ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ
ኣብ ኣካላት ዝግበር ስልማት—ምኽንያታዊ ኽትከውን ዘድልየሉ መዳይ
ሓንቲ ፈረንሳዊት ደራሲት “ብትርኢትካ ካብ መጠን ንላዕሊ ምጭናቕ ንምኽንያታውነትካ የጥፍኦ ኢዩ” በለት። ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ብትርኢቶም ካብ መጠን ንላዕሊ ዝጭነቑ ሰባት ዝገበርዎ እተፈላለየ ነገራት ክንርኢ ኸሎና ምኽንያታውነት ከም ዘይነበሮም እተረጋገጸ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበራ ኣንስቲ ቐጢን መዓንጣ ምእንቲ ኽህልወን: ምስትንፋስ ክሳዕ ዝስእና ዝገብረን ሓጎ ዝበሃል ቀምሽ ውሽጢ ኣብ መዓንጥአን ይዕጠቓ ነበራ። ሕሉፍ ሓሊፈን ገሊኣተን መዓንጥአን 325 ሚሊ ሜተር ጥራይ ምዃኑ ይዛረባ ነበራ። ገሊኣተን ኣንስቲ እቲ ሓጎ ካብ መጠን ንላዕሊ ጠርኒቑ ስለ ዝኣስረን መሰንገለአን ንጸላም ከብደን ሰንጢቑ ብምእታዉ ክሳዕ ሞት ኣብጺሕወን ኢዩ።
እቲ ሞዳ እቲ ብምሕላፉ ዘሐጕስ እኳ እንተዀነ: እቲ ንዕኡ ዘምጽአ ንትርኢትካ ካብ መጠን ንላዕሊ ናይ ምጭናቕ ባህርይ ግን ሎሚ እውን ከምኡ ኢሉ ኢዩ ዘሎ። ሰብኡትን ኣንስትን ተፈጥሮኣዊ ትርኢቶም ንኽልውጡ ኽብሉ ኣጸጋሚ: አረ ሓደገኛ ተግባራት እውን ይፍጽሙ ኢዮም። ንኣብነት: እተን ቅድሚ ገለ እዋን ኣብነታውያን ዘይኰኑ ክፍልታት ሕብረተሰብ ዝዓማዊለን ዝውቅጣን ዝሰቝራን ዝነበራ ድኳናት: ሕጂ ኣብቲ ዓበይቲ ዕዳጋ ዝርከቦ ቦታታትን ኣብ ከባቢ ኸተማታት ዝርከባ ዓድታትን ስራሕ ክኸፈታ ጀሚረን ኣለዋ። አረ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታትሲ ምውቃጥ ካብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ንኣሽቱ ንግድታት ብቕልጣፈ ዕቤት ኣብ ሻድሻይ ደረጃ ኢዩ ዝርከብ።
ምናዳ ኣብ መንእሰያት ቅጥዒ ዘይብሉ ዓይነት ኣሰላልማ ኣካላት ተፈታውነቱ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ከም ኣብ ኣፍ ጡብ: ኣፍንጫ: መልሓስ: አረ ኣብ ብልዕቲ እውን ከይተረፈ ዝግበር ሕሉፍ ዓይነት ስቝሬን ህቡብነቱ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ንገሊኣቶም እዚ ተግባር እዚ እውን ኣየዕግቦምን ኢዩ። ከም ሕላገት ምግባር: ኣካላትካ ምጥባሕ:a ከምኡውን ኣብ ትሕቲ ቘርበት እተፈላለየ ነገራት እናእተኻ ገፋሕቲ ቀዳዳትን ሓባጣትን ምፍጣር ዝኣመሰለ ኣዝዩ ስጊንጥር ዝዀነ ተግባራት ይፍትኑ ኢዮም።
ጥንታዊ ተግባር
ኣብ ኣካላት ስልማት ወይ ምምሕያሽ ምግባር ሓድሽ ኣይኰነን። ኣብ ገሊኡ ክፋላት ኣፍሪቃ ንብዙሕ ዘመናት ኣካላትካ ምጥባሕን ምውቃጥን ከም ባህላዊ መለለዪ ናይ ማይ ቤት ወይ ቀቢላ ዀይኑ የገልግል ነይሩ ኢዩ። እቲ ዘገርም ድማ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህሊ ስለ ዘይተባባዕ እናጠፍአ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ምውቃጥ: ምስቋር: ከምኡውን ምጥባሕ ነይሩ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣረማውያን ምስ ሃይማኖቶም ብምትሕሓዝ ኢዮም ዝገብርዎ ነይሮም። ስለዚ የሆዋ ንህዝቡ ማለት ንኣይሁድ ንተግባራት ናይዞም ኣረማውያን ከይቀድሑ ምእጋዱ ዘገርም ኣይኰነን። (ዘሌዋውያን 19:28) ኣይሁድ ንኣምላኽ “ፍሉይ ህዝቢ” ብምንባሮም ኣብ ሕሱር ናይ ሓሶት ሃይማኖት ልምድታት ንኸይወድቁ ዕቝባ ዀይንዎም ኢዩ።—ዘዳግም 14:2
ክርስትያናዊ ሓርነት
ሕጊ ሙሴ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝቐጸለ ገለ ስርዓታት እኳ እንተለዎ: ክርስትያናት ግን ኣብ ትሕቲ እዚ ሕጊ እዚ ኣይኰኑን። (ቈሎሴ 2:14) ስለዚ እተፈላለየ ዓይነት እዱብ ስልማት ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። (ገላትያ 5:1፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10) ይኹን እምበር: እዚ ሓርነት እዚ ገደብ ኣልቦ ኣይኰነን።—1 ጴጥሮስ 2:16
ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 6:12 “ኵሉ ተፈቒዱለይ አሎ: ግናኸ ኵሉ ኣይጠቅምን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ጳውሎስ ክርስትያን ብምዃን ንዝረኸቦ ሓርነት ብዛዕባ ካልኦት ከይሓሰበ ባህ ዝበሎ ክገብር ከም ዝኽእል ገይሩ ኣይወሰዶን። እቲ ንኻልኦት ዝነበሮ ፍቕሪ ንባህርያቱ ጸልይዎ ኢዩ። (ገላትያ 5:13) “ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት” ብምባል ድማ ተማሕጸነ። (ፊልጲ 2:4) እዚ ስስዐ ዘይብሉ ኣረኣእያኡ ንዝዀነ ይኹን ንኣካላቱ ክስልም ዝደሊ ክርስትያን ብሉጽ ኣብነት ይዀኖ ኢዩ።
ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ
ሓደ ካብቲ ንክርስትያናት እተዋህበ ሕጊ ነቲ ብስራት ምስባኽን ምምሃርን ኢዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ፊልጲ 2:15) ሓደ ክርስትያን ዝዀነ ይኹን ነገር: ኵለንትናዊ ኣቃውምኡ እውን እንተዀነ ንኻልኦት ነቲ መልእኽቲ ካብ ምስማዕ ክዓናቕፎም ክፈቅድ የብሉን።—2 ቈረንቶስ 4:2
ምውቃጥ ወይ ምስቋር ኣብ ገሊኦም ሰባት ልሙድ ኣብ ዝዀነሉ ከባቢ: ሓደ ክርስትያን ንገዛእ ርእሱ ኸምዚ ኢሉ ክሓትት ኣለዎ:- ‘ከምዚ ዝኣመሰለ ስልማት ኣብዚ ዝነብረሉ ኸባቢ ብኸመይ ኢዩ ዝርአ፧ ምስ ፍልይ ዝበሉ ጕጅለታት ሕብረተሰብ የመድበኒዶ ይኸውን፧ ሕልናይ ፈቒድዎ እንተ ተሰቚረ ወይ ተወቂጠ እውን ኣባላት ጉባኤይ ብኸመይ ይርእይዎ፧ “መንፈስ ዓለም” ከም ዝዀነ ገይሮም ይወስድዎዶ ይዀኑ፧ “ብጥንቃቐ” እነብር ከም ዘየለኹ ደዀን የመልክት ይኸውን፧’—1 ቈረንቶስ 2:12፣ 10:29-32፣ ቲቶስ 2:12
ገሊኡ ዓይነት ኣብ ኣካላት ዝግበር ስልማት ብሕክምናዊ መዳይ ኣስጋኢ ኢዩ። ብዘይጽሩይ መራፍእ ውቃጦ ምግባር ሕማም ወይቦ ከምኡውን ኤች.ኣይ.ቪ የመሓላልፍ ኢዩ። ዝጥቀምሉ ቐለም ሓድሓደ ግዜ ናይ ቈርበት ሕማማት የምጽእ ኢዩ። ምስቋር ንኽሓዊ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል: ክሳዕ ዝሓዊ ድማ ኣቐንዛዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ናይ ደም ምምራዝን ምፍሳስን ምርጋእን: ናይ ነርቭ ምብጣስ: ከምኡውን ብርቱዕ ረኽሲ ኸምጽእ ይኽእል ኢዩ። ብተወሳኺውን: ገሊኡ ኣብ ኣካላት ዝግበር ስልማት ብቐሊሉ ከተልግሶ ኣይከኣልን ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ውቃጦ ንምልጋስ ብመሰረት እቲ ስፍሓትን ቀለምን ናይቲ ውቃጦ ክቡር ዋጋ ዝሓትትን ኣቐንዛውን ሕክምና ምግባር የድሊ። ምስቋር ድማ ኣብ ምሉእ ህይወትካ ዘይጠፍእ በሰላ ክገድፍ ይኽእል ኢዩ።
ሓደ ውልቀ-ሰብ ነዚ ኣስጋኢ ተግባራት እዚ እንተ ኽገብሮ ወይ ክገድፎ ባዕሉ ኢዩ ክውስን ዘለዎ። ሓደ ንኣምላኽ ከሐጕስ ዝደሊ ሰብ ግን ክርስትያን ምዃን ማለት ገዛእ ርእሱ ንኣምላኽ ምውፋይ ከም ዘጠቓልል ይርድኦ ኢዩ። ኣካላትና ንኣገልግሎት ኣምላኽ ህያው መስዋእቲ ዀይኑ ዝቐረበ ኢዩ። (ሮሜ 12:1) ስለዚ: ብሱላት ክርስትያናት ንኣካላቶም ከም ድላዮም ገይሮም ክጐድእዎ ወይ ክጸያይቕዎ ዝኽእሉ ናይ ብሕቶም ንብረት ገይሮም ኣይርእይዎን ኢዮም። ብፍላይ እቶም ኣብ ጉባኤ መሪሕነት ንምውሳድ ብቑዓት ዝዀኑ ኣብ ልምድታቶም ሚዛናውያን: በእምሮ ጥቁዋት: ከምኡውን ምኽንያታውያን ክዀኑ ኣለዎም።—1 ጢሞቴዎስ 3:2, 3 NW
ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ናይ ምስትውዓል ክእለት ምምዕባልን ምጥቃምን ንክርስትያናት ካብ ቀይዲ ዘይብሉን ርእስኻ ናይ ምስቓይን ልምድታት ናይዛ ‘ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቓ’ ዘላ ዓለም ንኽርሕቁ ይሕግዞም። (ኤፌሶን 4:18) በዚ ኸምዚ ምኽንያታውነቶም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፍለጥ።—ፊልጲ 4:5 NW
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ መንጎ እቲ ብሰንኪ ሕክምና ወይ ስነ-ጽባቐ ዝግበር መጥባሕትን ብዙሓት መንእሰያት ብሕልፊ ኸኣ ጐራዙት ወልፊ ዀይንወን ዝገብርኦ ኣካላት ናይ ምጥባሕ ወይ ምቝራጽ ተግባራትን ንጹር ፍልልይ ኣሎ። እቲ ኻልኣይ ናይ ሰብ ሞያ ሓገዝ ዘድልዮ ምልክት ናይ ከቢድ ስምዒታዊ ጭንቀት ወይ ማህሰይቲ ኢዩ።