ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 3/13 ገጽ 8-9
  • ሙስ ፍልይ ዝበለ ገዚፍ እንስሳ ጫካ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሙስ ፍልይ ዝበለ ገዚፍ እንስሳ ጫካ
  • ንቕሑ!—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናብራ ሙስ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ
  • ሕጉስ እንስሳ
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2013
  • ኣብቲ ሰፊሕ ጻዕዳ ምድረ በዳ ዝገበርናዮ ምብጻሕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • የሆዋ ዝኣምላኹ ሰብ ሕጉስ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ንቕሑ!—2013
g 3/13 ገጽ 8-9

እንስሳ ዘገዳም

ሙስ ፍልይ ዝበለ ገዚፍ እንስሳ ጫካ

“ሙስ ደስ ዘይብልን ኣዝዩ ሕማቕን መልክዕ እዩ ዘለዎ። ነዊሕ ቍመት ኪህልዎ ዝኸኣለ ስለምንታይ ኰን ይኸውን፧ ነዊሕ ገጽ ዘለዎኸ ስለምንታይ እዩ፧” ብዙሓት ሰባት ምስ ርእይቶ እቲ ነዘን ቃላት እዚአን ዝጸሓፈን ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበረ ሄንሪ ዴቪድ ቱሮ ይሰማምዑ እዮም። ሙስ ዓሻ ስለ ዚመስል፡ ብብዝሒ ዘይርአ ብሕቱው እንስሳ ድማ ስለ ዝዀነ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ደርጋፍን ምስትውዓል ዘይብሉን እንስሳ እዩ ዚመስሎም። እዚ ግና ሓቂ ድዩ፧ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ኣብ ኤውሮጳን ኣብ እስያን ዚነብሩ ተመራመርቲ፡ ብዛዕባ እዚ ፍልይ ዝበለ እንስሳ እዚ ብዙሕ ነገር ኪፈልጡ ኽኢሎም እዮም።

ሙስ ኣዝዩ ገዚፍ ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን። ደርጋፍ ዜምስላኦ ነዋሕቲ ኣእጋር እየን ዘለዋኦ፣ በዘን ኣእጋር እዚአን ተጠቒሙ ግና፡ ዕስለ ተዅላ ኺሰጕጕ ይኽእል እዩ። ሙስ ካብ ዚውለድ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ኪሕምብስ ይጅምር፣ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሓያሎ ሙስ ነዊሕ ርሕቀት ኪሕምብሱ ኸለዉን ኣብ ማይ ዚነብሩ ኣትክልቲ ንምብላዕ ኣስታት 6 ሜተር ንታሕቲ ገጾም ኪኣትዉ ኸለዉን ተራእዮም እዮም።

ሓጺር ሓበሬታ

  • ዓይነት፦ መጥበዊ

  • ኣመጋግባ፦ ጠጥዕን ኣቝጽልትን ኣብ ማይ ዚነብሩ ኣትክልትን

  • ፍጥነት፦ ኣብ ሰዓት ክሳብ 55 ኪሎ ሜተር

  • ቍመት፦ ካብ 1.5 ኽሳዕ 2 ሜተር

  • ክብደት፦ ክሳዕ 816 ኪሎ ግራም

ሙስ ንድሕሪት ግልጽ ከይበለ፡ ኣዒንቱ ጥራይ ብምንቅስቓስ ኪርኢ ይኽእል እዩ። ኣፍንጫኡ እውን እንተ ዀነት፡ ዜደንቕ ዕዮ እያ እትዓዪ። ተመራመርቲ ኸም ዝገለጽዎ፡ መሳዅቲ ኣፍንጫ ሙስ ተረሓሒቑ ስለ ዚርከብ፡ ገሊኡ ነገራት ንዚርከበሉ ቦታ ብልክዕ ኪፈልጦ ይኽእል እዩ። እቲ ሙስ ዘለዎ ናይ ምስማዕ ክእለት እውን ኣዝዩ እዩ ዚጠቕሞ። ኣእዛን ሙስ ካብ ኵሉ ሸነኽ ንዚመጽእ ድምጺ ኺሰምዓ ይኽእላ እየን፣ ሰለስተ ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ ሙስ ንዜስምዖ ደሃይ ከኣ ኪሰምዓኦ ይኽእላ እየን።

ከምቲ ሓደ ጸሓፊ ዝገለጾ፡ ምራኽ ሙስ ‘ፍልይ ዝበለ መልክዕ’ ዘለዎ ዀይኑ፡ ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታ ዘለዎን ሕጉስን እዩ። እተን ላም ተባሂለን ዚጽውዓ ኣዴታት፡ ንደቀን የዕቍባኦምን ብተኣማንነት ይከናኸናኦምን እየን። ኪሃድኖም ኢሉ ንዝመጸ እንስሳ፡ እንተላይ ንተዃሉን ንድብን ንሰባትን የጥቅዕኦም እየን። ኣብ መወዳእታኡ፡ እቲ ምራኽ ከባቢ ዓመት ምስ ገበረ፡ ኣዲኡ ድማ እንደገና ምስ ጠነሰት፡ ገዛእ ርእሱ ምእንቲ ኪከናኸን፡ ተባርሮ።

ናብራ ሙስ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ

ቀንዲ ምግቢ ሙስ ኣትክልቲ እዩ፣ ከምኡ እንተ ዀይኑ ደኣ እሞ ንቘራሪ ወቕቲ ብኸመይ እዩ ዚሓልፎ፧ ኣብ ምዉቕ ወቕቲ ብዙሕ እዩ ዚበልዕ። ሙስ ኣብ መዓልቲ 23 ኪሎ ግራም ዚኸውን ሳዕሪ እዩ ዚበልዕ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ መሬት ዚበቍል 3 ሜተር ዚንውሓቱ ሳዕርን ኣብ ትሕቲ ማይ ዚርከብ ኣትክልትን ዜጠቓልል እዩ። ድሕሪኡ፡ እቲ ዝበልዖ ምግቢ ኣብቲ ኣርባዕተ ኽፋል ዘለዎ ኸስዐኡ ይሓቅቕ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ዜድልዮ ውሁድ ይረክብን ይሰብሕን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቈራሪ ወቕቲ ዜጋጥሞ ኻልእ ሓደጋታት ኣሎ።

ገለ ኻብቲ ንሙስ ኣብ ቈራሪ ወቕቲ ዜጸግሞ ነገራት፡ ሓያል ቍርን እተዀመረ በረድን እዩ። ሙስ ኣብ ቈራሪ ወቕቲ ነቲ ኣብቲ ብዜደንቕ ጸምሪ እተሸፈነ ሰብነቱ ዘሎ ሙቐት ኪዕቅቦ ስለ ዚደሊ፡ ብዙሕ ኪንቀሳቐስ ኣይደልን እዩ። ኣብቲ እተዀመረ በረድ ካብ ተዃሉ ምህዳም ከኣ ኣዝዩ እዩ ዜጸግሞ። ንሙስ ልዕሊ ዅሉ ዜስግኦ ግና ሰብ እዩ፣ ብሕልፊ ኸኣ ሃደንትን መራሕቲ ማካይንን።

ሙስ ነቲ ንበረድ ንምምካኽ ተባሂሉ ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ሰሜን ኣመሪካ ዚንስነስ ጨው ይፈትዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሕብሪ ቘርበቱ ጸሊም ስለ ዝዀነን ምስ መሰየ ስለ ዚንቀሳቐስን፡ መራሕቲ ማካይን ብሃንደበት ምስኡ ይጋጨዉ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ መራሕቲ ማካይንን ሙስን ህይወቶም ይስእኑ እዮም።

ሕጉስ እንስሳ

ሙስ ብማዕበል ባሕሪ ኺጻወቱ ኸለዉን ኣብ ውዑይ ማይ ኪሕጸቡ ኸለዉን ተራእዮም እዮም። ተባዕታይ ሙስን ኣንስተይቲ ሙስን እውን፡ ርሕራሐ ብዚንጸባረቖ መገዲ እዮም ዚዋሰቡ፣ እተን ኣዴታት ንደቀን ዘለወን ተኣማንነት ከኣ ብሓቂ ባህ ዜብል እዩ። ሰባት ዜዕብይዎም ምራኽ ሙስ እውን እንተ ዀኑ፡ ምስቶም ዜዕብይዎም ሰባት ከም ናይ ኣደ ዓይነት ርክብ ይምስርቱ እዮም። ዶክተር ቫለርዩስ ጊስት፡ “እዚ ዚስሕብ መልክዕ ዘይብሉ ፍልይ ዝበለ እንስሳ እዚ፡ ኣስተውዓልን ፈቃርን ኣዝዩ እሙንን እዩ” በለ።

ምራኽ ሙስ ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታ ዘለዎን ሕጉስን እዩ

ሓደ ኽትጥንቀቐሉ ዘሎካ ነገር ግና ኣሎ፦ ሙስ ኣዝዩ ብርቱዕን ሓያልን እንስሳ ዘገዳም እዩ። ኣብ በረኻ እንተ ኣጓኒፉካ፡ ኣኽብሮት ይሃሉኻ፣ ብዙሕ ከኣ ኣይትቕረቦ። ብሕልፊ ኣብቲ ኸባቢ ንኣሽቱ ምራኽ እንተ ኣልዮም፡ ርሕቀትካ ሓሉ። ይኹን እምበር፡ ካብ ርሕቀት እውን እንተ ዀነ፡ ነዚ ፍልይ ዝበለ ገዚፍ እንስሳ ጫካ ምስ ረኣኻዮ፡ ክትግረም ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ