”—ዮሃንስ 14:28።a

  • “[ኣነ የሱስ] ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ አሎኹ።”—ዮሃንስ 20:17።

  • “ንኣናስ . . . ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ አሎና።”—1 ቈረንቶስ 8:6።

  • “ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ይባረኽ።”—1 ጴጥሮስ 1:3።

  • “እቲ ኣሜን [ዝዀነ የሱስ]፡ . . . መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ፡ ከምዚ ይብል አሎ።”—ራእይ 3:14።b

a ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና። ኵለን እዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ጥቕስታት፡ ካብ ትርጕም 1956 እየን ተወሲደን።

b እታ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧” ከምኡውን “የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧” ዚብላ ኽልተ ትምህርትታት ዝሓዘት እያ። ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓንቲ ቕዳሕ ክትረክብ ወይ ከኣ ኣብ www.jw.org ክትረኽባ ትኽእል ኢኻ።

ሓጺር ሓበሬታ፦

  • ዘ ኒው ዌስትሚኒስተር ዲክሽነሪ ኦቭ ቸርች ሂስትሪ ኸም ዝገለጾ፡ “ኣብ ኒቅያ ዝወጸ ሃይማኖታዊ እምነት፡ ውጽኢት እቲ ናይ መጀመርታ ዋዕላ ኒቅያ (325) ዘይኰነስ፡ . . . ውጽኢት እቲ ናይ መጀመርታ ዋዕላ ቁንስጥንጥንያ (381) እዩ።”

  • “እቲ ብ325 እተገብረ ዋዕላ ኒቅያ፡ ወዲ ‘ብመለኮት ምስ ኣቦ ትኽክል’ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ [ነቲ ገና ዝነበረ ስላሴ] ዚኸውን ኣገዳሲ መሰረት ኣንበረ።”—ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ።

ናይ መጀመርታ ዋዕላ ኒቅያ (ብግምት እተሳእለ)፡ ንሰረተ እምነት ስላሴ መገዲ ጸሪጉ እዩ

“ክርስትያናዊ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንተላይ ሓድሽ ኪዳን፡ ብዛዕባ ስላሴ ዚገልጽ ሓሳብ ኰነ ብዛዕባ ስላሴኣዊ ኣምላኽ ዚእምት ዝዀነ ይኹን ሓሳብ የብሉን።”—ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ።

“ሰረተ እምነት ስላሴ . . . ኣብ እዋን ቀዳሞት ክርስትያናት ኣይነበረን፣ ቅድሚ ኻልኣይ ዘመን ድማ ብንጹር ብዛዕባኡ ዚገልጽ ሓሳብ ኣይንረክብን ኢና።”—ላይብረሪ ኦቭ አርሊ ክሪስችያኒቲ—ጎድስ ኤንድ ዘ ዋን ጎድ።

“ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንሰረተ እምነት ስላሴ ብንጹር ንምግላጽ፡ ፍልስፍናዊ መበቈል ብዘለዎ ሓሳባት እናተሓገዘት ናይ ገዛእ ርእሳ ቓል ከተማዕብል ተገዲዳ እያ።”—ካተኪዝም ኦቭ ዘ ካቶሊክ ቸርች።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ