ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g01 8/7 ገጽ 13-14
  • ሓዳር ነባሪ ማእሰር ድዩ ክኸውን ዘለዎ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓዳር ነባሪ ማእሰር ድዩ ክኸውን ዘለዎ፧
  • ንቕሑ!—2001
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣረኣእያ ኣምላኽ ተቐይሩዶ ኢዩ፧
  • ሓዳር ነባሪ ኽትገብረሉ እትኽእል መገዲ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓዳር እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ዕዉት ክርስትያናዊ ሓዳር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ድሕሪ መዓልቲ መርዓ
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ብሓዳርኩም ተሓጐሱ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2001
g01 8/7 ገጽ 13-14

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ

ሓዳር ነባሪ ማእሰር ድዩ ክኸውን ዘለዎ፧

እዚ ሕቶ እዚ ንምንታይ ተላዒሉ፧ ከምቲ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ግዜ መርዓ ዝግበር ማሕላ: ሓዳር “ጽቡቕ ኣሎ ሕማቕ ኣሎ” ከምኡውን “ሞት ክሳዕ ዝፈላልየና” ዝቕጽልዶ ኸይኰነ፧ እወ: በቲ ኣብ ግዜ መርዓ ዝግበር ማሕላ ዝበዝሕ ግዜ እታ መርዓትን እቲ መርዓውን ብህይወት ክሳዕ ዘለዉ ዝቕጽል ቃል ኪዳን ኢዮም ዝኣስሩ። ይኹን እምበር: ብዙሓት ሰባት ንገዛእ ርእሶም በዚ ዓሚቝ መብጽዓታት እዚ እተቐየዱ ገይሮም ኣይወስድዋን ኢዮም። ዝፈላለዩ ዘለዉ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ቍጽሮም ብዘሰንብድ መጠን ይውስኽ ኣሎ። ገሊኣቶም ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ: ገሊኣቶም ከኣ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ይፈላለዩ። ንመርዓ ዝወሃብ ግምት እናተሓተ ዝኸይድ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ይህበና።

በጃኻ ን2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-3 መርምራ እሞ ምስቲ ሎሚ ኣብ ዓለም እትርእዮ ዘሎኻ ኣነጻጽሮ። ገለ ኽፋል ናይዘን ቍጽርታት እዚኣተን ከምዚ ይብል:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ: እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት . . . ፈተውቲ ገንዘብ: . . . ዘየማስዉ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: . . . ቀለልቲ [ክዀኑ ኢዮም]።” እዚ ትንቢት እዚ ብልክዕ ይፍጸም ኣሎ። እቲ ኽብ ዝበለ ቍጽሪ ፍትሕ ከም ዝሕብሮ እዚ ባህርያት እዚ ኣብ መላእ ዓለም ንዘሎ ማእሰር ሓዳር ጐዲእዎ ወይ ኣዳኺምዎ ኢዩ።

ብዙሓት ሰባት እቲ ንሓዳር ዝነበሮም ኣኽብሮት ከም ዘጥፍእዎ ንጹር ኢዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከምዚ ዝስዕብ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና:- ሓዳር ኣርዚንካ ኽርአ ዘለዎዶ ኢዩ፧ ቅድስና ሓዳር ዝበሃል ነገር ኣሎዶ ኢዩ፧ ክርስትያናት ንሓዳር ብኸመይ ኢዮም ክርእይዎ ዘለዎም፧ ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ንምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን እንታይ ሓገዝ ኢዩ ዝህቦም፧

ኣረኣእያ ኣምላኽ ተቐይሩዶ ኢዩ፧

ኣምላኽ ብመጀመርታ ንማእሰር ሓዳር ከም ግዝያዊ ነገር ገይሩ ኣይተዛረበሉን። ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ብኸመይ ከም ዘሕበሮም ኣብ ዘፍጥረት 2:⁠21-24 ተገሊጹ እኳ እንተሎ ምፍታሕ ወይ ምፍልላይ ከም ዝከኣል ዝገልጽ ሓሳብ ግን የለን። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ ኣብ ቍጽሪ 24 ከምዚ ኢዩ ዝብል:- “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።” እዛ ጥቕሲ እዚኣ እንታይ ማለት ኢያ፧

ኣካላት ወድሰብ: እቲ እተፈላለየ ኣካሊታቱ ንሓድ​ሕዱ ከም ዝሰማማዕ ኰይኑ እተኣልመሉ መገዲ: ኣዕጽምቲ ኣብቲ ድልዱልን ፍሕፋሐ ዘይብሉን መላግቦታት እተጋጠመሉ መገዲ እሞ ርአ። ኣየ ከመይ ዝበለ ሓድነት ኰን ኢዩ! ኣየ ከመይ ዝበለ ነባሪ ማእሰር ኰን ኢዩ! እዚ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኣካል ከቢድ ማህሰይቲ ምስ ዝወርዶ ግን ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ! ስለዚ ኣብ ዘፍጥረት 2:⁠24 እታ “ሓደ ስጋ” እትብል መግለጺት ነቲ ኣብ ሓዳር ዘሎ ምቅርራብን ነባሪ ምዃኑን እተጕልሕ ኢያ። እቲ ማእሰር እቲ እንተድኣ ተበቲኹ ብዛዕባ እቲ ኸስዕቦ ዝኽእል ከቢድ ቃንዛ እውን ንጹር መጠንቀቕታ ትህብ ኢያ።

ኣብ ዝሓለፈ መዋእላት እተራእየ ለውጥታት ንኣረኣእያ ወድሰብ ቀሪጽዎ እኳ እንተዀነ: ኣምላኽ ሕጅውን እንተዀነ ንሓዳር ብህይወት ክሳዕ ዘሎኻ ዝቕጽል ነባሪ ማእሰር ገይሩ ኢዩ ዝምልከቶ። ገለ 2,400 ዓመታት ይገብር: ገለ ኣይሁዳውያን ሰብኡት ነተን ቀዳሞት ኣንስቶም ሓዲጎም ጐራዙት ክምርዓዉ ጀሚሮም ነይሮም። ኣምላኽ ነዚ ተግባር እዚ ብምዅናን ብነብይኡ ሚልክያስ ከምዚ በለ:- “እምበኣርሲ መንፈስኩም ሐልዉ: ነታ ሰበይቲ ንእስነቱ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይጥለም። ምፍታሕ . . . እጸልእ አሎኹ: ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል።”​—⁠ሚልክያስ 2:​15, 16

ድሕርዚ ልዕሊ ኣርባዕተ ዘመናት ጸኒሑ የሱስ ካብ ዘፍጥረት 2:⁠24 ጠቒሱ ክዛረብ ከሎ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ሓዳር ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ኣረኣእያ ደጊሙ ድሕሪ ምርግጋጹ “ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ: ሰብ ኣይፍለዮ” ዝብል መምርሒ ሃበ። (ማቴዎስ 19:⁠5, 6) ድሕሪ ገለ ዓመታት ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ “እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ” ምስ በለ “ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ” ኢሉ ኣዘዘ። (1 ቈረንቶስ 7:​10, 11) እዚ ጥቕስታት እዚ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ሓዳር ዘለዎ ኣረኣእያ ብልክዕ ዝገልጽ ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ሓዳር ንኸቋርጽ ዘፍቅደሉ ዅነታት ኣሎ ድዩ፧ እወ: ሓዲኦም እንተድኣ ሞይቱ ሓዳር ኣቋሪጹ ማለት ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:⁠39) ዝሙት እንተድኣ ተፈጺሙ እውን እቲ ንጹህ ዝዀነ ክፋታሕ ምስ ዝውስን ሓዳር ክፈርስ ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 19:⁠9) ካብኡ ዝተረፈ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኣይን ሰበይትን ሓቢሮም ክነብሩ ኢዩ ዘተባብዖም።

ሓዳር ነባሪ ኽትገብረሉ እትኽእል መገዲ

ኣምላኽ ንሓዳር ንኽትነብር ኢልካ እትቃለሰሉ መገዲ ዘይኰነስ ዘሐጕስ ጕዕዞ ክኸውን ኢዩ ዝደልዮ። ሰብኣይን ሰበይትን ግድላቶም ሓቢሮም ክፈትሑ: ሓደ ምስቲ ሓደ ምዃን ድማ ኣጸቢቑ ባህ ክብሎም ኢዩ ዝደሊ። ቃሉ ሕጉስን ነባርን ሓዳር ክርከበሉ ዝኽእል መገዲ ይሕብረና ኢዩ። በጃኻ ነዚ ቀጺሉ ዘሎ ጥቕስታት ኣስተብህለሉ።

ኤፌሶን 4:⁠26:- “ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም።”a ሓደ ኣብ ሓዳሩ ሕጉስ ዝዀነ ሰብኣይ: ምስ በዓልቲ ቤቱ ዘይምስምማዕ ከጋጥሞም ከሎ ወዓል ሕደር ከይበሉ ንኽፈትሕዎ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ከም ዝሓገዘቶም ኢዩ ዝኣምን። ከምዚ ድማ በለ:- “ዘይምስምማዕ ምስ ኣጋጠመ ክትድቅስ እንተድኣ ዘይክኢልካ: ሓደ ጸገም ኣሎ ማለት ኢዩ። እቲ ግድል ይቐጽል ክትሓድጎ የብልካን።” ሓድሓደ ግዜ ንሱን በዓልቲ ቤቱን ክሳዕ ምሸት ብዛዕባ ግድላቶም ኣዕሚቖም ዝመያየጥሉ እዋናት ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር ኣሳልጦ ነይርዎ ኢዩ። ወሲኹ “ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዘደንቕ ፍረ ኢዩ ዘለዎ” ይብል። በዚ ኸምዚ እዞም ሰብ ሓዳር ን42 ዓመታት ዝኣክል ሕጉስ ናብራ ኸሕልፉ ኽኢሎም ኢዮም።

ቈሎሴ 3:⁠13:- “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም . . . ይቕረ ተባሃሀሉ።” ሓደ በዓል እንዳ ንሱን ሰበይቱን ነዚ ጥቕሲ እዚ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዘውዓልዋ ኽገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ኵሉ ሰብ ብኻልኦት ዘይፍቶ ጠባይን ልምድን ስለ ዘለዎ ናይ ሓዳር ብጾት እውን ግጉይ ነገር ከይፈጸሙ ንሓድሕዶም ክተሓራረቑ ይኽእሉ ኢዮም። ንሓድሕድና ስለ እንጸዋወር: እዚ ነገራት እዚ ኽፈላልየና ኣይነፍቅደሉን ኢና።” እዛ ጥቕሲ እዚኣ ነዞም ሰብኣይን ሰበይትን ኣብቲ 54 ዓመት ዝገበረ ሓዳሮም ከም ዝሓገዘቶም ኣየጠራጥርን ኢዩ!

ከምዚ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ግብሪ ምውዓል ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ማእሰር ዘደልድል ኢዩ። በዚ ድማ ሓዳሮም ዘሐጕስ: ዘዕግብን ነባርን ክዀነሎም ይኽእል ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብመሰረት እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ኣቈጻጽራ ግዜ: መዓልቲ ዝቕየር ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ኢዩ። ስለዚ ጳውሎስ ንኣንበብቱ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ቀቅድሚ ምሕላፋ ምስ መባእስቶም ክዕረቑ ኢዩ ዘተባብዖም ነይሩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ