ንሓምሳ ዓመታት ስራሓት ካይላ ምቕባእ
ኣልፍረድ ሊፐርት ዘዘንተዎ
ኣደይ ጸራባይ ክኸውን ኢያ ትደልየኒ ነይራ። መምህረይ ግን ኣብቲ ኣብ መይሰን: ጀርመን: ጥቓ ገዛና ኣብ ዝነበረ ፋብሪካ ስራሓት ካይላ ስራሕ ክትረኽበለይ ተማሕጸና። ነቲ ጕዳይ ክሳዕ ክንድዚ ዝጸቐጠሉ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ናይ ምስኣል ተውህቦ ከም ዘሎኒ ኣስተውዒሉ ነበረ። ነደይ አፍቅራ እኳ እንተ ዀንኩ: ኣብዚ መዳይ እዚ ግን ከምቲ መምህረይ ዝበሎ ብምዃኑ የሐጕሰኒ ኢዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ወዲ 14 ዓመት ከለኹ ንገለ ኻብቲ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከብ ብሉጽ ዝበሃል ብኢድ ዝስራሕ ካይላ ምቕባእ ክማሃር ጀመርኩ።
ኣብ መይሰን ስራሓት ካይላ ኻብ ዝጅምር ዳርጋ 300 ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን ኢዩ። ኣብ ኣውሮጳ ንመጀመርታ ግዜ ናይ ሓቂ ስራሓት ካይላ ዘፍሪ ፋብሪካ ብ1710 ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኢዩ ተመስሪቱ። ድሕሪ 30 ዓመታት ኣቢሉ እቲ ፋብሪካ መንእሰያት ስራሓት ካይላ ምቕባእ ዝማሃሩሉ ቤት ትምህርቲ መስረተ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኽሳዕ ሕጂ በቲ “ናይ መይሰን ፋብሪካ ስራሓት ካይላ” ይካየድ ኣሎ፣ ኣብዚ ኸኣ ኢየ እናፈራህኩ ንመጀመርታ ግዜ ስራሓት ካይላ ክቐብእ ዝጀመርኩ።
ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ዕንባባታት: ኣእዋም: እንስሳታት: ከምኡውን ኣዕዋፍ ክትስእል ወይ ክትቀብእ ከሎኻ እትጥቀመሉ ደቀቕቲ ሕንጻጻት ተማሂረ ኢየ። እዚ ትምህርቲ እዚ ነቲ ድሒሩ ዝመጸ ስርሐይ መሰረት ኰነኒ።
ብሪቕሪቕ ዝብልዶ ወይስ ዘይብል፧
እዚ ዓይነት ስራሓት ካይላ እዚ ብርሃን ብመጠኑ ዘመሓላልፍ ዓይነት ሰራሚክ ኰይኑ ብኽልተ መሰረታዊ መገድታት ክቕባእ ይከኣል ኢዩ። እቲ ሓደ መገዲ እቲ ሰራሚክ ብሪቕሪቕ ዝብል ንጥረ-ነገር ከይተለኽየ ኸሎ ምቕባእ ኢዩ። እቲ ብሪቕሪቕ ዝብል ንጥረ-ነገር ዘይተለኸየ ስራሓት ካይላ ግን ሓርፋፍ ብምዃኑ ነቲ ቐለም ኣጸቢቑ ኢዩ ዝሰትዮ፣ ስለዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ጌጋታት ክዕረ ስለ ዘይክእል ክትቀብእ ከሎኻ ልዑል ጥንቃቐ ዝሓትት ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ነቲ ስራሓት ካይላ ብሪቕሪቕ ዝብል ነገር ምስ ተለኽየ ኽቕባእ ይከኣል ኢዩ። ኣብ እተለኽየ ስራሓት ካይላ ዕንባባታት ምቕባእ ብፍላይ ኣጸቢቐ መለኽክዎ። እዚ ስራሕ እዚ ምቕባእ ጥራይ ዘይኰነስ ንነፍሲ ወከፍ ስራሓት ካይላ ዝኸውን እተፈልየ ዓይነት ጥማር ዕንባባታት ምንዳፍ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ስለዚ እቲ ሰኣሊ ትኩርን ዘየስግልን ክኸውን ከም ዘለዎ ስለ ዝማሃር ጽቡቕ ስእሊ ንምስኣል ኣእምሮኡ ኽጥቀመሉ ይኽእል ኢዩ።
ንእተወሰነ ዓመታት ዕንባባታት ድሕሪ ምቕባእ ናብቲ ዝኸበደ ዓይነት ቅብኣ ማለት ናይ ህያዋን ፍጥረታት ስእሊ ናብ ምቕባእ ሰገርኩ። ኣብዚ ኸኣ ኢዩ እቲ እንስሳታትን ኣዕዋፍን ብኸመይ ከም ዝቕባእ ቅድም እተማሃርክዎ ትምህርቲ ዝጠቐመኒ።
ኣዝዩ ዘሐጕስ ብድሆ
እንስሳታት: ዓሳ: ከምኡውን ኣዕዋፍ ከም ዕንባባ ወይ ኦም ዘይኰኑስ ዝንቀሳቐሱ ፍጥረታት ስለ ዝዀኑ ነዚኣቶም ህያዋን ከም ዝመስሉ ገይርካ ምቕባእ ዘሐጕስ ብድሆ ኢዩ። እቲ ስነ-ጥበባዊ ብዛዕባ ቕርጺ ኣካላትን ተግባርን ናይቶም ዝቐብኦም እንስሳታትን ኣዕዋፍን ክፈልጥ ኣለዎ። ንኣብነት: መብዛሕትኡ ኣነ ዝቐብኦ ቅብኣ ከም ዓጋዜን ዝኣመሰሉ ብዙሓት እንስሳታት ክህደኑ ኸለዉ ዘርኢ ኢዩ።
ብዛዕባ እንስሳታት ንምፍላጥ ብዓይንኻ ካብ ምዕዛብ ዝበልጽ ነገር የለን። ቅድሚ ገለ ዓመታት ብዝሕ ዝበለ ስእልታት ዓሳ ክቐብእ ሓሰብኩ: ስለዚ እተፈላለየ ዓሳታት ዝሓዘ ኣብ ገዛ ዝቕመጥ ብቬትሮ እተሰርሐ ጋብላ ኣምጻእኩ። ኣነን በዓልቲ ቤተይን ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ጥቓ እቲ ጋብላ ኮፍ ኢልና ነፍሲ ወከፍ ዓሳ ዝገብሮ ምንቅስቓስን ዘርእዮ ባህርይን ንዕዘብ ነበርና። ባህርያቶም ምስ ኣጽናዕክዎም ከኣ ኢየ ነቲ ቕብኣ ዝጀመርክዎ።
ንፉዕ ቀባኢ ንኽትከውን ዘኽእለካ እንታይ ኢዩ፧
ሓድሓደ ግዜ ኣዕሩኽተይ ንፉዕ ቀባኢ ስራሓት ካይላ ንምዃን እንታይ ከም ዘድሊ ይሓቱኒ ኢዮም። እቲ ቐባኢ ናይ ስነ-ጥበብ ተውህቦ: ትኩር ዓይኒ: ከምኡውን ቀጥቀጥ ዘይብል ኢድ ክህልዎ ከም ዘለዎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ካልእ ዘድልዮ ነገራት እውን ኣሎ። ዕዉት ስነ-ጥበባዊ ንምዃን እቲ ውልቀ-ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ: ስርሑ: ከምኡውን ብዛዕባ ኻልኦት ሰባት ቅኑዕ ኣረኣእያ ኽህልዎ ኣለዎ። ንፉዕ ቀባኢ ኽእለቱ ንምምሕያሽ ኣበርቲዑ ዝዓዪ በዓል ሞያ ኢዩ። ነቲ ኽእለቱ እንተ ዘይዓዪሉ ከም ዝጠፍኦ ይፈልጥ ኢዩ። ካልኦት ዝብልዎ ስለ ዝሰምዕን ምኽሮም ስለ ዝቕበልን ኵሉ ሳዕ ኢዩ ዝማሃር።
ሓደ ክርሳዕ ዘይብሉ ነገር ከኣ ንፉዕ ስነ-ጥበባዊ ንድሌት ዓማዊሉ ዘኽብር ምዃኑ ኢዩ። ብኢድ እተሰርሐ ካይላ ዝዕድጉ ሰባት ንእተወሰነ እዋን ተቐሚጡ ደሓር ተጓሒፉ ብኻልእ ዝትካእ ዓይነት ኣቕሓ ኣይደልዩን ኢዮም። ዓማዊል ኣቓልቦ ዝስሕብ: ክትርእዮ ባህ ዘብል: ከምኡውን ንህይወቶም ዝያዳ ዘሐጕስ ዝገብሮ ስራሓት ስነ-ጥበብን ባህላውን ዝዀነ ኣቕሓ ኢዮም ዝደልዩ። እቲ ቐባኢ ነዚ ባህግታት እዚ ኣብ ምዕጋብ ግደ ስለ ዘለዎ ይሕጐስ ኢዩ።
ምቕባእ ኣብ ኣምላኽ ንኽኣምን ሓገዘኒ
ቀባኢ ዀይነ ብምዕያየይ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቐ ንኽምርምሮን ኣብ ኣምላኽ ድልዱል እምነት ንኽህልወንን ድራኸ ኣሕዲሩለይ ኢዩ። ብኸመይ፧ ሓድሓደ እዋን ብዛዕባ ኣዕዋፍ ዘጽንዑ ሰባት ነቲ ዘዳልውዎ መጻሕፍቲ ዝኸውን ስእልታትን ቅብኣን ስለ ዘድልዮም ምስኦም ሓቢረ እዓዪ ነይረ ኢየ። ነዚ ዕዮ እዚ ኽጅምሮ ኸለኹ ኣብ ፍልቀት ኢየ ዝኣምን ነይረ። ምስ ገሊኣቶም ደረስቲ ጥብቂ ርክብ ብምግባረይ ግን ብዛዕባ መበቈል ህይወት ክንመያየጥ ጀመርና። እዚ ምይይጣት እዚ ድማ ንኣረኣእያይ ቀየሮ።
ልዕሊ ዅሉ ዝተንከፈኒ: ኵሎም እዞም ክኢላታት እዚኣቶም ኣብ ፍልቀት ይኣምኑ እኳ እንተ ነበሩ: መብዛሕትኡ ግዜ ግን ነፍሲ ወከፎም ምስቲ ናይ ካልእ ዝጋጮ ክልሰ-ሓሳብ ነበሮም። ንዓይ ከም እተረድኣኒ ሓደ ዓይነት ናይ ፍልቀት ክልሰ-ሓሳብ የለን። ስለዚ ‘እቶም ክኢላታት እኳ ኣብ ሓደ ዓይነት ክልሰ-ሓሳብ ክሰማምዑ ካብ ዘይከኣሉ: ካልእ ሰብ ድኣ እሞ ከመይ ኢሉ ክሰማምዓሉ ይኽእል፧’ ናብ ዝብል መደምደምታ በጻሕኩ። በዚ ኸኣ ኣብ ፍልቀት ምእማን ገደፍክዎ። ናይ ፍልቀት ክልሰ-ሓሳብ ጌጋ እንተ ዀይኑ ዝተረፈ ካልእ ኣማራጺ ህይወት ኣብ ምድሪ ብፍጥረት ኢዩ መጺኡ ምባል ጥራይ ኢዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኢየ ኣብ ፈጣሪና ኽኣምን ዝጀመርኩ።
ሰባት ብዝዓየኹዎ ነገራት ክሕጐሱ ኽርኢ ኸለኹ ኣዝዩ ኢዩ ባህ ዝብለኒ: ዕግበት ድማ እረክብ ኢየ። ንቕብኣ ወይ ንስራሓት ካይላ ዘሎኒ ፍቕሪ ፈጺመ ኣይከጥፍእን ኢየ።
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ገጽ 28 ከምኡውን 29 ዘሎ ስእልታት:- Mit freundlicher Genehmigung der Staatlichen Porzellan-Manufaktur Meissen GmbH