ግዝዋ እታ ጽብቕቲ ፍጥረት
ኣብ ሓንቲ ባህ እተብል ምሸት: ሓንቲ ግዝዋ ነፊራ ናብ ሓደ ኽቡር ቤት መግቢ ኣተወት። ናብ ሓንቲ እትበልዕ ዝነበረት ሰበይቲ ገጻ እናነፈረት ምስ ከደት: እታ ሰበይቲ ልክዕ ከም ሓንቲ ሕማም እተመሓላልፍ ጣንጡ ዝመጸታ ብስምባድ ኣባረረታ! እታ ግዝዋ ናብ ካልእ ጣውላ ገጻ ነፈረት እሞ ኣብ ኳሌታ ሓደ ሰብኣይ ዓለበት። እዚ ሰብኣይን ሰበይቱን ግና እተፈልየ ኣረኣእያ ኢዩ ነይርዎም፣ እታ ግዝዋ ዘይትጓዳእ ምዃና ስለ ዝፈልጡ ነቲ ጽባቐኣ ኣድነቕዎ።
ሓደ ኻብቶም ማሕበር ጽምብላሊዕ ኮኔክቲከት ዝመስረተ ጆን ሂመልማን ከምዚ በለ:- “ግዝዋ ምንም ዘይጓድኣ ፍጥረት ኢየን። ክነኽሳሉ ዝኽእላ ኽፍሊ ኣካል የብለንን: ከምታ ሉና እትበሃል እተፈልጠት ዓይነት ግዝዋ ዝኣመሰላ እሞ ኸኣ እኹላት ምስ ኰና ፈጺመን መግቢ ኣይበልዓን ኢየን። ሕማም ዘምጽእ ቫይረስ ኣየመሓላልፋን ወይ ካልእ ሕማማት ኣየምጽኣን ከምኡውን ኣይናኸሳን ኢየን። . . . አረ መብዛሕትኦም ሰባትሲ ጽምብላሊዕ ብመዓልቲ ዝንቀሳቐሳ ግዝዋ ምዃነን እውን ኣይፈልጡን ኢዮም።”
ኵሉ ሰብ ንጽምብላሊዕ የድንቐን ኢዩ: ነተን እተፈላለያ ዓይነትን ጽባቐን ዘለወን ግዝዋ ዘድንቕ ግን ብዙሕ ኣይኰነን። ብምግራም ‘እንታይ ጽባቐኡ፧’ ትብል ትኸውን። ገሊኣቶም ግዝዋ ኽትበሃል ከላ ደባን ዝሕብራ ዘመድ እታ ጽብቕቲ ጽምብላሊዕ ገይሮም ኢዮም ዝወስድዋ: እንተዀነ ግን ክልቲአን ኣብ ተመሳሳሊ ስነ-ፍልጠታዊ ምድብ ማለት “ክንፊ ቕርፍቲ” ኣብ ዝትርጕሙ ተርታ ለፒዶፕተራ ኢየን ዝምደባ። ብዝሒ ዓይነት ናይዘን ጽቡቓት ፍጥረታት እዚኣተን ዘደንቕ ኢዩ። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ኢንሰክትስ ኣብ ተርታ ለፒዶፕተራ ካብ 150,000 ክሳዕ 200,000 ዝኸውን ሕነት ከም ዘሎ ይገልጽ። ካብዚኣተን ግን 10 ሚእታዊት ጥራይ ኢየን ጽምብላሊዕ: እተን ዝተረፋ ግዝዋ ኢየን!
ነቲ ኣብ ቈራሪ ወቕቲ ዝኽደኖ ኽዳን ኣብ ከብሐይ ኣብ ዘቐምጠሉ እዋን እተን ክዳን ዝበልዓ ግዝዋ ምእንቲ ኸይበልዓለይ ፈውሲ ባልዕ ክገብረሉ ኸለኹ እንተ ዘይኰይኑ: ኣነውን ከም ካልኦት ሰባት ብዛዕባ ግዝዋ ዳርጋ ሓሲበ ኣይፈልጥን ኢየ። እኽልቲ ግዝዋ ዓለባ ኸም ዘይትበልዕ: ዕጸ ኣብ ዝነበረትሉ ደረጃ ማለት ኣባጨጐራ ኸላ ጥራይ ከም እትበልዕ ኣይፈልጥን ኢየ ነይረ።a
ንግዝዋ ዝነበረኒ ኣረኣእያ ዝቐየሮ እንታይ ኢዩ፧ ቅድሚ እተወሰነ እዋን ምስ በዓል ቤተይ ናብ እንዳ ቦብን ሮንዳን ዝበሃሉ ፈተውትና ኸድና። ቦብ ብዛዕባ ግዝዋ ብዙሕ ይፈልጥ ኢዩ። ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ሳጹን ሓንቲ ግዝዋ ኣርኣየኒ: መጀመርታ ግን ጽብቕቲ ጽምብላሊዕ ኢያ መሲላትኒ ነይራ። ሲክሮፕያ ወይ ግዝዋ ሮቢን ተባሂላ እትፍለጥ ኰይና ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ካብ ዝርከባ ዝዓበያ ግዝዋ ሓንቲ ኢያ። ካብ ሓደ ጫፍ ክሳዕ እቲ ኻልኣይ ጫፍ ክንፋ 15 ሰንቲ ሜትር ኣቢሉ ክኸውን ከሎ: ካብ እንቋቝሖ ኽሳዕ እታ እኽልቲ ግዝዋ ዀይና እትሞተላ እዋን ሓደ ዓመት ኣቢሉ ኢዩ ዝወስድ። ዕምሪ ናይታ እኽልቲ ግዝዋ ካብ 7 ክሳዕ 14 መዓልትታት ጥራይ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ ኣዝየ ተገረምኩ! ነታ ሲክሮፕያ ኣተኲረ ምስ ረኣኽዋ ብዛዕባ ግዝዋ ሓድሽ ኣረኣእያ ኸም ዘጥሪ ገበረኒ።
ቦብ ኣብቲ ሳጹን ዝነበረ ንኣሽቱ ነጠብጣብ ኣርኣየኒ። ድሕሪኡ “እዚ ነጠብጣብ እዚ እንቋቝሖ ኢዩ: እኹላት ግዝዋ ኽሳዕ ዝኸውን ኸዕብዮ ኸኣ ኢየ ዝደሊ” በለኒ። ግዝዋ ምዕባይ፧ እዚ ሓሳብ እዚ ንኣቓልቦይ ሰሓቦ። እንተዀነ ግን: እዚ ዕዮ እዚ ቐሊል ከም ዘይኰነ ተገንዘብኩ። ቦብ ነቲ እንቋቝሖ ንምንቋሕ ንኽልተ ሰሙን ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰለጦን። ድሕሪኡ ጠሊ ኽገብረሉ ወሰነ። ድሕሪ ሰሙን ኣቢሉ ኻብ 29 እንቋቝሖ 26 ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ ነቝሐ። ድሕርዚ ቦብ ነቶም ነፍሲ ወከፎም ከክንዲ ጣንጡ ዝዀኑ ተነቀፍቲ ዕጸታት ምእንቲ ኸይጠፍኡ ኣብ ልሙጽ ድስቲ ገበሮም።
እቶም ዕጸታት መጀመርታ ነቲ ዝነበሩሉ እንቋቝሖ ኢዮም በሊዖምዎ። ድሕሪኡ: ቦብ ክምግቦም ነበሮ: እዚ ድማ ኣዝዩ ኸቢድ ስራሕ ኢዩ። ገለ ምርምር ድሕሪ ምግባር: ቈጽሊ ቀቀብ ሃቦም። እቶም ዕጸታት ናብቲ ኣቝጽልቲ ደኣ ሓዀሩ እምበር ኣይበልዕዎን። ቀጺሉ ቈጽሊ ናይ ቸሪ ከምኡውን ቢርች ዝበሃል ገረብ ምስ ሃቦም ግን ሓመድ ገበርዎ።
እቶም ንኣሽቱ ዕጸታት ዓብዮም ኣባጨጐራ ምስ ኰኑ: ቦብ መንፊታዊ መኽደኒ ኣብ ዘለዎ ዕብይ ዝበለ ኣቕሓ ኣእተዎም። እቲ ኣቕሓ ነቶም ኣባጨጐራን ነቲ ኣቝጽልትን ዝኸውን ጠሊ ዝሓዘ ኢዩ። ብተወሳኺውን: እቶም ኣባጨጐራ ምንቅስቓስ ምስ ጀመሩ ፈቐድኡ ክኸዱ ስለ ዝደልዩ: ንኸይጠፍኡ ይሕግዝ ኢዩ።
ን26 ዝጠመዩ ኣባጨጐራ ምምጋብ: ንቦብ ካብቲ እተጸበዮ ንላዕሊ ኸቢድዎ ኢዩ። ነቲ ኣቕሓ ብኣቝጽልቲ እኳ እንተ መልኦ: እቶም ኣባጨጐራ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ልሕስ የብልዎ ነበሩ። ድሕርዚ: ንሓብቱን ክልተ መንእሰያት ፈተውቱን ነቶም ዝዓብዩ ዝነበሩ ሓሸራት ኣብ ምክንኻንን ምቕላብን ክሕግዝዎ ሓተቶም።
እቶም ኣባጨጐራ ብዙሕ ክበልዑ ኣገዳሲ ኢዩ: እዚ ድማ ኣብ ደረጃ ዕጸ ጥራይ ዘይኰነስ እኹላት ግዝዋ ምስ ኰኑ እውን ይጠቕሞም ኢዩ። ከመይሲ ኣፍ ናይ እኽልቲ ግዝዋ ሲክሮፕያ ምንም ጥቕሚ የብሉን: ፈጺማ ድማ ኣይትበልዕን ኢያ! ኣብቲ እኽልቲ ዀይና እትጸንሓሉ ሓጺር ዕምራ: በቲ ዕጸ ኸላ እተመገበቶ ኢያ እትናበር።
ምቅይያር ቈርበት
እቶም ኣባጨጐራ ምስ ዓበዩ: ብተደጋጋሚ ቘርበቶም ይቕይሩ ኢዮም። ኣባጨጐራ ቈርበቱ ዝቐያይረሉ እዋን ኢንስታር ተባሂሉ ይፍለጥ።
ቈርበት ኣባጨጐራ ሲክሮፕያ ኣይዓብን ኢዩ: ስለዚ እቲ ኣባጨጐራ ክሳዕ ዝኣኽሎ ምስ ገዘፈ ቘርበቱ ይቕይር። እቶም ኣባጨጐራ ቈርበት ኣብ ናይ ምቕያር ደረጃ ምስ በጽሑ ምብላዕ ስለ ዘቋረጹ ቦብ ኣበየናይ ደረጃ ኸም ዝበጽሑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ድሕርዚ ብሃሪ ገይሮም ጕዝጓዝ ይኣልሙ እሞ ሓድሽ ቈርበት ክሳዕ ዘውጽኡ ንእተወሰነ መዓልትታት ኣብኡ ተጣቢቖም ይጸንሑ። ሓድሽ ቈርበት ምስ ኣውጽኡ ነቲ ናይ ቀደም ቈርበት ምስቲ ሃሪ ተጣቢቑ ኸሎ ገዲፎሞ ይኸዱ። ነቶም ቈርበት እናቐያየሩ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ዝበጽሑ ኣባጨጐራ ምስ ረኣኽዎም ግዝፎም ገረመኒ። ንውሓቶም ዳርጋ 12 ሰንቲ ሜትር ኰይኑ ካብ መመልከቲቶይ ዝረጕዱ ዀይኖም ነበሩ።
ምእላም ቆፎ
እቶም ኣባጨጐራ ንመወዳእታ ግዜ ቈርበት ምስ ቀየሩ: ነፍሲ ወከፎም ኣብ ቀጢን ጨንፈር ተጣቢቖም ሓሙኽሽታይ ሕብሪ ዘለዎ ቆፎ ኣለሙ። ሲክሮፕያ ክልተ ዓይነት ቆፎ ኢዮም ዝኣልሙ። እቲ ሓደ ገዚፍን ዘይሰጠመን ስፍሕፍሕ ዝበለን ክኸውን ከሎ ብወገን ታሕቲ ኽብብ ዝበለ ዀይኑ ናብ ኣፉ ግን እናጸበበ ዝኸይድ ኢዩ። እቲ ኻልኣይ ድማ ንእሽቶን ስጡምን ኰይኑ ሸሊሕ ዝቕርጹ ከምኡውን ብኣፉን ብታሕቲኡን እናጸበበ ዝኸይድ ኢዩ። ክልቲኡ ዓይነት ቆፎ ኣብ ውሽጡ ስጡምን ክብብ ዝበለን ካልእ ቆፎ ዝሓዘ ኢዩ። ሲክሮፕያ ዝሰርሕዎ ዓይነት ቆፎ ብሓፈሽኡ ኽርአ ኸሎ ቅይሕ ዝበለ ቡናዊ: ቡናዊ: ሃሳስ ቡናዊ: ወይ ሓሙኽሽታይ ሕብሪ ኣለዎ። እቲ ግዝዋ ሲክሮፕያ ዝሰርሕዎ ዓይነት ቆፎ ምስቶም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብሩ ዓይነት ግዝዋ ዝሰርሕዎ ቆፎ ኽወዳደር ከሎ ገዚፍ ኢዩ: ንውሑ ኽሳዕ ዓሰርተ ሰንቲ ሜትር ርጕዱ ድማ ኽሳዕ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ሰንቲ ሜትር ኣቢሉ ይበጽሕ። እዚ ዘደንቕ ቆፎ እዚ ኽሳዕ -34 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ኣብ ዝበጽሕ ዛሕሊ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ፍጥረት ከዕቍቦ ይኽእል ኢዩ።
እቶም ኣባጨጐራ ኣብ ቀቆፎኦም ምስ ኣተዉ: ብትዕግስቲ ምጽባይ እንተ ዘይኰይኑ እንገብሮ ነገር ኣይነበረናን። ካብታ ቦብ ነታ እኽልቲ ግዝዋ እተቐበለላ መዓልቲ ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ወርሓት ጽድያ እኹላት ግዝዋ ካብ ቆፎ ወጻ። ቦብ ነቲ ቆፎታት ዝሓዘ ቀጠንቲ ጨናፍር ትኽ ኢሉ ምእንቲ ክቐውም ኣብ ሰፍነግ ተኸሎ። ነዊሕ ከይጸንሐ: ብዘይካ ሓንቲ ዅለን ግዝዋ ኸካብ ቆፈአን ወጻ: ፍረ ናይቲ ትዕግስቲ ዝሓትት ጻዕሪ ዝመልኦ ዕዮ ድማ ተረኽበ።
ንግዝዋ ኻብ ቅድም ንላዕሊ ምድናቕ
ነቲ ዘደንቕ ዑደት ህይወት ሲክሮፕያ ብዓይነይ ምርኣየይ: ነተን ኣብ ከባቢ ብርሃን ዘለዎ ቦታ ዝነፍራን ኣብ ህንጻታት ዝዓልባን ግዝዋ ዝያዳ ኣቓልቦ ኸም ዝህልወኒ ገበረኒ። ብተወሳኺውን ብዛዕባ እዘን ዘደንቓ ፍጥረታት እዚኣተን ዝያዳ ንኽፈልጥ ደረኸኒ። ንኣብነት: ግዝዋን ጽምብላሊዕን ዝነፍርኦ ርሕቐት ዘደንቕ ኢዩ: ገሊኣተን ነዊሕ ርሕቐት ኢየን ዝጓዓዛ። እታ ዳያመንድባክ እትበሃል ንእሽቶ ግዝዋ ካብ ጫፍ ሓደ ክንፊ ኽሳዕ እቲ ኻልኣይ 2.5 ሰንቲ ሜትር ጥራይ እኳ እንተ ዀነት: በብእዋኑ በቲ ብማዕበል ዝናወጽ ኖርዝ ሲ ኣቢላ ኻብ ኣውሮጳ ናብ ብሪጣንያ ትመላለስ ኢያ። እታ ሰፊንክስ ወይ ሃውክሞዝ እትበሃል ግዝዋ ድማ ልክዕ ከም ሃሚንበርድ እትበሃል ዑፍ ኣብ ዕንባባታት ትዝምቢ ኢያ።
ንዑደት ህይወት ሲክሮፕያ ድሕሪ ምርኣየይ ነዊሕ ከይጸናሕኩ: ሓንቲ ኻብዛ ዓይነት ግዝዋ እዚኣ ኣብ ጥቓ መብራህቲ ኣብ ዝርከብ ቍጥቋጥ ክትዓልብ ረኣኽዋ። ኣኽናፋ ኣዝዩ ተነቃፊ ስለ ዝዀነ: ብእኡ ኽሕዛ ኸም ዘይብለይ እፈልጥ ነበርኩ። ኣብ ቅድሚ እታ ግዝዋ ኢድካ እንተ ዘርጊሕካ ግን ናብ ኣጻብዕካ ኽትድይብ ከም እትኽእል እፈልጥ ኢየ። ኢደይ ምስ ዘርጋሕኩላ: እታ ጽብቕቲ ፍጥረት ኣብ ማእከለይቲ ጽብዒት ኢደይ ደየበት። ጸኒሓ ብልዕሊ እቲ ኦም ኣቢላ ነፈረት። ክትነፍር ከላ ምስ ጽምብላሊዕ ክሳዕ ክንደይ ከም እትመሳሰል እሓስብ ነበርኩ። ድሕሪ ሕጂ ጽምብላሊዕ ዝረኣኻ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ: እንደገና ኣተኲርካ ጠምታ። ጽብቕትን ዘይትጓዳእን ግዝዋ ኽትከውን ትኽእል ኢያ።—እተላእከ ጽሑፍ
[እግረ-ጽሑፍ]
a ገሊኡ ኣብ ደረጃ ዕጸ ዝርከብ ግዝዋ ብዙሕ እኽሊ እውን የጥፍእ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
1. ግዝዋ ሮቢን (ሲክሮፕያ )
2. ግዝዋ ፖሊፈመስ
3. ግዝዋ ሳንሰት
4. ግዝዋ ኣትላስ
[ምንጪ ስእሊ]
Natural Selection© - Bill Welch
A. Kerstitch
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ግዝዋ ሲክሮፕያ በዚ ዝስዕብ ደረጃታት ዕቤት ትሓልፍ:-
1. እንቋቝሖ
2. ኣባጨጐራ
3. እኽልቲ ግዝዋ
[ምንጪ ስእሊ]
Natural Selection© - Bill Welch