ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 2/13 ገጽ 14-15
  • ኣምላኽ ንስኡናት ይሓልየሎም ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ንስኡናት ይሓልየሎም ድዩ፧
  • ንቕሑ!—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ንስኡናት ይሓልየሎም ድዩ፧
  • ስኡናት ንገዛእ ርእሶም ኪጠቕሙ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
  • እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ንስኡናት ከም ዚሕግዞም ዚሕብር መርትዖ ኣሎዶ፧
  • ኣብነት የሱስ ስዓብ ንድኻታት ከኣ ሕለየሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ነታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኣብ ህይወትካ ትዓይየላዶ ኣለኻ፧
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ናይ ሓቂ ጥበብ ትጭድር ኣላ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ‘እቲ ጥበብ ዝረክብ ብጹእ ኢዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2013
g 2/13 ገጽ 14-15

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ስኡናት ስኡናት

ኣምላኽ ንስኡናት ይሓልየሎም ድዩ፧

“[ኣምላኽ፡] ‘ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ’ ኢሉ እዩ እሞ፡ ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን።”—እብራውያን 13:5።

ኣምላኽ ሓልዮቱ ዜርእየሉ መገዲ፦

ሓደ ንየሆዋ ኣምላኽ ዜምልኽ ሰብ፡ ኣብ ጸገም ኪወድቕ ከሎ፡ ኣምላኽ ነቲ ሰብ ብእተፈላለየ መገዲ ይሓልየሉ እዩ። ሓደ ኻብኡ ድማ፡ እቲ እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ክርስትያናት ብጾት ብፍቕሪ ተደሪኾም ዚገብሩሉ ደገፍ እዩ።a ያእቆብ 1:27፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ዘይረኸሰን ኣምልኾ እዚ እዩ፦ ንዘኽታማትን ንመበለታትን ኣብ ጸበባኦም ምክንኻን” ትብል።

ቀዳሞት ክርስትያናት ንሓድሕዶም ይተሓጋገዙ ነበሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ብርቱዕ ጥሜት ከም ዚኸውን ብትንቢት ምስ ተነግረ፡ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ነቶም ኣብ ይሁዳ ዚቕመጡ ኣሕዋት ረድኤት ኪሰድዱሎም ወሰኑ።” (ግብሪ ሃዋርያት 11:28-30) ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቶም ስኡናት ክርስትያናት ዜድልዮም ነገራት ረኸቡ። እዚ ብፍታው እተገብረ ወፈያ እዚ፡ እታ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ብግብሪ ኸም እትርአ ገይሩ እዩ።—1 ዮሃንስ 3:18።

ስኡናት ንገዛእ ርእሶም ኪጠቕሙ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

“ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካ . . . ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።”—ኢሳይያስ 48:17, 18።

ንርእስና ምእንቲ ኽንሕግዝ፡ ኣምላኽ ይሕግዘና፦

ከምቲ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እተመከርዎ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ፡ ግብራውን መወዳድርቲ ዘይብሉን እዩ። ምሳሌ 2:6, 7፡ “እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ። . . . ነቶም ቅኑዓት ደሓን ይእርንበሎም” ትብል። ሰባት ነቲ ጥበብ እቲ እንተ ኣናድዮምዎን እንተ ተግቢሮምዎን፡ ንርእሶም ኪጠቕሙ ይኽእሉ እዮም።

ንኣብነት፡ ካብቲ ኸም ሓሽሽ ምውሳድን ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕን ዝኣመሰለ ዚጐድእን ዜኽስርን ኣመላት ይርሕቁ እዮም። (2 ቈረንቶስ 7:1) ብዘይካዚ፡ ሓቀኛታትን ትጉሃትን ቍም ነገረኛታትን ይዀኑ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ብቐሊሉ ስራሕ ይረኽቡ ወይ ከኣ ንፉዓት ሰራሕተኛታት ይዀኑ። ኤፌሶን 4:28፡ “እቲ ዚሰርቕ፡ ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ . . . ይጽዓር እምበር፡ ደጊምሲ ኣይስረቕ” ትብል።

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ንስኡናት ከም ዚሕግዞም ዚሕብር መርትዖ ኣሎዶ፧

“ጥበብ ብግብራ ጸደቐት።”—ማቴዎስ 11:19።

ገለ መርትዖ እስከ ንርአ፦

ኣብ ጋና ዚነብር ዊልሰን ዝስሙ ግዜያዊ ሰራሕተኛ፡ ኰንትራቱ ኺውድእ ቍሩብ ተሪፍዎ ነበረ። ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ፡ ናይቲ ኣካያዲ ስራሕ ማኪና ኺሓጽብ ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ማኪና ገንዘብ ረኸበ። ሓለቓኡ ድማ ነቲ ገንዘብ ኪወስዶ ነገሮ። እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ዊልሰን ግና፡ ኪሰርቕ ኣይደለየን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ገንዘብ ናብ ዋናኡ መለሶ። ኰንትራቱ ወዲኡ ኣብ ክንዲ ዚወጽእ ድማ፡ ቀዋሚ ስራሕ ተዋህቦ፣ ጸኒሑ ኸኣ ዝለዓለ ሓላፍነት ኪረክብ ከኣለ።

እታ ኣብ ኤውሮጳ እትነብር ዠራልዲን፡ ኣስራሒታ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዘይትፈትዎም፡ ካብ ስራሕ ተሰጕጐት። ይኹን እምበር፡ ኣደ እታ ኣስራሒት ንጓላ፡ ዓብዪ ጌጋ ኸም ዝገበረት ነገረታ። “ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝበሉ እሙናትን ህርኩታትን ሰራሕተኛታት ክትረኽቢ ኣይትኽእልን ኢኺ” ድማ በለታ። እታ ጓላ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምርምር ገበረት፣ ዠራልዲን ድማ ናብ ስራሓ ተመልሰት።

እታ ሳራ ዝስማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትነብር በይና ንደቃ እተዕቢ ኣደ፡ ኣጸጋሚ ዅነታት ምስ ኣጋጠማ፡ ኣባላት ጉባኤኣ ንስድራ ቤታ ዜድሊ ምግብን መጓዓዝያን ኣማልኡላ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ሳራ ነታ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ረኣየታ። እተን ደቃ፡ “ኣብ ጉባኤ ብዙሓት ወለዲ ኣለዉና” በላ።

ምስዚ ዚመሳሰል ብዙሕ ተመክሮታት ኪህሉ ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ምሳሌ 1:33 ዚርከብ፡ “እቲ [ንዓይ ንየሆዋ] ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር፡ ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ” ዚብል ሓሳብ እዩ ዜዘኻኽረና። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ዀን እዩ!

a ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ መንግስቲ ንስኡናት ገንዘባዊ ሓገዝ ይገብረሎም እዩ። ከምኡ ኣብ ዘይግበረሉ ቦታታት፡ እቲ ሓላፍነት ብቐንዱ ኣብ ኣዝማድ እቲ ስኡን እዩ ዚወድቕ።—1 ጢሞቴዎስ 5:3, 4, 16።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ