ነቲ ናይ ምስማዕ ክእለትካ ተኸናኸኖ!
“ኣብ ዓለም ልዕሊ 120 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት እናገደደ ዝኸይድ ናይ ምስማዕ ጸገም ኣለዎም።”—ዓለማዊ ውድብ ጥዕና
ናይ ምስማዕ ክእለት ኣኽቢርና ኽንርእዮ ዝግባእ ውህበት ኢዩ። ዕድመ እናደፋእና ምስ ከድና ግን ናይ ምስማዕ ክእለትና እናደኸመ ኢዩ ዝኸይድ። እዚ ዘመናዊ ሕብረተሰብ እተፈላለየ ድምጽታትን ጫውጫውታን ስለ ዘመንጩ ነቲ ናይ ምስማዕ ክእለትና ኣብ ምድካም ግደ ዘለዎ ኢዩ ዝመስል። ኣብ ሰይንት ሎይስ: ሚዙሪ: ሕ.መ.ኣ.: ዝርከብ ማእከል ትካል ጸማማት ዝሰርሕ ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ሊቅ “75 ሚእታዊት ካብቶም ዝጸሙ ኣመሪካውያን ብዕድመ ምድፋእ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ህይወቶም ነእዛኖም ብሰንኪ ዝገበሩሉ ኣተሓሕዛ ኢዩ” በለ።
ንሓጺር እዋን ብርቱዕ ድምጺ ምስ እትሰምዕ ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ኽፍሊ እዝኒ ዘሎ ተኣፋፊ ነገራት ክጐድኦ ይኽእል ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ጽመት ዝመጽእ ከምቲ ናይ ምስማዕ ክኢላ ዝዀነት ዶ/ር ማርጋሬት ቺዝማን ዝበለቶ “ጫውጫው ዝበዝሖ ስራሕ: መሕለፍ ግዜ: ከምኡውን መዘናግዒ ኻብ ምዝውታር ኢዩ።” ንናይ ምስማዕ ክእለትካ ንምክንኻን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ መልሲ ናይዚ ንምርካብ ናይ ምስማዕ ህዋስካ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ምፍላጥ ሓጋዚ ኢዩ።
እቲ እንሰምዖ ድምጺ
ኣብ እንነብረሉ ኣከባቢ ዝስማዕ ጫውጫው ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኢዩ ዝመስል። ብዙሓት ሰባት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ካብ ማካይን: ኣውቶቡሳት: ዓበይቲ ማካይን ኣትሒዝካ ኽሳዕ እቲ ኣብ ስራሕ ዘለዋ ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ ማሽናት ዘመንጭዋኦ እተፈላለየ ዓይነት ድምጺ ይሰምዑ ኢዮም።
ሓድሓደ ግዜ ንድምጺ ቲቪ ወይ ረድዮ ዓው ብምባል ነዚ ጸገም እዚ ነጋድዶ ኢና። መስምዒ ኣብ እዝንኻ ወቲፍካ ካብ ተንቀሳቓሲ ሲዲ ወይ ቴፕ ሙዚቃ ምስማዕ ሓደ ኻብቲ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ነገራት ኢዩ። ብመሰረት እቲ ሓደ ኻብቶም መስረትቲ ናይቲ ኣብ ካናዳ ዝርከብ ክሊኒክ ሙዚቀኛታት ዝዀነ ማርሻል ቻይሰን: ኣብ ካናዳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እተገብረ መጽናዕቲ መንእሰያት ኣብ እዝኖም መስምዒ ወቲፎም ነቲ ድምጺ ኻብ መጠን ንላዕሊ ዓው ስለ ዘብልዎ ብብዝሒ ይጸሙ ኣለዉ።
ኣዝዩ ዓው ኢሉ: ዝበሃል ድምጺ ግን ከመይ ኢዩ፧ ድምጺ ብሰለስተ መዳያት ይዕቀን፣ እዚ ኸኣ ዝጸንሓሉ እዋን: ፍሪኰንሲ: ከምኡውን ብርታዐ ኢዩ። ዝጸንሓሉ እዋን ኽበሃል ከሎ ንሓደ ድምጺ እትሰምዓሉ ንውሓት ግዜ ኢዩ። ፍሪኰንሲ ወይ ቅኒት ከኣ ብዑደት ኣብ ልዕሊ ካልኢት ወይ ብሀርዝ ኢዩ ዝልካዕ። ሓደ ጥዑይ ሰብ ካብ 20 ክሳዕ 20,000 ዑደት ኣብ ልዕሊ ካልኢት ክሰምዕ ይኽእል ኢዩ።
ብርታዐ ድምጺ ደሲበል ብዝበሃል መዐቀኒ ጌርካ ኢዩ መጠኑ ዝግለጽ። ተራ ዕላል 60 ደሲበል ኣቢሉ ዝኸውን መጠን ድምጺ ኣለዎ። ብዛዕባ ናይ ምስማዕ ክእለት ዝመራመሩ ሊቃውንቲ ኻብ 85 ደሲበል ንላዕሊ ዓው ናብ ዝበለ ድምጺ ንነዊሕ እዋን ምስ እትቃላዕ: ኣብ መወዳእትኡ ንምጽማም ዘሎካ ኣጋጣሚ ዝዓበየ ከም ዝኸውን ይዛረቡ። እቲ ድምጺ ዓው ብዝበለ መጠን: እቲ ዝወርድ ጕድኣት ቅልጡፍ ይኸውን። መጽሔት ኒውስዊክ ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ሃበት:- “እዝንኻ ነታ ብኤለክትሪክ እትዓዪ ሰርሳሪት እተመንጭዎ ድምጺ (100 ደሲበል) ንኽልተ ሰዓታት ብዘይ ገለ ጕድኣት ክጻወሮ ይኽእል ኢዩ: ነቲ ጫውጫው ዝመልኦ ናይ ቪድዮ ጸወታታት (110 ደሲበል) ግን ካብ 30 ደቓይቕ ንላዕሊ ኽጻወሮ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ መጠን ድምጺ 10 ደሲበል ብዝወሰኽካ መጠን ብዝያዳ 10 ግዜ ንኣእዛንካ ነዝነዝ ዘብሎ ድምጺ እትሰምዕ ከም ዘሎኻ ዘመልክት ኢዩ።” ካብ መጽናዕቲ ኸም እተረጋገጸ ድምጺ ዳርጋ 120 ደሲበል ኣቢሉ ምስ በጽሐ እዝንኻ ኸቐንዝወካ ይጅምር ኢዩ። እቲ ዘገርም ከኣ ገሊኡ ኣብ ኣባይቲ ዝርከብ ናይ ድምጺ መሳርሒታት ካብ 140 ደሲበል ዝዛየድ ድምጺ ኸመንጩ ይኽእል ኢዩ!—ሳጹን ርአ።
ዓው ዝበለ ድምጺ ነቲ ናይ ምስማዕ ክእለትካ ስለምንታይ ከም ዝጐድኦ ምእንቲ ኽርድኣካ: ማዕበላት ድምጺ ኣብ እዝንና ምስ በጽሐ እንታይ ከም ዝፍጸም እስከ ንርአ።
ብኸመይ ከም እንሰምዕ
ቅርጺ ናይቲ ግዳማዊ ኽፋል እዝንና ንማዕበላት ድምጺ ኣኪቡ ናብ መትረብ እዝኒ ክልእኽ ከም ዝኽእል ኰይኑ ኢዩ ተነዲፉ። ድሕሪኡ እቲ ድምጺ ኣብ ከበሮ እዝኒ ይበጽሕ። ልክዕ ኣብዚ ምስ በጽሐ እቲ ማዕበላት ድምጺ ንኸበሮ እዝኒ ነዝነዝ ከም ዝብል ይገብሮ: እቲ ኸበሮ እዝኒ እውን ብግዲኡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ክፍሊ እዝኒ ዘሎ ሰለስተ ኣዕጽምቲ ነዝነዝ የብሎ። ድሕሪኡ እቲ ነዝነዝታ ናብቲ ብፈሳሲ እተመልአ ዓጽሚ ዝቘመ ውሽጣዊ ኽፍሊ እዝኒ ይሓልፍ። ኣብኡ እቲ ነዝነዝታ በቲ ፈሳሲ ኣቢሉ ናብቲ ኮችልያ ዝበሃል ከም ጸጕሪ ዝኣመሰሉ ዋህዮታት ዝሓዘ ኸም ኣረነ ዝቕርጹ ውሽጣዊ ኽፍሊ እዝንና ይሓልፍ። እቲ ኣብ ኮችልያ ዘሎ ፈሳሲ ነቲ ላዕለዋይ ክፋል ናይቶም ከም ጸጕሪ ዝኣመሰሉ ዋህዮታት የለዓዕሎም: ንሳቶም ከኣ ናብቲ ኣእምሮ ኽርድኦ ዝኽእል ዓይነት መልእኽቲ ይቕይርዎ። እዚ መልእኽቲ እዚ ናብ ሓንጎል ይመሓላለፍ እሞ ኣብኡ ኸኣ ትርጕም ናይቲ ድምጺ ይፍታሕ።
እቲ ሊምቢክ ሲስተም ዝበሃል ክፋል ናይ ሓንጎል ነየናይ ድምጺ ኣቓልቦ ኸም ዘድልዮ: ነየናይ ከኣ ኸም ዘየድልዮ ዝውስን ኢዩ። ንኣብነት: ሓንቲ ኣደ ውላዳ ኽጻወት ከሎ ብኣቓልቦ ኣይትሰምዖን ትኸውን: እንተዀነ ግን ምስ ዝበኪ ብኡንብኡ ስጕምቲ ትወስድ ኢያ። ብኽልተ እዝንና ምስማዕና ኻብ ኵሉ መኣዝን ንዝመጽእ ድምጺ ንኸነለሊ የኽእለና: እዚውን ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ። ከመይሲ እቲ ድምጺ ኻበየናይ ኣንፈት ከም ዝመጸ ንኸነለሊ የኽእለና ኢዩ። እቲ ድምጺ ዘረባ ምስ ዝኸውን ግን ሓንጎልና ኣብ ሓደ እዋን ሓደ መልእኽቲ ጥራይ ኢዩ ክቕበል ዝኽእል። ዘ ሰንስስ ዘርእስታ መጽሓፍ “ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሰባት ብቴለፎን ንዝዛረቦም እናሰምዑ ኸለዉ: ጥቕኦም ዘሎ ሰብ ንዝዛረቦም ነገራት ምስማዕ ዘሸግሮም” ትብል።
ብርቱዕ ድምጺ ንናይ ምስማዕ ክእለትካ ብኸመይ ይጐድኦ፧
ዓው ዝበለ ድምጺ ንናይ ምስማዕ ክእለትና ብኸመይ ክጐድኦ ኸም ዝኽእል ንኽንርድኦ ነዚ ዝስዕብ ምምስሳል እስከ ንርአ። ብዛዕባ ኣብ ስራሕ ክህሉ ዘለዎ ድሕንነት ዝገልጽ ሓደ ጸብጻብ: ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ኽፍሊ እዝኒ ዘሎ ኸም ጸጕሪ ዝኣመሰለ ዋህዮታት ምስ ግርሁ ስርናይ: ንድምጺ ኸኣ ምስ ንፋስ ኣመሳሳሎ። ህዱእ ንፋስ ምስ ዝነፍስ: ልክዕ ከም ትሑት መጠን ድምጺ ማለት ኢዩ: ነቲ ስርናይ ሰሰው የብሎ: እንተዀነ ግን ኣይጐድኦን ኢዩ። እቲ ንፋስ ዘለዎ ፍጥነት ምስ ዝውስኽ ግን ንብርዒ ናይቲ ስርናይ ክጐድኦ ይጅምር። ብሃንደበት ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ምስ ዝመጽእ ወይ ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ትሑት ንፋስ ምስ ዝህሉ እቲ ብርዒ ኸቢድ ጕድኣት ክወርዶን ክመውትን ይኽእል ኢዩ።
ብርቱዕ ድምጺ እውን ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ኽፋል እዝንና ዘሎ ደቀቕቲ ኸም ጸጕሪ ዝኣመሰለ ዋህዮታት ተመሳሳሊ ጕድኣት ኢዩ ዘውርደሉ። ብሃንደበት ብርቱዕ ድምጺ ምስ ዝመጽእ ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ኽፋል እዝኒ ዘሎ ኣካሊት ክቐዶን ነባሪ ጽመት ከምጽእ ዝኽእል በሰላ ኽገድፍን ይኽእል ኢዩ። ብተወሳኺውን ንነዊሕ እዋን ብርቱዕ ድምጺ ምስማዕ ነቲ ኸም ጸጕሪ ዝኣመሰለ ዋህዮታት ክጐድኦ ይኽእል ኢዩ። እዚ ሓንሳእ እንተ ተጐዲኡ ኸኣ ክጥዒ ኣይክእልን ኢዩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ ኣብ እዝንኻ ወይ ኣብ ኣእምሮኻ ዚዝ: ጭር: ወይ ኵር ዝብል ድምጺ ይስምዓካ።
ንናይ ምስማዕ ክእለትካ ብምክንኻን ዕምሩ ኣናውሓዮ
ብውርሲ ወይ ብኻልእ ሓደጋታት ጽመት ዝመጽእ እኳ እንተዀነ: ነቲ ኽቡር ናይ ምስማዕ ክእለትና ብምክንኻን ንነዊሕ እዋን ከም ዘገልግለና ኽንገብር ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እቲ ኽጐድእ ዝኽእል ድምጽታት ምፍላጥ ጠቓሚ ኢዩ። ሓንቲ ናይ ምስማዕ ክእለት ተመራማሪት ካብ ሓሚምካ ሕክምና ተኸናኺንካ ጥዕና ኸም ዝሓይሽ ሓቢራ ኣላ።
መብዛሕትኡ ግዜ ጸገም ዝፈጥር እንታይ ከም እንሰምዕ ዘይኰነስ ብኸመይ ከም እንሰምዕ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ እዝኒ ዝስኳዕ መስምዒ ሙዚቃ ትጥቀም እንተደኣ ዄንካ: ነቲ ድምጺ ኣህድእ ብምባል ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ድምጽታት ንኽትሰምዕ ዘየሸግረካ ኽትገብሮ የድሊ ይኸውን። ኣብ ማኪናኻ ወይ ኣብ ቤትካ እትውልዖ ሙዚቃ ዓው ካብ ምባሉ እተላዕለ ንዕላልካ ዝውሕጦ እንተደኣ ዀይኑ: እዚ ንናይ ምስማዕ ክእለትካ ኸም ዝጐድኦ ምልክት ክዀነካ ይኽእል ኢዩ። ክኢላታት ንኽልተ ወይ ሰለስተ ሰዓታት 90 ደሲበል ዝኸውን መጠን ዘለዎ ድምጺ ምስ እትቃላዕ ኣእዛንካ ኽጕዳእ ኸም ዝኽእል የጠንቅቑ ኢዮም። ኣብ ብርቱዕ ድምጺ ዘለዎ ኣከባቢ ምስ እትኸውን ኣብ እዝኒ ዝውተፍ ነገር ወይ ካልእ መከላኸሊ ድምጺ እንተ ተጠቐምካ ይሓይሽ።
ካብ ዓበይቲ ንላዕሊ ቘልዑ ኣብ ናይ ምስማዕ ክእለቶም ዝያዳ ጕድኣት ክወርዶም ከም ዝኽእል ወለዲ ኽርስዑ የብሎምን። ዓው ዝበለ ድምጺ ዘለዎ መጻወቲታት ከምጽኦ ዝኽእል ጕድኣት ኣይትረስዑ። አረ ኮሻሕሻሕ ዝብል መጻወቲ እውን ከይተረፈ 110 ደሲበል ዝኣክል ድምጺ ኸመንጩ ይኽእል ኢዩ!
ኣእዛንና ተኣፋፊ: ንእሽቶ: ከምኡውን ዘደንቕ መሳርሒ ኢዩ። በእዛንና ኣቢልና ኣብ ከባቢና ዘሎ እተፈላለየ ባህ ዘብል ድምጺ ኽንሰምዕ ንኽእል ኢና። ብርግጽ ነዚ ኽቡር ውህበት ዝዀነ ናይ ምስማዕ ክእለት ክንከናኸኖ ዝግባእ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ሳጹን]
ገሊኡ ልሙድ ድምጽታት ዘመንጭዎ መጠን ደሲበል ብገምጋም
• ምስትንፋስ—10 ደሲበል
• ምሕሹዅሻዅ—20 ደሲበል
• ዕላል—60 ደሲበል
• ኣብ ሰዓታት ተብተብ ዝህሉ ትራፊክ—80 ደሲበል
• መጥሓኒ መግቢ—90 ደሲበል
• ባቡር ክትሓልፍ ከላ—100 ደሲበል
• ብሞተር እትሰርሕ መጋዝ—110 ደሲበል
• ጀት ክትሓልፍ ከላ—120 ደሲበል
• ተዅሲ ሽጉጥ—140 ደሲበል
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን]
እዚ ዝስዕብ ምልክት እንተ ርኢኻ ናብ ምጽማም ገጽካ ትጐዓዝ ትህሉ ትኸውን
• ድምጺ ረድዮ ወይ ቲቪ ምስ እትውስኸሉ እሞ ካልኦት ኣመና ዓው ኢሉ ምስ ዝብሉ
• ሰባት እተዛረብዎ ንኽደግሙልካ ብተደጋጋሚ ምስ እትሓቶም
• ነቲ ዝዛረበካ ሰብ ንምስማዕ ምስ እትሽገር: ንቕድሚት ቅንን ምስ እትብል: ወይ ቍሊሕ ምስ እትብል
• ኣብ ብዙሓት እተኣከቡሉ ወይ ኣብ ዕሙር ድኳን ዝህሉ ያዕያዕታ ዘለዎ ቦታ ምስማዕ ምስ ዘጸግመካ
• ዝበዝሕ እዋን ነቲ እተዘርበ ነገራት ንኸዘንትዉልካ ንኻልኦት ምስ እትሓትት
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]
ግዳማዊ ኽፋል እዝኒ
ኣብ ማእከላይ ክፋል እዝኒ ዝርከብ
ሰለስተ ኣዕጽምቲ
ከበሮ እዝኒ
ናብ ሓንጎል መልእኽቲ ዝወስድ
መትንታት
ኮችልያ