ምቝራጽ መሓውር ነቲ ሓደጋ ክትንክየሉ እትኽእል መገዲ
መብዛሕትኡ ጠንቂ ምቝራጽ መሓውር ክትከላኸሎ ዝከኣል ኢዩ! እዚ ኣብቶም ፒቪዲ እተባህለ ሕማም ሰራውር ደም ዘሳቕዮም ሰባት እውን ከይተረፈ ዝውዕል ኢዩ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ተገሊጹ ዘሎ ፒቪዲ መብዛሕትኡ ግዜ ብሕማም ሽኮርያ ኢዩ ዝለዓል።a እቲ ዘሐጕስ ግን ሕማም ሽኮርያ መብዛሕትኡ ግዜ ክትከላኸሎ ዝከኣል ኢዩ።
ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ከምዚ ይብል:- “ኢንሱሊን ብሓካይም ይተኣዘዝ ኣይተኣዘዝ ብዘየገድስ ኣመጋግባ ናይ ሕማም ሽኮርያ ቀንዲ ፈውሲ ኢዩ።” ኣብ ኒው ዮርክ ሲቲ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኪንግስ ካንቲ ዝሰርሕ ዶክተር ማርሰል ባዮል ንወኪል ንቕሑ! ሓሳቡ ክገልጽ ከሎ ከምዚ በለ:- “ሕማም ሽኮርያ ዝሓዞም ሰባት ንዅነታቶም ኣርዚኖም ዝርእዩ: ኣብ ኣመጋግብኦም ዝጥንቀቑ: ንሕክምናዊ መምርሒ ኸኣ ዝስዕቡ እንተድኣ ዀይኖም ታሕተዋይ ክፍሊ መሓውሮም ናይ ምቝራጽ ሓደጋ ክንክይዎ ይኽእሉ ኢዮም።” እቶም ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ዝሓዞም ሰባት ነዚ ምኽሪ እዚ ምስ ዝስዕቡ ድሕሪ ገለ ግዜ ኵነታቶም ተመሓይሹ ክርእዩ ይኽእሉ ኢዮም።b
ምውስዋስ ኣካላት ኣድላዪ ኢዩ
ምውስዋስ ኣካላት እውን ተደላዪ ኢዩ። ኣካላት መጠኑ ዝሓለወ ግሉኮስ ወይ ከኣ ሽኰር ከም ዝጥቀም ይገብሮ። እቲ ሕሙም ፒቪዲ ከም ዘለዎ እንተድኣ ተፈሊጡ ድማ ስፖርት ምግባር እቲ እተጐድአ ኣካላት ተደላዪ ዝዀነ ሓይልን ምትዕጽጻፍን ንኽዕቅብ: ከምኡውን ዋሕዚ ደም ንኽረክብ ይሕግዝ። ብዘይዚውን ምውስዋስ ኣካላት ነቲ ጸጸኒሑ ዘጋጥም ምሕንካስ—ሕማም ፒቪዲ ዘለዎም ሰባት ክኸዱ ወይ ከኣ ምውስዋስ ኣካላት ክገብሩ ኸለዉ ኣብ ፈርሲ ዳንግኦም ዝስምዖም ስምዒት—ከም ዝንኪ ይገብር። ይኹን እምበር: እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ነእጋሮም ክቘጺ ወይ ከቐንዙ ዝኽእል ምውስዋስ ኣካላት ክገብሩ የብሎምን። እቲ ዝያዳ ምስ እዚ ዝሰማማዕ ምውስዋስ ኣካላት ድማ ከም ብእግሪ ምንቅስቓስ: ብሽግለታ ምዝዋር: ምጅላብ: ምሕምባስ: ከምኡውን ናይ ማይ ኣይሮቢክስ ዘጠቓልል ኢዩ። ሓደ ሰብ ፍሉይ መግቢ ቅድሚ ምውሳዱ ወይ ከኣ ፍሉይ ናይ ምውስዋስ ኣካላት ፕሮግራም ቅድሚ ምጅማሩ ንሓኪም ከማኽር ኣለዎ።
ርግጽ ኢዩ: ጥዕና ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ፈጺሙ ሽጋራ ከትክኽ የብሉን። ፒቪዲ ሓደ ካብቲ ብጠንቂ ሽጋራ ዝመጽእ ወይ ዝጋደድ ብዙሕ ናይ ጥዕና ጸገማት ኢዩ። ዶክተር ባዮል ከምዚ በለ:- “ብፍላይ እቲ ውልቀ-ሰብ ሕማም ሽኮርያ ከምኡውን ፒቪዲ እንተድኣ ኣልይዎ: ሽጋራ ምትካኽ ነቲ ብሕክምና ዝግበር ምቝራጽ ኣካላት ዓቢ ረቛሒ ኢዩ ዝዀኖ።” እዚ ረቛሒ እዚ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ዓቢ፧ መሓውሮም ንእተቖርጹ ናይ ተሃድሶ መምርሒ ዝህብ ሰብ ከምዚ ይብል:- “ኣብቶም ሽጋራ ዘትክኹ ዝግበር ምቝራጽ መሓውር ካብቶም ዘየትክኹ ብ10 ዕጽፊ ዝለዓለ ኢዩ።”
ንዝሓመመ መሓውር ምክንኻን
ፒቪዲ ነቲ ናብ ታሕተዋይ ክፍሊ መሓውር ዝውሕዝ ደም ከም ዝንኪ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ: እዚ ድማ ምድካም ወይ ምድንዛዝ መትንታት ዘስዕብ ንዮሮፓቲ ዝበሃል ኵነታት ከምጽእ ይኽእል። እቲ ሰብ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ኸሎ እውን ከይተረፈ መሓውሩ ንሓደጋ እተቓልዐ ይኸውን። ንኣብነት ቃንዛ ዝበሃል ስለ ዘይስምዖ እቲ ብኤለክትሪክ ዘምውቕ ኮቦርታ ወይ ጕዝጓዝ ካብ መጠን ንላዕሊ እንተ ውዕዩ እውን ከይተረፈ ከቢድ ናይ ምንዳድ ሓደጋ ከጋጥሞ ይኽእል ኢዩ! በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዮም ኣፍረይቲ ትካላት ነቶም ሕማም ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት ነዚ መሳርሒታት እዚ ክጥቀሙ ከለዉ ጥንቃቐ ከዘውትሩ ዝላበውዎም።
ዝሓመመ መሓውር እውን ንረኽሲ ዝያዳ እተቓልዐ ኢዩ። ንእሽቶ ምልሕጻጽ ኣብ ምቝሳል ከብጽሕ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ጋንግሪን ዝበሃል ምምሽማሽ መሓውር ከስዕብ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኣእጋር ምክንኻን ናይ ሞትን ሕየትን ጕዳይ ኢዩ: እዚ ድማ ምቹእን ዘይጸቢብን ጫማ ምግባር ከምኡውን ኣእጋርካ ጽሩይን ንቑጽን ገይርካ ምሓዙ ዘጠቓልል ኢዩ። ብዙሓት ሆስፒታላት ንሕሙማት ኣእጋሮም ክከናኸኑ ዝምህራ ናይ እግሪ ክልኒካት ኣለወን።
ፒቪዲ መጥባሕቲ ኣብ ዘድልየሉ ደረጃ እንተድኣ በጺሑ: ሓካይም መብዛሕትኡ ግዜ መሓውር ካብ ምቝራጽ ክቝጠቡ ኢዮም ዝጽዕሩ። ሓደ ካብቲ ኣማራጺ ባሉን ኣንጂዮፕላስቲ ዝበሃል ኣገባብ ሕክምና ኢዩ። እቲ ናይ ሰራውር ደም መጥባሕቲ ዝገብር ሓኪም ኣብ ጫፉ ባላንቺና ዘለዎ ካተተር ዝበሃል መሳርሒ የእቱ። እቲ ባላንቺና ይንፋሕ እሞ ነቲ ተጨቢጡ ዝነበረ ካብ ልቢ ናብ ኣካላት ጽሩይ ደም ዘመሓላልፍ ሰራውር ደም ይዝርግሖ። ካልእ ኣማራጺ ኸኣ ባይፓስ ሰርጀሪ ዝበሃል ዓይነት መጥባሕቲ ኢዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣጸቢቑ ዝሓመመ ሰራውር ደም ኣልጊስካ ካብ ካልእ ክፍሊ ኣካላት ብእተወስደ ሰራውር ምትካእ ኢዩ።
ሕጂ ጓል 54 ዓመት ዝዀነት ባርባራ: ጓል ኣርባዕተ ዓመት ከላ ዓይነት 1 ሕማም ሽኮርያ ሓዛ። ነቲ በዅሪ ውሉዳ ምስ ወለደት ኣብ እግራ ፒቪዲ ሓዛ። ገለ ሓካይም ክትቍረጾ ዝሓሸ ምዃኑ ሓበርዋ። ይኹን እምበር: ባርባራ ዝነኣድ ናይ ሰራውር ደም መጥባሕቲ ዝገብር ሓኪም ረኸበት እሞ ዑደት ደም ኣብ ኣእጋራ ንኽመሓየሽ ኢሉ ናይ ኣንጂዮፕላስቲ ኣገባብ ተጠቕመ። ኣንጂዮፕላስቲ ንግዜኡ እኳ እንተ ጠቐመ: ኣብ መወዳእታ ግን ባርባራ እቲ ባይፓስ ዝበሃል ኣገባብ ኣድለያ እዚ ድማ ዕዉት ኰይኑ ተረኽበ። ሕጂ ባርባራ ነእጋራ ብዙሕ ጥንቃቐ ኢያ እትገብረሉ።
ናይ ምቝሳል ሓደጋ ኣወግድ
ናብ ምቝራጽ ዘብጽሕ ካልኣይ ጠንቂ ኸኣ ናይ ምቝሳል ሓደጋ ኢዩ። ናይ ምቝሳል ሓደጋ ኣብ ኵሉ ኣካላት ክወርድ ዝኽእል ብምዃኑ ንዝዀነ ይኹን ክፍሊ ኣካላት ከዕኑ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ብዛዕባ ህይወት ኣምላኻዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ሓደ ሰብ ናይ ምቝሳል ሓደጋ ንኸየጋጥሞ ብዙሕ ክከላኸለሉ ይኽእል ኢዩ። ክርስትያናት ክሰርሑ: ማኪና ክዝውሩ: ወይ ከኣ ክዘናግዑ ኸለዉ ንኣካላቶም ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ህያብ ገይሮም ብምምልካት ክጥንቀቕሉ ኣለዎም። በዚ ኸምዚ እምበኣር ንዅሉ እቲ ጥንቃቐ ክገብሩ ዝሓቶም ነገራት ከማልእዎ ከምኡውን ብዕሽነት ተላዒሎም ኣብ ሓደጋ ዘብጽሕ ነገራት ንኸይገብሩ ክጥንቀቑ ይደልዩ ኢዮም።—ሮሜ 12:1፣ 2 ቈረንቶስ 7:1
ኣብቲ ነተጕቲ እተቐብረሉ ሃገራት ናይ ምቝሳል ሓደጋ ከየጋጥም እንታይ ኢዩ ዝግበር ዘሎ፧ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብሓገዝ መንግስቲ እተገብረ ብዛዕባ ነተጕቲ ትምህርቲ ዝህብ መደባት ኣሎ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰክረተሪ ጀነራል ብዝበሎ መሰረት: እዚ መደባት እዚ ነቶም “ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ህዝቢ ኣብቲ ነተጕቲ እተተኽለሉ ቦታታት እናነበሩን እናሰርሑን ግዳያት ንምዃን ዘለዎም ኣጋጣሚ ብኸመይ ክንክይዎ ከም ዝኽእሉ” ይምህር።
እቲ ዘሕዝን ግን ናይ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ከም ዝብሎ “ሰባት ንህላወ ነተጕቲ ስለ ዝለመድዎ ዘይግዱሳት ይዀኑ ኣለዉ። . . . ሓድሓደ ግዜ ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባ [ንሰባት] ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋታት ጽሕፍቶኣዊ ኣመለኻኽታ ከሕድሩ የተባብዕ።” ይኹን እምበር ጽሕፍቶኣዊ ኣመለኻኽታ ብቓል ኣምላኽ እተደገፈ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ መጽሓፍ ቅዱስ ጥንቃቐን ድሕንነትን ክህሉ ኢዩ ዘተባብዕ።—ዘዳግም 22:8፣ መክብብ 10:9
ስለዚ እምበኣር ጥንቃቐ ብምዝውታርን ጥዕናኻ ንምክልኻል ምኽንያታዊ ዝዀነ ስጕምትታት ብምውሳድን መሓውርካ ናይ ምቝራጽ ሓደጋ ክትከላኸሎ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር እቶም ድሮ መሓውሮም እተቘርጹ ሰባትከ፧ ሕጉስ ናብራ ከሕልፉ ይኽእሉ ድዮም፧
[እግረ-ጽሑፍ]
a ሓደ ሰብ ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ኣካላቱ ጸቢብ ክዳውንቲ ወይ ዘይምቹእ ጫማ ዝገብር እንተድኣ ዀይኑ ወይ ንነዊሕ እዋን ኮፍ (ብፍላይ ኣእጋሩ ኣመሳቒሉ) ወይ ደው ምስ ዝብል እቲ ኣብ ጫፍ መሓውር ዘሎ ሰራውር ደም ዘለዎ ጸገማት ክጋደድ ይኽእል ኢዩ።
b ዓይነት 1 ሕማም ሽኮርያ ዝሓዞም ሰባት መዓልታዊ ኢንሱሊን ክወስዱ ይእዘዘሎም ኢዩ። እቶም ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ዝሓዞም ሰባት (ኢንሱሊን ዘይወስዱ) ግን ዝበዝሕ ግዜ ብመግብን ምውስዋስ ኣካላትን ክቈጻጸርዎ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብቶም ሽኮርያ ዝሓዞም ሰባት 95 ሚእታዊት ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ዝሓዞም ሰባት ኢዮም።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ሽጋራ ምትካኽ ብፍላይ ኣብቶም ሕማም መትንታት ደም ዘለዎም ሰባት መሓውር ናይ ምቝራጽ ሓደጋ ከም ዝውስኽ ዝገብር ዓቢ ረቛሒ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ዝሰማማዕ ምውስዋስ ኣካላትን ግቡእ መግብን ጥዑይ ስርዓተ-መትንታት ደም ከም ዝህሉ ዝገብር ኢዩ