ነቲ ምልክታት ምልላዩ
“ጓሂ ንቡርን ባህርያውን ስምዒት ኢዩ፣ ናይ መንፈስ ጭንቀት ግን ሕማም ኢዩ። እቲ ብድሆ ዀይኑ ዘሎ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ዘሎ ፍልልይ ምርድኡን ምፍላጡን ኢዩ። ”—ዶክተር ዴቪድ ጂ. ፋስለር
ከምቲ ኻልእ ናይ ጥዕና ጸገማት ምልክታት ዘለዎ: ጭንቀት እውን ንጹር ዝዀነ ምልክታት ኣለዎ። ይኹን እምበር ንዅሉ እቲ ምልክታት ብቐሊሉ ክትፈልጦ ይከኣል ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ልክዕ ከም ዓበይቲ ሰባት ዳርጋ ዅሎም መንእሰያት ሓሓሊፉ ቅጭ ይመጾም ኢዮም። ኣብ መንጎ ትካዘን ጭንቀትን እንታይ ፍልልይ ኢዩ ዘሎ፧ መብዛሕትኡ ምስ ንውሓት ግዜን ዕምቈትን ናይቲ ዅነታት እተተሓሓዘ ኢዩ።
ዕምቈት ክበሃል ከሎ ነቲ መንእሰይ ዘሳቕዮ ኣሉታዊ ስምዒታት መጠኑ ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ዘመልክት ኢዩ። ጭንቀት እቲ መንእሰይ ጥዑይ ኰይኑ ንኸይቅጽል ዕንቅፋት ዝዀኖ ከቢድ ስምዒታዊ ሕማም ብምዃኑ ካብቲ ንሓጺር ግዜ ኸጋጥም ዝኽእል ተስፋ ምቝራጽ ዝኸበደ ኢዩ። ዶክተር ኣንድሪው ስላቢ ንኽብደት ናይቲ ዅነታት ከምዚ ብምባል ይገልጾ:- “ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠመኩም ዝበርትዐ ቓንዛ እሞ ዘክሩ። እዚ ድማ መስበርቲ: ሕማም ኵርምቲ: ወይ ቅልውላው ሕርሲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነዚ ብዓሰርተ ኣርብሓዮ: ስለምንታይ የሕምመካ ከም ዘሎ ኸኣ ኣይትፈልጥን ኢኻ፣ ሽዑ ናይ መንፈስ ጭንቀት ቃንዛ ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ።”
ንውሓት ግዜ ድማ እቲ ናይ ድኻም ኵነታት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝቐጸለ ዘመልክት ኢዩ። ሊዮን ሳይትሪን ከምኡውን ዶናልድ ኤች. ማክኒው ጁንየር እተባህሉ ናይ ሕክምና ፕሮፌሰራት ከም ዝበልዎ “ሓደ ቘልዓ (ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት) ድሕሪ ምጕሃዩ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ኣብቲ ንቡር ባህርይኡ እንተ ዘይተመሊሱ ወይ ካብቲ ከቢድ ፍሽለት ወይ ክሳራ ኢሉ ዝሓሰቦ ነገር ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከም ቀደሙ ክኸውን እንተድኣ ዘይጀሚሩ ናይ መንፈስ ጭንቀት ሓደጋ ኸጋጥሞ ኸም ዝኽእል ዘርኢ ኢዩ።”
ልሙድ ምልክታት
ሓደ መንእሰይ ጭንቀት ከም ዘለዎ ክፍለጥ ዝኽእል እንተ ወሓደ ንኽልተ ሰሙናት ዝኣክል መዓልቲ መዓልቲ እተፈላለየ ምልክታት ምስ ዘርኢ ኢዩ። ብተዛማዲ ክርአ ኸሎ ንሓጺር እዋን ጥራይ ዝጸንሕ ናይ መንፈስ ጭንቀት ክበሃል ይከኣል ኢዩ። እቲ ዝርአ ምልክታት ኣብ መንጎ ዘቋርጸሉ ክልተ ኣዋርሕ ዘይመልእ እንተድኣ ዀይኑ እሞ ብውሕዱ ንሓደ ዓመት ዝኣክል እንተድኣ ቐጺሉ ዲስቲምያ ዝበሃል ሕዱር ናይ መንፈስ ጭንቀት ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ። እቲ ዀይኑ እቲ ግን ናይዚ ሕማም እዚ ልሙድ ምልክታት እንታይ ኢዩ፧a
ኣብ ስምዒትን ጠባይን ሃንደበታዊ ለውጢ ምግባር። ኣቐዲሙ ልኡም ዝነበረ መንእሰይ ሃንደበት ገርጨውጨው ዝብል ይኸውን። ናይ ዕልወት ጠባያትን ካብ ገዛ ምዅብላልን ኣብ መንጎ እቶም ጭንቀት ዘለዎም መንእሰያት ልሙድ ኢዩ።
ካብ ማሕበራዊ ናብራ ምፍላይ። እቲ ጭንቀት ዘለዎ መንእሰይ ካብ ኣዕሩኽቱ ይፍለ። ወይ ኣዕሩኽቱ ኣብ ኣመለኻኽትኡን ጠባያቱን ባህ ዘየብል ለውጢ ስለ ዝርእይሉ ካብኡ ይፍለዩ።
ዳርጋ ኣብ ኵሉ ንጥፈታት ተገዳስነት ምጥፋእ። እቲ ዀተቴ ዝበዝሕ ግዜ ፈዛዝ ኢዩ ዝኸውን። ቅድሚ ሕጂ ባህ ዘብሎ ዝነበረ ንጥፈታት ሕጂ ቅጭ የምጽኣሉ።
ኣብ ናይ ኣመጋግባ ልምዲ ርኡይ ለውጢ ምግባር። ብዙሓት ክኢላታት ከም ዝብልዎ ናይ ምብላዕ ሸውሃትካ ምጥፋእ: ህርፋን: ከምኡውን ካብ መጠን ንላዕሊ ምብላዕ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ጭንቀት ሓቢሩ (ወይ ሓድሓደ ግዜ ድማ ብሰንኪ ጭንቀት) ዝመጽእ ኢዩ።
ናይ ድቃስ ጸገማት:- ሓደ ዀተቴ ብዙሕ ኣይድቅስን ወይ ከኣ ድቃስ የብዝሕ። ገሊኣቶም ድማ ስሩዕ ዘይኰነ ናይ ድቃስ ልምድታት የጥርዩ፣ ምሉእ ለይቲ ቋሕ ኢሎም ይሓድሩ: ምሉእ መዓልቲ ኸኣ ይድቅሱ።
ኣብ ትምህርቲ ምሕማቕ:- ጭንቀት ዘለዎ በጽሒ (ጐርዞ) ምስ መምህራኑን መማህርቱን ኣይሰማማዕን: ኣብ ትምህርቲ ድማ እናሓመቐ ይኸይድ። ቅሩብ ጸኒሑ ድማ እቲ ዀተቴ ትምህርቲ ምኻድ እውን ይኣቢ።
ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘብጽሕ ተግባራት። እቲ ዀተቴ ዝፍጽሞ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ተግባራት ብህይወት ክነብር ከም ዘይደሊ ዘርኢ ኢዩ። ኣካላትካ ምጥባሕ እውን ሓደ ምልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ዘይትረብሕ ዀይኑ ዝስምዓካ ስምዒት ወይ ከኣ ናይ ገበን ስምዒት። እቲ መንእሰይ ብልክዕ ክርአ ኸሎ ከምቲ ንሱ ዝሓስቦ እኳ እንተ ዘይኰነ ንርእሱ ብዘይመጠን ይዅንን: ክመሓየሽ ዘይክእል ኰይኑ ድማ ይስምዖ።
እተፈላለየ ሕማማት። ኣካላዊ መርመራ ተገይርሉ እቲ ምኽንያት እንተድኣ ዘይተፈሊጡ: ሕማም ርእሲ: ሕማም ዓንዲ ሕቖ: ሕማም ከስዐን ካልእ ተመሳሳሊ ጸገማትን ጭንቀት ከም ዘሎ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ናይ ሞት ወይ ናይ ርእሰ-ቕትለት ኣተሓሳስባ ኣብ ኣእምሮኡ ምስ ዝመላለስ። ዘፍርህ ሓሳባት ዝሓስብ እንተድኣ ዀይኑ ወይ ከኣ ርእሰ-ቕትለት ክፍጽም ኢየ ዝብል እንተድኣ ዀይኑ ጭንቀት ከም ዘለዎ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሳጹን ርአ።
ባይፖላር ዲስኦርደር
ገለ ካብዚ ምልክታት እዚ ባይፖላር ዲስኦርደር ኣብ ዝበሃል ካልእ ዓይነት ንምርድኡ ዘጸግም ሕማም ኣእምሮ እውን ክርአ ዝኽእል ኢዩ። ዶክተር ባርባራ ዲ ኢንገርሶልን ዶክተር ሳም ጎልድስተይንን ከም ዝበልዎ ባይፖላር ዲስኦርደር ዝበሃል (ማኒክ-ዲፕረሲቭ ዲስኦርደር ተባሂሉ እውን ዝፍለጥ) ሕማም ኣእምሮ “ሓሓሊፉ ካብቲ ልሙድ ጠባይ ብእተፈልየ መገዲ ውዕይዕይ ምባልን ሕሉፍ ሓይልን ዝረኣየሉ ምስ ጭንቀት እተተሓሓዘ ጸገም ኢዩ።”
እዚ ደረጃ እዚ ኸኣ ማንያ ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። ምልክታቱ ብሓሳብ ምህውታት: ዘረባ ምብዛሕ: ከምኡውን ክትድቅስ ዘይምድላይ ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ በዚ ሕማም እዚ እተጠቕዐ ሰብ ዘይድቅስ ክነሱ ሓይሉ ኸየጥፍአ ንብዙሕ መዓልትታት ክቕጽል ይኽእል ኢዩ። ናይ ባይፖላር ዲስኦርደር ካልእ ምልክት ከኣ ሳዕቤኑ ኸይሓሰብካ ሓደ ነገር ንምግባር ብውሽጣኻ ናይ ምድፍፋእ ባህሪ ኢዩ። ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሃገራዊ ትካል ጥዕና ኣእምሮ ዘቕረቦ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ “ማንያ መብዛሕትኡ ግዜ ነተሓሳስባኻ: ናይ ምምዝዛን ክእለትካ: ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ንእተርእዮ ጠባይ ከቢድ ሽግርን ውርደትን ክፈጥር ብዝኽእል መገዲ ክትንክፎ ይኽእል ኢዩ።” ምልክት ናይዚ ሕማም እዚ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኢዩ ዝቕጽል፧ ሓድሓደ ግዜ ንሒደት መዓልታት ጥራይ ዝጸንሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ካልእ እዋን ከኣ ናብቲ ካብኡ ፈሊኻ ዘይርአ ጭንቀት ቅድሚ ምስጋሩ ንኣዋርሕ ክጸንሕ ይኽእል ኢዩ።
ባይፖላር ዲስኦርደር ዝበሃል ሕማም ብዝያዳ ከጥቅዖም ዝኽእል ሰባት በዚ ሕማም እዚ እተታሕዙ ኣባላት ስድራቤት ዘለውዎም ውልቀ-ሰባት ኢዮም። ይኹን እምበር: እቶም በዚ ሕማም እዚ ዝሳቓዩ ሰባት ክሓውይሉ ዝኽእሉሉ መገዲ ምህላዉ ዘሐጕስ ኢዩ። ዘ ባይፖላር ቻይልድ እተባህለ መጽሓፍ “ብኣጋኡ እንተድኣ ተመርሚሮምን ግቡእ ሕክምና እንተድኣ ተገይርሎምን እዞም ቈልዑ እዚኣቶምን ስድራቤቶምን ቅሳነት ዝመልኦ ናብራ ኽነብሩ ይኽእሉ ኢዮም” ይብል።
ሓንቲ ምልክት ንበይና ጭንቀት ወይ ባይፖላር ዲስኦርደር ከም ዘይተመልክት ክንግንዘብ የድሊ። መብዛሕትኡ ግዜ ንንውሕ ዝበለ እዋን ብሓንሳእ ዝርአ ብዙሕ ምልክታት ኢዩ ናይዚ ሕማም እዚ መለለዪ ክኸውን ዝኽእል። ይኹን እምበር: እዚ ንምርድኡ ዘጸግም ናይ ስምዒት ምዝንባል እዚ ንዀተቴታት ዘጥቅዕ ስለምንታይ ኢዩ፧ ዝብል ሕቶ ኽለዓል ይኽእል ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እቲ ኣብዚ ተሓቢሩ ዘሎ ምልክታት: ብዛዕባ ጭንቀት ንምፍላጥ ከም ሓፈሻዊ ርእይቶ ድኣ እምበር ከም መምርሒ ተገይሩ ዝውሰድ ኣይኰነን።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]
ሓደ ቘልዓ ሞት ምስ ዝምነ
ብመሰረት እቲ ናይ ሕ.መ.ኣ ማእከል ምቍጽጻር ሕማም: ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብዚ ቐረባ ዓመት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቶም ብሕማም መንሽሮ: ድኻም ልቢ: አይድስ: ክውለዱ ኸለዉ ብዘጋጥም ናይ ጥዕና ጸገማት: ወቕዒ: ነድሪ ሳምቡእ: ኢንፍሉዌንዛ: ከምኡውን ብሕዱር ሕማም ሳንቡእ ዝሞቱ መንእሰያት ኵሎም ተደሚሮም ማዕረ እቶም ብርእሰ-ቕትለት ዝሞቱ መንእሰያት ኣይኰኑን ኢዮም። ካልእ ዘሰንብድ ጸብጻብ ከኣ ቍጽሪ ናይቶም ካብ 10 ክሳዕ 14 ኣብ ዘሎ ኽሊ ዕድመ ዝርከቡ ርእሰ-ቕትለት ዝፍጽሙ መንእሰያት ብዘገርም ናህሪ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ኢዩ።
ናይ ኣባጽሕ ወይ ጐራዙት ርእሰ-ቕትለት ክዕገት ይከኣል ድዩ፧ እወ: ኣብ ገሊኡ ዅነታት ከም ዘቋርጽ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ዶክተር ካትሊን ማኮይ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ኣሃዛዊ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ መብዛሕትኡ ግዜ ርእሰ-ቕትለት ቅድሚ ምፍጻሙ ፈተነታት ተገይሩ ወይ ከኣ ብቓላት እተገልጸ ሓበሬታን መጠንቀቕታታትን ነይሩ ኢዩ። ኣብ ዕድመ ዀተቴ ዘሎ ውሉድካ ርእሰ-ቕትለት ናይ ምፍጻም ሓሳባት ከም ዘለዎ ዝገልጽ ገለ ሓበሬታ እንተድኣ ርኢኻሉ ኣጸቢቕካ ኣቓልቦ ኽትገብረሉ: ምናልባት ካብ ሰብ ሞያ ሓገዝ ንምርካብ ክትፍትን ከድልየካ ኢዩ።”
እዚ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ጭንቀት: ወለድን ካልኦት ዓበይቲ ሰባትን ነቲ ሓደ መንእሰይ ህይወቱ ንምሕላፍ ሓሳብ ከም ዘለዎ ዘርኢ ዝዀነ ይኹን ሓበሬታ ኣርዚኖም ክወስድዎ ከም ዘለዎም ዘጕልሕ ኢዩ። ዶክተር ኣንድሪው ስላቢ ኣብታ ኖ ዋን ሶው ማይ ፐይን እትበሃል መጽሓፉ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተፈጸመ ርእሰ-ቕትለት ዝገበርክዎ ምርምር: እቲ በጽሒ (ጐርዞ) ርእሱ ክቐትል ከም ዝደሊ ዘርእዮ ዝነበረ ምልክታት ዕሽሽ ተባሂሉ ወይ ኣቕሊልካ ተራእዩ ኢዩ። ኣባላት ስድራቤትን ኣዕሩኽን ኣብቲ በጽሒ ዝርእይዎ ዝነበሩ ለውጥታት ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ኣይተረድእዎን። ኣብቲ ቐንዲ ሽግር ዘይኰነስ ኣብቲ ውጽኢቱ ስለ ዘተኵሩ: ኣብ ግምት ዘእትውዎ ‘ናይ ስድራቤት ሽግር’ ወይ ‘ሓሽሽ ምውሳድ’ ወይ ከኣ ‘ናይ መግቢ ሸውሃት ምጕዳል’ ጥራይ ይኸውን። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ናይ ሕክምና ሓገዝ ዝግበረሉ ነቲ ዘርእዮ ቍጥዐ: ምንዋጽ: ተነቃፍነት ድኣ እምበር ነቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ጭንቀት ኣይኰነን። ስለዚ እቲ ቐንዲ ሽግሩ ስለ ዘይተፈወሰ እናለሓመ የሳቕዮ።
እቲ መልእኽቲ ንጹር ኢዩ። ንዅሉ እቲ ርእሰ-ቕትለት ናይ ምፍጻም ሓሳብ ከም ዘለዎ ዝሕብር ምልክታት ኣርዚንኩም ርኣይዎ!
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ሓድሓደ ግዜ ናይ ዕልወት ጠባያት ናይ መንፈስ ጭንቀት ምልክት ኢዩ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
መንፈስ ጭንቀት ዘለዎም መንእሰያት መብዛሕትኡ ግዜ ቀደም ባህ ዝብሎም ዝነበረ ንጥፈታት ኣየሐጕሶምን ኢዩ