ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 2/13 ገጽ 3
  • ካብ ከባቢ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ከባቢ ዓለም
  • ንቕሑ!—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እስራኤል
  • ኣውስትራልያ
  • ግሪኽ
  • ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ
  • ማዳጋስካር
  • ንየሆዋ ኸነገልግሎ ቘሪጽና ኢና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ንቕሑ!—2013
g 2/13 ገጽ 3

ካብ ከባቢ ዓለም

እስራኤል

“ቅድሚ ውልደት ኣብ እተገብረ ምርመራ ኺርከብ ዚኽእል ዝነበረ ጕድለት ሒዞም እተወልዱ” ውሉዳት፡ ንሰብ ሞያ ሕክምና ብ“ጌጋ ህይወት” ድሕሪ ደጊም ኪኸስስዎም ከም ዘይክእሉ፡ Haaretz.com ሓቢራ። ወለዲ ግና ናይቲ “ንስንኩል ውሉድ ንምዕባይ ዜውጽእዎ ተወሳኺ ወጻኢታትን ኣብ ኵሉ ህይወቱ ዜድልዮ ንምምላእ ዚገብርዎ ጻዕርን” ካሕሳ ንምርካብ፡ ብ“ጌጋ ውልደት” ኪኸስሱ ይኽእሉ እዮም።

ኣውስትራልያ

ኣብ ኣውስትራልያ፡ ካብ 10 ሰብ ሓዳር እቶም 8 ብዘይ መርዓ ተኣኻኺቦም እዮም ዚነብሩ።

ግሪኽ

ሚኒስትሪ ጥዕና ግሪኽ ዘውጽኦ ስታቲስቲክስ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ኣብ ዓመተ 2010 ኣብተን ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዘጋጠመ ርእሰ ቕትለት፡ ምስቲ ኣብ ዓመተ 2011 ኣብተን ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዘጋጠመ ኺነጻጸር ከሎ፡ ብ40 ሚእታዊት ወሲኹ። እዚ ወሰኽ እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ቝጠባዊ ቕልውላው ዚተሓሓዝ እዩ።

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

ብመሰረት ቤት ምኽሪ መከላኸሊ ባህርያዊ ጸጋታት፡ ብደረጃ ሃገርለኸ ዳርጋ 40 ሚእታዊት ምግቢ ይባኽን እዩ። ንኣብነት፡ 7 ሚእታዊት እኽሊ ኣይዕጸድን፡ 17 ሚእታዊት ኣብ ኣብያተ ምግብን እንዳ ሻህን ዚቐርብ ምግቢ ኸይተበልዐ ይተርፍ፡ ስድራ ቤታት ከኣ ካብቲ ዝዓደጋኦ ምግቢ 25 ሚእታዊት ዚኸውን ይጕሕፋኦ።

ማዳጋስካር

ኣብ ቀረባ እዋን፡ እታ ኣብ ዓለም ዝነኣሰት ነፋሒቶ ኣብ ማዳጋስካር ተረኺባ። ንውሓታ 29 ሚሊ ሜተር እዩ። እተን ቡናዊ ዝሕብረን ነፋሒቶ፡ ኣመና ንኣሽቱ ኻብ ምዃነን እተላዕለ፡ ኣብ ጽፍሪ ሓደ ሰብ ኮፍ ኪብላ ይኽእላ እየን። ኰይኑ ግና፡ መንበሪአን ኣብ ሓደጋ ስለ ዝወደቐ፡ ኪጸንታ ይኽእላ እየን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ