ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ
ኣምላኽ ንዓመጻ ብኸመይ ይርእዮ፧
ዓመጻ ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ: እተፋላለየ ዓይነት ዓመጻ ኸኣ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ውግእ ዝርአ ዓመጻ ገዲፍካ: ኣብ ቤት-ትምህርቲ: ኣብ ስራሕ: ኣብ ስፖርት: ኣብ መንጎ ዓዋሉ: ከምኡውን ኣብ መዘናግዒ ዓመጻ ይርአ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ዝርአ ዓመጻ እውን ዳርጋ ኣብ ኵሉ ኢዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ። ንኣብነት: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ እተገብረ መጽናዕቲ ኣብ ካናዳ ጥራይ 1.2 ሚልዮን ሰብኡትን ኣንስትን እንተ ወሓደ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ሓንሳእ ብበዓል ሓዳሮም መጥቃዕቲ ኸም ዝወረዶም ገሊጾም። ካልእ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ ኸኣ 50 ሚእታዊት ካብቶም ንኣንስቶም ዝሃርሙ ሰብኡት ኣብ ልዕሊ ደቆም እውን ማህሰይቲ የውርዱ ኢዮም።
መብዛሕትኦም ሰባት ከምዚ ዘኣመሰለ ዓመጻ ኽሰምዑ ኸለዉ ልክዕ ከምዚ ንዓኻ ዝስምዓካ ዘሎ የስካሕክሖም ኢዩ። እንተዀነ ግን: ዓመጻ ቀመም ናይዚ ሎሚ እንርእዮ መዘናግዒታት ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። ሰባት በቲ ተዋሳእቲ ዓመጻ ከም እተፈጸመ ኣምሲሎም ዘርእይዎ ተግባር ጥራይ ዘይኰነስ: በቲ ተቐዲሑ ዝቐርብ ናይ ሓቂ ናይ ዓመጻ ተግባር እውን ይሰሓቡ ኢዮም። መኸተ ጕስጥን ካልእ ዓመጻ ዝመልኦ ስፖርትን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ህቡብ ኰይኑ ኣሎ። ኣምላኽ ግን ንዓመጻ ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮ፧
ነዊሕ ታሪኽ ዓመጻ
ዓመጻ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኢዩ ጀሚሩ። ወድሰብ ዝፈጸሞ ናይ መጀመርታ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዘፍጥረት 4:2-15 ተገሊጹ ኣሎ። እቲ በዅሪ ኣዳምን ሄዋንን ዝነበረ ቃየል: ብሓዉ ኣቤል ስለ ዝቐንአ ደይ መደይ ኢሉ ቐተሎ። ኣምላኽከ እንታይ ስጕምቲ ወሰደ፧ ቃየል ንሓዉ ብምቕታሉ የሆዋ ኣምላኽ ከቢድ መቕጻዕቲ ኸም ዘውረደሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና ኢዩ።
ድሕሪ እዚ ፍጻመ እዚ ልዕሊ 1,500 ዓመታት ጸኒሑ: ዘፍጥረት 6:11 ምድሪ “ብዓመጻ መልኤት” ትብለና። ካብኡኸ ኣምላኽ እንታይ ገበረ፧ እቲ ጻድቕ ዝነበረ ኖህን ስድራቤቱን ምእንቲ ኽድሕኑ መርከብ ክሰርሕ ኣዘዞ እሞ ናብ ምድሪ ማይ ኣይሂ ብምምጻእ ነቲ ዓመጻ ዝመልኦ ሕብረተሰብ ‘ኣጥፍኦ።’ (ዘፍጥረት 6:12-14, 17) እንተዀነ ግን: እቲ ህዝቢ ዓማጺ ክኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧
ናይ ኣጋንንቲ ጽልዋ
ኣብ ዘፍጥረት ተመዝጊቡ ዘሎ ዛንታ ገለ ኻብ ደቂ ኣምላኽ: ዘይእዙዛት መላእኽቲ ኸም ዝዀኑ እሞ ስጋ ለቢሶም ብምምጻእ ኣንስቲ ኣእትዮም ውሉዳት ከም ዝወለዱ ይሕብረና። (ዘፍጥረት 6:1-4) እቶም ውሉዳት ነፊሊም ተባሂሎም ዝጽውዑ ንጉዓትን ስሙያትን ነበሩ። እቶም ኣጋንንቲ ዝዀኑ ኣቦታቶም ጽልዋ ስለ ዘሕደሩሎም ከኣ ዓመጽቲ ዀኑ። ማይ ኣይሂ ንምድሪ ምስ ኣጥለቕለቓ: እዞም ነፊሊም እዚኣቶም ሞቱ። እቶም ኣጋንንቲ ግን ስጋኦም ቀንጢጦም ናብ መንፈሳዊ ዓለም ከም እተመልሱ ፍሉጥ ኢዩ።
ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እዞም ዓለወኛታት መላእኽቲ ኣብ ደቅሰብ ሓያል ጽልዋ ኸም ዘሕደሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና ኢዩ። (ኤፌሶን 6:12) እቲ መራሒኦም ሰይጣን እውን ናይ መጀመርታ “ቐታል ነፍሲ” ኢዩ ተባሂሉ። (ዮሃንስ 8:44) ስለዚ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዓመጻ ጋኔናዊ ወይ ሰይጣናዊ ኽበሃል ይኽእል ኢዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ዓመጻ ወይ ግፍዒ ኽሓባብለና ኸም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ። ምሳሌ 16:29 “ግፍዔኛ ሰብ ንብጻዩ ይሐባብሎ እሞ ሰናይ ናብ ዘይኰነት መገዲ ይመርሖ” ትብለና። ሎሚ ብዙሓት ሰባት ዓመጻ ተቐባልነት ዘለዎ ገይሮም ንኽርእይዎ: ንኸስፋሕፍሕዎ: ወይ ንኽፍጽሙ ተሓባቢሎም ኢዮም። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ከኣ ዓመጻ ዝመልኦ መዘናግዒታት ይርእዩ። ኣብ መዝሙር 73:6 ዝርከብ ቃላት ነዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ብንጹር ክገልጾ ይኽእል ኢዩ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ትዕቢት ከም ስልማት ክሳድ ይኸቦም: ግፍዒ ኸም ክዳን ይጕልብቦም” በለ።
ኣምላኽ ዓመጻ ይጸልእ
ክርስትያናት ኣብዛ ዓመጻ ዝመልኣ ዓለም ብኸመይ ኢዮም ክመላለሱ ዘለዎም፧ ብዛዕባ ስምኦንን ሌዊን ዝበሃሉ ደቂ ያእቆብ ዝገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዛንታ ጽቡቕ መምርሒ ይህበና ኢዩ። ሓብቶም ዲና ምስቶም ብዕሉጋት ዝነበሩ ሰብ ሴኬም ተቐራረበት። ድሕርዚ ድማ ሓደ ኻብቶም ተቐማጦ ኸተማ ሴኬም ተጋሰሳ። ስምኦንን ሌዊን ከኣ ሕነ ሓብቶም ንምፍዳይ ንዅሎም ሰብኡት ሴኬም ብዘይንሕስያ ቐተልዎም። ቍጥዓኦም ስለ ዘይተቘጻጸሩ ድማ ጸኒሑ ያእቆብ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ “ስምኦንን ሌዊን ኣሕዋት እዮም። ኣስያፎም ኣጽዋር ዓመጻ እዩ . . . እሞ: ነፍሰይ ናብ ምኽሮም ኣይትእቶ: ክብረይ ከኣ ኣብ ኣኼባኦም ኣይትሕበር” ብምባል ረገሞም።—ዘፍጥረት 49:5, 6
ክርስትያናት ምስዚ ቓላት እዚ ብምስምማዕ ምስቶም ዓመጻ ዘስፋሕፍሑ ወይ ዝገብሩ ኣይሓብሩን ኢዮም። ኣምላኽ ንዓመጽቲ ወይ ገፋዕቲ ኸም ዝጸልኦም ኣየጠራጥርን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ: ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም” ይብለና። (መዝሙር 11:5) ክርስትያናት ዝዀነ ይኹን ናይ ቍጥዓ ተግባራት: ዋላ እውን ሃሳዪ ዘረባ: ከወግዱ ኢዮም ዝመዓዱ።—ገላትያ 5:19-21፣ ኤፌሶን 4:31
ዓመጻ መወዳእታ ይህልዎዶ ዀን ይኸውን፧
ጥንቲ ዝነበረ ነብዪ ኣንባቆም ንየሆዋ ኣምላኽ “ንስኻ ኸይሰማዕካንስ: ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፧ ኣነ፤ ዓመጽ: ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ” ኢሉ ሓተቶ። (ኣንባቆም 1:2) ምናልባት ንስኻውን ተመሳሳሊ ሕቶ ሓቲትካ ትኸውን ኢኻ። ኣምላኽ ‘ንረሲእ’ ከጥፍኦ ምዃኑ መብጽዓ ብምእታው ንኣንባቆም መሊሱሉ ኢዩ። (ኣንባቆም 3:13) እቲ ትንቢታት ዝሓዘ መጽሓፍ ኢሳይያስ እውን ተስፋ ይህበና ኢዩ። ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ ኣምላኽ “ድሕርዚ ዓመጽ ኣብ ምድርኺ: ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ ዶብኪ ኣይኪስማዕን እዩ” ብምባል ተመባጺዑ ኣሎ።—ኢሳይያስ 60:18
ኣምላኽ ድሕሪ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ንዅሉ ዓይነት ዓመጻን ንዓመጽትን ካብ ገጽ ምድሪ ኸጥፍእ ምዃኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ርግጸኛታት ኢዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ: ምድሪ ብዓመጻ ዘይኰነስ “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ እግዚአብሔር ክትመልእ እያ።”—ኣንባቆም 2:14
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ካብታ ቃየል ንኣቤል ዝቐተለላ እዋን ኣትሒዙ ዓመጻ ተጀመረ