ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g02 8/4 ገጽ 26-27
  • ቀሊል ዝበልካዮ ተሓላሊኹ ኽጸንሓካ ኸሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቀሊል ዝበልካዮ ተሓላሊኹ ኽጸንሓካ ኸሎ
  • ንቕሑ!—2002
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፍልይ ዝበለ ብሓደ ዋህዮ ዝቘመ ነፍሲ
  • ከነስተንትነሉ ዘሎና ነጥብታት
  • ጨው ተደላዪ ማዕድን
    ንቕሑ!—2002
  • ህይወት እንታይ ይነግረና፧
    ንቕሑ!—2021
ንቕሑ!—2002
g02 8/4 ገጽ 26-27

ቀሊል ዝበልካዮ ተሓላሊኹ ኽጸንሓካ ኸሎ

ክልሰ⁠-​ሓሳብ ቀመማዊ ፍልቀት: ህይወት ኣብ ምድሪ ክኽሰት ዝኸኣለ ቅድሚ ቢልዮናት ዓመታት ብዘይደጋዊ ጽልዋ ፍኑው ቀመማዊ ምብልላዕ ብምክያዱ ኢዩ ዝብል ሓሳብ የቕርብ።

እዚ ኽልሰ⁠-​ሓሳብ እዚ ህይወት ዘይብሉ ነገር ብሃንደበት ናብ ኣዕዋፍ: ለመምታ: ወይ ካልእ እተሓላለኸ ህይወት ዘለዎ ነገር ተቐዪሩ ኣይኰነን ዝብል። ኣብ ክንድኡስ ብተኸታታሊ ዘጋጠመ ፍኑው ቀመማዊ ምብልላዕ ከም ሰበባን ካልእ ብሓደ ዋህዮ ዝቘመ ነፍሳትን ዝኣመሰለ ቀሊል ህይወት ዘለዎ ነገር ኣምጺኡ ዝብል ኢዩ።

ብዛዕባ እዚ ብሓደ ዋህዮ ዝቘመ ነፍሳት ክሳዕ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ፍልጠት መሰረት ብምግባር: ኣዝዩ ቀሊል ካብ ምዃኑ እተላዕለ ብዘይደጋዊ ጽልዋ ባዕሉ ኢዩ ተኸሲቱ ኽንብልሲ ርትዓዊ ድዩ፧ ንኣብነት: ብሓደ ዋህዮ ዝቘመ ሰበባ ኽሳዕ ክንደይ ኢዩ ቐሊል፧ ንሓደ ኣብ ተርታ ቮልቮካለስ ዘርኢ ዱናሊየላ ዝምደብ ብሓደ ዋህዮ ዝቘመ ዓይነት ሓምላይ ሰበባ እስከ ንርአ።

ፍልይ ዝበለ ብሓደ ዋህዮ ዝቘመ ነፍሲ

ዋህዮታት ዱናሊየላ እንቋቝሖ⁠-​መሰል ቅርጺ ዘለዎም ኰይኖም ንውሓቶም ዓሰርተ ማይክሮን ኣቢሉ ስለ ዝኸውን ኣዝዮም ንኣሽቱ ኢዮም። ተር ኣቢልካ ንቝመት ምስ እትሰርዖም ሓደ ሳንቲ ሜተር ንምምላእ 1,000 ዋህዮታት የድልዩ። ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ ንምሕንባስ ዝጠቕሞ ብሓደ ጫፉ ክልተ ሓለንጊ ዝመስል ፍላጀላ ኣለዎ። ዋህዮታት ዱናሊየላ ልክዕ ከም ኣትክልቲ ሓይሊ ንምርካብ ጽማረ⁠-​ብርሃን ኢዮም ዝጥቀሙ። ካርቦን ዳዮክሳይድ: ማዕድናት: ከምኡውን ካልእ መግቢ ዝሓዘ ነገራት ናብ ኣካላቶም ብምምጻይ መግቢ የዳልዉ: እናተመቕሉ ኸኣ ይራብሑ።

ዱናሊየላ ብዙሕ መጠን ጻዕቂ ጨው ኣብ ዘለዎ ማይ እውን ይነብር ኢዩ። ኣብቲ ኻብ ካልእ ማይ ባሕሪ ብሸሞንተ ዕጽፊ ዝበልጽ መጠን ጻዕቂ ጨው ዘለዎ ምዉት ባሕሪ ኽነብሩ ኻብ ዝኽእሉ ሒደት ነፍሳት ሓደ ኢዩ። እዚ ቐሊል ዓይነት ህይወት ኣለዎ ዝበሃል ነፍሲ: ኣብ ጻዕቂ ጨው ናይቲ ዝነብረሉ ከባቢ ሃንደበታዊ ለውጢ ምስ ዘጋጥም እውን ኣይመውትን ኢዩ።

ንኣብነት ነቲ ኣብቲ ዕምቈት ዘይብሉ ጨዋም ዓዘቕትታት ምድረ⁠-​በዳ ሲና ዝርከብ ዱናሊየላ ባርዳዊል ዝበሃል እሞ ንርአ። ኣብዚ ዓዘቕትታት ዘሎ ማይ ብርቱዕ ዝናም ክዘንም ከሎ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ሒዝዎ ዘሎ ጻዕቂ ጨው ክቕንስ ወይ ከኣ እቲ ብርቱዕ ሃሩር ናይቲ ምድረ⁠-​በዳ ነቲ ማይ ከህፍፎ ኸሎ ጻዕቂ ጨው ኣብ ነጥበ⁠-​ቕጸት ክበጽሕ ይኽእል ኢዩ። ልክዕ መጠን ግሊሰሮል ናይ ምድላውን ናይ ምውህላልን ክእለት ስለ ዘለዎ ግን እዚ ደቂቕ ዓይነት ሰበባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕሉፍ ለውጥታት ይጻወር ኢዩ። ዱናሊየላ ባርዳዊል ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ንዝኽሰት ለውጢ መጠን ጻዕቂ ጨው ምእንቲ ኽጻወር ከከም ኣድላይነቱ ግሊሰሮል ብምድላው ወይ ብምውጋድ ኣብ ውሽጢ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ግሊሰሮል ከቃምም ይኽእል ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት መጠን ጻዕቂ ጨው ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ኣጸቢቑ ስለ ዝልወጥ እዚ ኽእለት እዚ ኣድላዪ ኢዩ።

ዱናሊየላ ባርዳዊል ዕምቈት ኣብ ዘይብሉ ዓዘቕቲ ምድረ⁠-​በዳ ስለ ዝነብር ንብርቱዕ ብርሃን ጸሓይ እተቓልዐ ኢዩ። ነቲ ዋህዮ: እቲ ባህርያዊ ሕብሩ እንተ ዘይከላኸለሉ ነይሩ ምተጐድአ። ኣብቲ ዝሰማምዖ መግቢ ዝረኽበሉ ኸባቢ ኸም ዝራባሕ እተገብረ ዱናሊየላ: ንኣብነት እኹል ናይትሮጅን እንተ ረኺቡ: ድሙቕ ቀጠልያ ሕብሪ ይህልዎ። እቲ ቐጠልያ ሕብሪ ክሎሮፊል ከኣ መከላኸሊ ኰይኑ የገልግሎ። እኹል ናይትሮጅን ኣብ ዘይረኽበሉ ከምኡውን ልዑል መጠን ጻዕቒ ጨውን ሓያል ሙቐትን ብርቱዕ ብርሃንን ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ድማ ሕብሩ ኻብ ቀጠልያ ናብ ኣራንቾነ ወይ ቀይሕ ይቕየር። ስለምንታይ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይምቹእ ኵነታት እተሓላለኸ ባዮከሚካዊ መስርሕ ይካየድ ኢዩ። መጠን ክሎሮፊል ኣጸቢቑ ይጐድል: ኣብ ክንድኡ ኸኣ ቤታ⁠-​ካሮቲን ዝበሃል ኣማራጺ ሕብሪ ይዳሎ። እዚ ዋህዮ እዚ: ነዚ ሕብሪ እዚ ናይ ምድላው ፍሉይ ክእለት እንተ ዘይህልዎ ነይሩ ምሞተ። እቲ ቤታ⁠-​ካሮቲን ብብዝሒ እናተዋህለለ ምስ ከደ ካብቲ ድሩቕ ክፋል ክብደት ናይቲ ሰበባ ክሳዕ 10 ሚእታዊት ኣቢሉ ይበጽሕ እሞ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሕብሪ ናይቲ ሰበባ ይቕየር።

ንሰባት ዘድሊ ጠለብ ቤታ⁠-​ካሮቲን ንምምላእ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣውስትራልያን ዓበይቲ ራህያት ብምድላው ዱናሊየላ የራብሓ ኢየን። ንኣብነት: ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ኣውስትራልያ ዓበይቲ ናይ ምህርቲ መሳለጥያታት ኣሎ። ቤታ⁠-​ካሮቲን ባህርያዊ ብዘይ​ኰነ መገዲ እውን ክዳሎ ይከኣል ኢዩ። ይኹን እምበር: ነዚ ብዙሕ ወጻኢታትን እተሓለለኸ ባዮከሚካዊ መስርሕን ዝጠልብ ትካል ኣቝመን ምህርቲ ንዕዳጋ ዘቕርባ ኽልተ ኩባንያታት ጥራይ ኢየን። ሰባት ኣብ መጽናዕቲ: ምዕባለ: ከምኡውን ዘድሊ መሳለጥያታት ኣብ ምድላው ዓሰርተታት ዓመታት ዝወሰደሎምን ብዙሕ ወፍሪ ርእሰ⁠-​ማል ኽገብሩ ዝሓተቶምን ነገር ዱናሊየላ ግን ብቐሊሉ ኢዩ ዝፍጽሞ። እዚ ቐሊል ዓይነት ሰበባ ኣብ ኣከባቢኡ ለውጢ ኸጋጥም ከሎ ቕልጡፍ መልሰ⁠-​ግብሪ ብምሃብ ብዓይንኻ ንኽትርእዮ ኣብ ዘጸገም ኣዝዩ ደቂቕ ፋብሪካኡ ኢዩ ነዚ ዝፍጽሞ።

ኣብ ዘርኢ ዱናሊየላ: ምስ ጅር ዱናሊየላ ኣሲዶፊላ ዝምደብ ዓይነት ሰበባ እውን ካልእ ፍሉይ ክእለት ኣለዎ። እዚ ጅር እዚ ንመጀመርታ ግዜ ብ1963 ኣብቲ ብተፈጥሮ ዝኽሰት ኣሲዳዊ ባህሪ ዘለዎ ሳልፈር ዝርከቦ ዓይኒ ማያትን ሓመድን ኢዩ ተረኺቡ። እዚ ኣከባቢ እዚ ልዑል መጠን ጻዕቒ ሳልፈራዊ ኣሲድ ዘለዎ ኢዩ። ኣብ ቤተ⁠-​ምርምር ኣብ እተገብረ መጽናዕትታት እዚ ጅር ዱናሊየላ እዚ ኣሲዳዊ መጠኑ 100 ዕጽፊ ጽማቝ ለሚን ኣብ ዝኸውን ውሁድ ሳልፈራዊ ኣሲድ ክበቍል ከም ዝኽእል ተራእዩ ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ዱናሊየላ ባርዳዊል ኣብ ልዑል ኣልካሊ ዘለዎ ኣከባቢ ብህይወት ኽነብር ይኽእል ኢዩ። እዚ ኸኣ ዱናሊየላ ኣብ ኣዝዩ እተፈላለየ ኣከባቢታት ምስቲ ቦታ ተወሃሂዱ ንምንባር ዘለዎ ኽእለት ኢዩ ዘርኢ።

ከነስተንትነሉ ዘሎና ነጥብታት

ዱናሊየላ ዘለዎ ፍልይ ዝበለ ኽእለት ዘደንቕ ኢዩ። እንተዀነ ግን: እዚ ኽንርእዮ ዝጸናሕና ነገር ብሓደ ዋህዮ ዝቘሙ ነፍሳት ኣብ እተፈላለየ ኣከባቢ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ብህይወት ንኽነብሩን ንኽራብሑን ካብ ዘኽእሎም ዘስተንክር ባህርያት ሒደት ክፋል ጥራይ ኢዩ። እዚ ባህርያት እዚ ዱናሊየላ ንዕቤት ዘድልዮ ነገራት ንኸማልእ: መግቢ መሪጹ ንኽምገብ: ጐዳኢ ነገራት ንኸወገድ: ርስሓት ካብ ኣካላቱ ንኸውጽእ: ካብ ሕማም ንኽከላኸል ወይ ንኽሓዊ: ካብ ሃደንቱ ንኸምልጥ: ንኽራባሕ: ከምኡውን ነዚ ዝኣመሰለ ካልእ ነገራት ንኽገብር ኣኽኢልዎ ኢዩ። ደቅሰብ ነዚ ዕማማት እዚ ንምፍጻም 100 ትሪልዮን ዝኸውን ዋህዮታት ኢዮም ዝጥቀሙ!

እዚ ብሓደ ዋህዮ ዝቘመ ሰበባ ኣብ ኦርጋኒክ ሱፕ ካብ ዝርከብ ሒደት ኣሚኖ ኣሲድ ብኣጋጣሚ ዝመጸ ቀሊልን ዘይማዕበለን ዓይነት ህይወት ኢዩ ኽበሃልሲ ርትዓዊ ድዩ፧ እዚ መስተንክር ተፈጥሮ እዚ ብኣጋጣሚ ኢዩ መጺኡ ኽበሃልሲ ዝወሓጠልካ ድዩ፧ ህያዋን ነፍሳት ናብ ህላወ ኽመጹ ዝኸኣሉ በቲ ህይወት ብዕላማ ዝፈጠረን ብኽእለት ዝወዳደሮ ዘይብሉን ነዳፊ ኢዩ ምባልሲ ኽሳዕ ክንደይ ዝያዳ ምኽንያታዊ ዀን ኢዩ። ኣዝዩ እተሓላለኸን ንሓድሕዱ ዝደጋገፍን ባህርይ ህያዋን ነፍሳት ንኽኽሰት ከምዚ ዝኣመሰለ ኻብ ምርዳእና ኣጸቢቑ ዝበልጽ ብልሓትን ክእለትን የድሊ።

ሃይማኖታዊ ወይ ስነ⁠-​ፍልጠታዊ ሃሜን ከይሓናፈጽና ንመጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቕና ምስ እንምርምሮ: ብዛዕባ መበቈል ህይወት ንዝለዓል ሕቶታት ዘዕግብ መልሲ ንረክብ ኢና። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት እንተላይ ናይ ስነ⁠-​ፍልጠት ምሁራት ከምዚ ዝኣመሰለ ምርምር ብምግባሮም ብዙሕ ተጠቒሞም ኢዮም።a

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣንበብትና ነተን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ ላይፍ —​ሃው ዲድ ኢት ጌት ሄር፧ ባይ ኢቮሉሽን ኦር ባይ ክሪኤሽን፧ ከምኡውን ኢዝ ዘር ኤ ክሪኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ ዝብላ መጻሕፍቲ (እንግሊዝኛ) ኽምርምርወን ነተባብዖም።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ጸጋማይ ጫፍ:- “ብዱናሊየላ” ጌርካ ቤታ⁠-​ካሮቲን ዝፈርየሉ ቦታ ጸጋም:- ኣጕሊሕካ ኽርአ ኸሎ ልዑል መጠን ቤታ⁠-​ካሮቲን ከም ዘለዎ ዝሕብር ኣራንቾነ ዝሕብሩ “ዱናሊየላ ”

[ምንጪ ስእሊ]

© AquaCarotene Limited (www.aquacarotene.com)

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ዱናሊየላ

[ምንጪ ስእሊ]

© F. J. Post/Visuals Unlimited

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ብናይ ኤለክትሮን ማይክሮስኮፕ ዝርአ ምስሊ ኑክሊየስ (ኑ ): ክሎሮፕላስት (ክ ): ከምኡውን ጎልጂ (ጎ )

[ምንጪ ስእሊ]

Image from www.cimc.cornell.edu/Pages/ dunaLTSEM.htm. Used with permission

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ