ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g01 8/10 ገጽ 12-14
  • ብኸመይ ኢየ ከም ዘይደልዮ ኽገልጸሉ ዝኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብኸመይ ኢየ ከም ዘይደልዮ ኽገልጸሉ ዝኽእል፧
  • ንቕሑ!—2001
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘይትፈትውዮ ምስ እትዀኒ
  • ከም ዘይትደልዪዮ ንኽትገልጽሉ ኸቢድ ዝዀነሉ ምኽንያት
  • ብጥንቃቐ ንገርዮ
  • 29 ምስ ኣንጻር ጾታ ንኽቋጸር ኣኺለ ድየ፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ወለደይ ምስ ኣወዳት ክትቋጸሪ ኣይኣኸልክን ምስ ዝብሉንኸ፧
    ንቕሑ!—2001
  • እዚ ሰብ’ዚ ይዀነኒ ድዩ፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ዕዉት ሓዳር ንኽህልወካ ዘድሊ እንታይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ንቕሑ!—2001
g01 8/10 ገጽ 12-14

መንእሰያት ዝሓትዎ...

ብኸመይ ኢየ ከም ዘይደልዮ ኽገልጸሉ ዝኽእል፧

“ኣብዚ ዝሓለፈ ሓጋይ ሓደ ኣብ ጉባኤና ዝርከብ ሓው ምሳይ ፍቕሪ ሓዞ። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ ኣይፈትዎን ኢየ። ስምዒቱ ኸይጐዳእኩ ብኸመይ ከም ዝኣብዮ ግን ኣይፈልጥን ኢየ።”​—⁠ኤሊዛቤትa

ሓደ መንእሰይ “ተቛጺርና እንተ ኣዕለልና እንታይ ይመስለኪ፧” ኢሉ ሓቲቱኪዶ ይፈልጥ፧ ከም ጐርዞ መጠን:b ባህ ኢሉኪ ወይ እውን ብሓጐስ ተፈንጪሕኪ ትዀኒ! ብኻልእ ሸነኽ ድማ ስምዒትኪ ሕውስውስ ስለ ዝበለኪ እንታይ ኢልኪ ኸም እትምልሲ ጠፊእኪ ይኸውን።

ሓደ መንእሰይ ከም ዘፍቅረኪ ምስ ዝገልጸልኪ: ስምዒትኪ ድንግርግር ክብለኪ ይኽእል ኢዩ። ብፍላይ ንመርዓ ዝኣኸልኪ እንተድኣ ዄንክን ነዚ ሕቶ እዚ ኽትምልሲ ኣብ እትኽእልሉ ኵነታት እንተድኣ ኣሎኽን እተፈላለየ ስምዒታት ይቕልቀል ኢዩ!c ይኹን እምበር: መልስኺ ብቐንዱ ኣብ እንታይነት ናይቲ ዝሓተኪ ሰብ እተመርኰሰ ኢዩ። ብስምዒታዊ መዳይ ዝበሰለ: ንስኺውን እትፈትውዮ እንተድኣ ዄይኑ: ብቐሊሉ ሕራይ ክትብልዮ ትኽእሊ ኢኺ። እንተዀነ ግን: ዝሰማምዓኪ ናይ መርዓ ብጻይ ንምዃን ብዙሕ ብቕዓታት ዝጐድሎ እንተዀነኸ፧ ወይ እውን ሰናይ ባህርያት ሃልይዎ ኽነሱ እንተ ዘይፈተኽዮኸ፧

ሓንቲ መንእሰይ ምስ ሓደ ወዲ ዝያዳ ንኽትፋለጥ ኢላ ንእተወሰነ እዋን እናተቛጸረት ኸተዕልል ድሕሪ ምጽናሕ ህይወታ ምሉእ ምስኡ ኸተሕልፎ ኸም ዘይትደሊ ተገንዘበት። ኣብ ክንዲ ርክባ እተቋርጽ ግን ከም ቀደማ ምስኡ እናተቛጸረት “ብኸመይ ኢየ ኸም ዘይደልዮ ኽገልጸሉ ዝኽእል፧” ኢላ ንርእሳ ትሓትት ነበረት።

ዘይትፈትውዮ ምስ እትዀኒ

ጥንቲ ኣብ ግዜ ኣበው: ሰባት ወለዶም ዝመረጹሎም ኢዮም ዝምርዓዉ ነይሮም። (ዘፍጥረት 24:⁠2-4, 8) ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝነብሩ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ናይ መርዓ ብጻይ ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ንጹር መምርሒ ኣለዎ፣ እዚ ድማ ሓንቲ ክርስትያን “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ክትምርዖ ኣለዋ ዝብል ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 7:⁠39

ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን ንዝዀነ ይኹን ዝሓተተኪ ወይ ኣጸቢቕኪ ንኽትፈልጥዮ ኢልኪ ኽትቀርብዮ ንዝጀመርኪ ኣማኒ ብጻይ ክትምርዓውዮ ኣሎኪ ማለት ድዩ፧ መልሲ ናይዚ ንምርካብ: ኣብነት ናይ ሓንቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ እትርከብ ሹነም እትበሃል ቍሸት እትነብር ዝነበረት ጓል እስከ ንርአ። እቲ ንጉስ እታ ሃገር ዝነበረ ሰሎሞን ምስ ረኣያ: ብርቱዕ ፍቕሪ ሓዞ። ክከታተላ ምስ ጀመረ ግን ኣብያቶ ጥራይ ዘይኰነትስ: ነተን ኣገልገልቱ እውን ‘ንፍቕሪ ኽሳዕ ዝደሊ: ከይተተንስኣንን ከይተበራብራንን’ ብምባል ተማሕጺናተን ኢያ። (መሃልየ መሃልይ 2:⁠7) እዛ ጥበበኛ ጐርዞ እዚኣ ኣብ ስምዒት ጥራይ ተመርኲሳ ውሳነ ንኽትገብር ጸቕጢ ኽገብራላ ኣይደለየትን። ብሓጺሩ ምስ ሓደ ትሑት ጓሳ ፍቕሪ ሒዝዋ ስለ ዝነበረ: ንሰሎሞን ኣይፈተወቶን።

እዚ ድማ ነተን ክምርዓዋ ዝሓስባ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢዩ ዝዀነን። ንዝዀነ ሰብ ከተፍቅራ ኣይትኽእላን ኢኽን። ስለዚ ሓንቲ መንእሰይ ምስ ሓደ ሰብ ኣጸቢቓ ንምፍላጥ ተቛጺራ ኸተዕልል ድሕሪ ምጽናሕ: ነቲ ሰብ እቲ ኸም ዘይተፍቅሮ ትግንዘብ ትኸውን። ምናልባት ዘስተብሃለትሉ ጐሊሑ ዝርአ ድኽመት ይህሉዎ ይኸውን። ወይ እውን ኣይፈተወቶን ትኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ዕሽሽ ምባሉ ዕሽነት ኢዩ። ከመይሲ ነቲ ስምዒታት ዕሽሽ ምባሉ መፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።d ታማራ ብዛዕባ ሓደ ኣጸቢቓ ንኽትፈልጦ እትቋጸሮ ዝነበረት ወዲ “ብዛዕብኡ ብዙሕ ዘጠራጥረኒ ነገራት ነይሩ” ትብል። ወሲኻ ድማ “ምጥርጣር ክብል ከለኹ ስቕ ኢልካ ዘይረብሕ ምጥርጣር ጥራይ ዘይኰነስ ምስኡ ክኸውን ከለኹ ኽሳዕ ኣብ ጭንቀት ዘብጽሓኒ ዘሸግረኒ ነገራት ነይሩ ኢዩ” በለት። ጸኒሓ እዚ ምጥርጣራት እዚ ስለ ዘለዋ: ርክባታ ኸተቋርጽ ዝሓሸ ምዃኑ ተረድአት።

ከም ዘይትደልዪዮ ንኽትገልጽሉ ኸቢድ ዝዀነሉ ምኽንያት

እንተዀነ ግን: ንሓደ መንእሰይ ከም ዘይትደልዪዮ ምግላጽ: ካብ ኽትገብርዮ ኽትሓስብዮ ይቐልል። ልክዕ ከምታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ኤሊዛቤት ስምዒቱ ኸይትጐድእዮ ትፈርሂ ትዀኒ። ልክዕ ኢዩ: ብዛዕባ ስምዒት ካልኦት ሰባት ክንጥንቀቕ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ‘ምሕረት ልቢ ኽለብሱን’ ከምቲ ሰብ ክገብረሎም ዝደልይዎ ከምኡ ንሰብ ክገብሩን ኢዩ ዘተባብዖም። (ቈሎሴ 3:⁠12፣ ማቴዎስ 7:⁠12) ከምዚ ኽበሃል ከሎ ግን ነቲ መንእሰይ ንኸይትጐድእዮ ወይ ንኸይትሃስይዮ ኢልኪ ዘይኰንክዮ ኽትመስሊ ኣሎኪ ማለት ድዩ፧ ውዒሉ ሓዲሩ ብዛዕብኡ እንታይ ስምዒት ከም ዘሎኪ ኸም ዝፈልጥ ርግጽ ኢዩ: ስለዚ ኸኣ ሓቀኛ ዘይምዃንክን ናይ ሓቂ ስምዒትኪ ኻብ ምግላጽ ድሕርሕር ምባልክን ስቓይ ጥራይ ኢዩ ዝውስኽ። ስለ ዝደንገጽክሉ ጥራይ እንተ ተመርዒኽዮ እሞ ኸኣ ኣብ ዝገደደ ሽግር ኢኺ እትኣትዊ። ኣደንጊጽኒ ኢልካ ሓዳር ምግባር ድልዱል መሰረት ኣይከውንን ኢዩ።

ምናልባት እውን ‘እንተ ዘይተመርዕየዮ: ካልእ ኣጋጣሚ ኣይረክብን ኢየ’ ዝብል ሓሳብ የጨንቐኪ ይህሉ ይኸውን። ሓንቲ ጓል “እዚ ወዲ እዚ እቲ ዝደልዮ ዓይነት ኣይኰነን: እንተዀነ ግን ካብ ዘይብልካ ምዃን ይሓይሽ: ድሓር ድማ ከይተመርዓኹ ኽተርፍ ኣይደልን ኢየ” ዝብል ምኽንያት ከተቕርብ ከም እትኽእል ቲን ኣብ እትበሃል መጽሔት (እንግሊዝኛ) ዝወጸት ሓንቲ ዓንቀጽ ገሊጻ ኣላ። ናይ መርዓ ብጻይ ናይ ምርካብ ባህጊ ሓያል ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ረኺበ ኢልኪ ሰብ ብምምርዓው ነዚ ባህጊ እዚ ኸተዕግቢ ኣይትኽእልን ኢኺ። ብሓቂ እተፍቅርዮን ነቲ ብዛዕባ ሓዳር ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ዘሎ ሓላፍነታት ክስከም ዝኽእልን ሰብ ኽትረኽቢ ኣሎኪ። (ኤፌሶን 5:⁠33) ስለዚ ብታህዋኽ ናይ መርዓ ብጻይ ኣይትምረጺ! ብዙሓት ተሃዊኸን ብምምርዓወን ተጣዒሰን ኢየን።

ገሊኣተን ኣዋልድ እቲ መንእሰይ ከቢድ ጕድለት ከም ዘለዎ እናተራእየን ክነሱ ምስኡ እናተቛጸራ ኻብ ምዕላል ግን ኣየቋርጻን ኢየን። ‘ቁሩብ ግዜ እንተ ሂበዮ: ክቕየር ይኽእል ኢዩ’ ዝብል ምኽኒት የቕርባ። እዚ ግን ምኽንያታዊ ድዩ፧ እኳ ድኣስ: ሕማቕ ልማዳትን ባህርያትን መብዛሕትኡ ግዜ ሱር ዝሰደደን ንምልጋሱ ኸቢድን ኢዩ። ምናልባት እውን ብሃንደበት ዓቢ ለውጢ እንተ ገበረ: እዚ ለውጢ እዚ ነባሪ ምዃኑ ርግጸኛ ኽትኰኒዶ ትኽእሊ ኢኺ፧ ሓንቲ ካረን እትበሃል መንእሰይ ምስቲ ዝያዳ ንኽትፈልጦ ተቛጺራ ተዕልሎ ዝነበረት መንእሰይ ሓደ ዓይነት ሸቶ ኸም ዘይብሎም ምስ ተረድአት ርክባታ ንኸተቋርጽ ወሰነት። “ብመልክዑ ውኖይ ተሰሊቡ ስለ ዝነበረ: እዚ ኸቢድኒ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ቅኑዕ ውሳነ ምንባሩ እርዳእ ነይረ ኢየ” ብምባል ትእመን።

ብጥንቃቐ ንገርዮ

ንሓደ ሰብ ከም ዘይትደልይዮ ምንጋር ቀሊል ኣይኰነን። ልክዕ ከምቲ ተሰባሪ ኣቕሓ ንዝሓዘ ካርቶን እንገብሮ ጥንቃቐ: እዚ ጕዳይ እዚ እውን ብጥንቃቐ ኽተሓዝ ኣለዎ። ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ገለ ነጥብታት እንሆ።

ነቲ ጕዳይ ምስ ወለድኺ ወይ ኣብ ጉባኤኺ ምስ እትርከብ (ዝርከብ) ብስልቲ ሰብ ተመያየጥሉ። ምናልባት ካብኡ እተጸበኽዮ ነገር ቁሩብ መጠኑ ዝሓለፈ እንተ ዀይኑ: ኣብ ውሳነኺ ሓገዝ ኽትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

መልስኺ ርዱእን ንጹርን ግበርሉ። ብዛዕባ ስምዒትኪ ንኽጠራጠር ቦታ ኣይትሃብዮ። መብዛሕትኦም ኣወዳት “ፍቓደኛ ኣይኰንኩን” ምስ እትብልዮም ጥራይ ተስፋ ይቘርጹ ኢዮም። ኣድላዪ እንተድኣ ዀይኑ ብትርር ዝበለ ቓላት ገይርኪ ኸም ዘይትደልይዮ ግለጽሉ። ንኣብነት “ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር ኣይደልየካን ኢየ” ኽትብልዮ ትኽእሊ ኢኺ። ‘ከይተሓለልኩ ብምክትታል ሓሳባ ከቐይራ እኽእል ኢየ’ ዝብል ኣተሓሳስባ ከሕድረሉ ዝኽእል ነገራት ከይትገብሪ ተጠንቀቒ። ከም ዘይተፍቅርዮ ብንጹር ምግላጽ: ንኸይደናገርን ንጓሂኡ ብቐሊሉ ንኽጾሮን ይሕግዞ ኢዩ።

ነቲ ሓቂ ኽትነግርዮ ከለኺ ሜላ ተጠቐሚ። ምሳሌ 12:​18 “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ” ትብል። ብግሁድ ምዝራብ ኣድላዪ እኳ እንተዀነ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ዘረባና “ብጨው እተቓመመ . . . ብጸጋ” ክኸውን ከም ዘለዎ ይነግረና ኢዩ።​—⁠ቈሎሴ 4:⁠6

ኣብ ውሳነኺ ጽንዒ። ጽቡቕኪ ዝደልዩ ፈተውትኺ ንውሳነኺ ምኽንያት ዝዀነኪ ነገራት ኣጸቢቖም ስለ ዘይፈልጡ: ነቲ ርክብኪ ንኽትቅጽልዮ ጸቕጢ ኽገብሩልኪ ይኽእሉ ኢዮም። ዘይሩ ዘይሩ ግን እቲ ውሳነ ንዓኺ ድኣ እምበር ነቶም ጽቡቕኪ ኽርእዩ ዝደልዩ ፈተውትኺ ኣይኰነን ዝትንክፎም።

ቃልክን ተግባርክን ሓደ ግበርዮ። ኣብ መጀመርታ ኽልቴኹም ተራ ዝዀነ ጽቡቕ ዕርክነት ነይሩኩም ይኸውን: ከም ቀደምኩም ክትኰኑ እውን ትደልዪ ትዀኒ። እዚ ግን ዝከኣል ኣይኰነን። ሕጂ ንዓኺ ብተራ ዕርክነት ዘይኰነስ ብፍቕሪ ኢዩ ዝርእየኪ። ምንም ከም ዘይኰነ ብምሕሳብ ነዚ ስምዒታት እዚ ብቐሊሉ ዕሽሽ ክብሎ ይኽእል ኢዩ ኢልኪ ምሕሳብ ርትዓዊ ድዩ፧ ኣብ ንሓድሕድኩም ጽቡቕ ርክብ ክህልወኩም እኳ እንተለዎ: ኵሉ ሳዕ ብቴለፎን ምዕላል ወይ ኣብ ማሕበራዊ ጕዳያት ምስኡ ብዙሕ ግዜ ምሕላፍ ግን ኣብ ርእሲ ስቓዩ ስቓይ ጥራይ ኢዩ ዝውስኸሉ። ብስምዒቱ ምጽዋት ኢዩ ዝኸውን: እዚ ድማ ሕያውነት ኣይኰነን።

ሃዋርያ ጳውሎስ: ንክርስትያናት ንሓድሕድኩም “ሓቂ ተዛረቡ” ኢሉ መዓዶም። (ኤፌሶን 4:⁠25) እዚ ኸቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እንተዀነ ግን ንኽልቴኹም ነናብራኹም ክትገብሩ ኽሕግዘኩም ይኽእል ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።

b እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ናብ ኣዋልድ ዘተኰረት እኳ እንተ ዀነት: እቲ መምርሒታት ግን ንመንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ እውን ዝምልከት ኢዩ።

c ዕድሜኻ ኸይኣኸለ ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር ዘለዎ ሓደጋ ኣብታ ናይ ሓምለ-መስከረም 2001 ሕታምና ተገሊጹ ኣሎ።

d ነታ ኣብ ናይ 22 ሓምለ 1988 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “መንእሰያት ዝሓትዎ . . . ክንፈላለ ድዩ ዘሎና፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 13 ፍረ ሓሳብ]

ንዝዀነ ሰብ ከተፍቅሪ ኣይትኽእልን ኢኺ

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

መልስኺ ርዱእን ንጹርን ግበርሉ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ