ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g00 8/4 ገጽ 5-9
  • ምትዕራቕ ዝሓሸ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምትዕራቕ ዝሓሸ ድዩ፧
  • ንቕሑ!—2000
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክምለስ ዘለዎ ሕቶታት
  • ኣድላዪ ዝዀነ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ
  • ይቕረ ንምባል ምጽዓር
  • መሊስካ ተኣማንነት ከተሕድር ተማሃር
  • ግዜ ዝወስድ ኢዩ
  • ኣብ እዋን እርጋን ፍትሕ ምእንቲ ኸየጋጥም እንታይ ኪግበር ይከኣል፧
    ንስድራ ቤት
  • እቲ ምርጫ ምፍታሕ ምስ ዝኸውን
    ንቕሑ!—2000
  • ‘መውስቦ ኽቡር ይኹን’
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ምሕዝነት ደረቱ ኺሓልፍ ከሎ
    ንቕሑ!—2013
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2000
g00 8/4 ገጽ 5-9

ምትዕራቕ ዝሓሸ ድዩ፧

እታ “ካፕልስ ኢን ክራይሲስ” እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከም እተመልክቶ “ተሃዊኽካ ናይ ፍትሕ መስርሕ ክትጅምር ኣዝዩ ቀሊል ኢዩ: እንተ​ዀነ ግን እቲ ሽግር ንምእላይ እንተ ተጻዒሩ ዕዉት ክኸውን ዝኽእል ብዙሕ ሓዳር ክህሉ ይኽእል ኢዩ።”

እዚ ኣረኣእያ እዚ ምስቲ የሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝማሃሮ ዝሰማማዕ ኢዩ። የሱስ ኣብ ሓዳር ዘይተኣማንነት ምስ ዝፍጠር እቲ ንጹህ ወገን ክፈትሕ ይኽእል ኢዩ እኳ እንተበለ: ምፍታሕ ግድን ኢዩ ግን ኣይበለን። (ማቴዎስ 19:⁠3-9) እቲ እሙን ዝዀነ ሰብ ነቲ ሓዳር ንምዕራይ ክጽዕር ምኽንያታት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። እቲ በዳሊ ንበዓልቲ ቤቱ ገና የፍቅራ ይኸውን።a ንስድራ​ቤቱ ዘድሊ ነገራት ንምቕራብ ኣበርቲዑ ዝጽዕር ሓላዪ በዓል ቤትን ውፉይ ኣቦን ክኸውን ይኽእል። እታ እምንቲ በዓልቲ ቤት ንዕኣን ንደቃን ዘድልዮም ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ምፍታሕ ምትዕራቕ ከም ዝሕሻ ትውስን ትኸውን። ከምኡ ምስ ዝኸውን እንታይ ረቛሒታት ኢዩ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝኽእል: ነቲ ሓዳር እንደገና ኣብ ምህናጽ ንዘጋጥም ብድሆኸ ብኸመይ ኢዩ ብዓወት ክዕየየሉ ዝኽእል፧

ቅድሚ ዅሉ: ምፍታሕ ይኹን ምትዕራቕ ቀሊል ከም ዘይኰነ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ነቲ ዘማዊ በዓል ቤት ይቕረ ስለ እተባህለሉ ጥራይ ኣብቲ ሓዳር ዘጋጠመ ቀንዲ ሽግር ይፍታሕ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ሓዳር ምእንቲ ክቕጽል መብዛሕትኡ ግዜ ዕሙቕ ዝበለ ርእሰ⁠-​ምርመራ: ግልጺ ዝዀነ ምዝርራብ: ከምኡውን ብርቱዕ ጻዕሪ ኢዩ ዝሓትት። ንፋስ ዝኣተዎ ሓዳር ንምዕራይ ብዙሕ ግዜን ብርቱዕ ጻዕርን ከም ዝሓትት ብዙሓት ሰብ ሓዳር ይዝንግዕዎ ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን: ብዙሓት ሰብ ሓዳር ተጸሚሞም: ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ርጉእ ሓዳር ኣጥሪዮም ኢዮም።

ክምለስ ዘለዎ ሕቶታት

እቲ ዝግበር ውሳነ ኣብ ምርዳእ እተመርኰሰ ምእንቲ ክኸውን: እታ እምንቲ ብጸይቲ ስምዒታን እቲ ዘለዋ ምርጫታትን ኣነጺራ ክትፈልጥ ኣለዋ። ነዚ ዝስዕብ ሓሳባት ኣብ ግምት ከተእትዎ ትኽእል ኢያ:- ናብ ሓዳሩ ክምለስ ይደሊ ድዩ፧ ነቲ ናይ ዝሙት ተግባሩ ፈጺሙ ገዲፍዎ ድዩ: ወይስ ንምግዳፍ ዕጥይጥይ ይብል ኣሎ፧ እቲ ዝገበሮ ከም ዘጕሃዮ ተዛሪቡዶ፧ በቲ ዝገበሮ ናይ ሓቂ ነስሓን ጣዕሳንዶ የርኢ ኢዩ: ወይስ በቲ ዝገበሮ ሕማቕ ተግባር ንዓይ ከም ምኽንያት ገይሩ ክወቅስ ኢዩ ዝደሊ፧ ብምኽንያት እቲ ዘውረዶ ጕድኣት ብቕንዕና ይጥዓስዶ ኢዩ: ወይስ እቲ ዘይሕጋዊ ርክቡ ስለ እተቐልዐን እተቛረጸን ይሓርቕ ኢዩ፧

ንመጻኢኸ፧ ነቲ ናብ ዝሙት ዝመርሖ ኣረኣእያን ተግባራትን ከተዓራሪ ጀሚሩዶ ኢዩ፧ ነቲ ጌጋ ከይደግሞ ጽኑዕ ውሳነ ገይሩዶ ኢዩ፧ ወይስ ገና ምስ ኣንጻር ጾታ ዘየድሊ ምቅርራብን ዘይግቡእ ስምዒታዊ ምትእስሳርን ኣለዎ ኢዩ፧ (ማቴዎስ 5:⁠27, 28) ነቲ ሓዳር ከዐርዮ ብሓቂ ይደሊ ድዩ፧ ዝደሊ እንተ​ድኣ ኰይኑ እንታይ ይገብር ኣሎ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣወንታዊ መልሲ ምሃብ እቲ ሓዳር ክዕረ ይኽእል ኢዩ ኢልካ ንምእማን ኣወንታዊ መሰረት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ኣድላዪ ዝዀነ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ

ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ: ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን” ይብል። (ምሳሌ 15:22) እዚ ኣብቲ ሓንቲ ንጽህቲ በዓልቲ ቤት ብዛዕባ እቲ ጥልመት ምስ በዓል ቤታ ክትዘራረብ ክትደሊ ከላ እውን ዝውዕል ኢዩ። ኣብቲ ውሽጣዊ ዝርዝር ከይኣተዉ ናይ ሓቂ እንታይ ከም እተፈጸመ ንምግላጽን ጌጋ ምርዳእ እንተ ነይሩ ንምዕራይን ብቕንዕና ኣዕሚቘም ክዘራረቡ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ኸኣ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ብሰንኪ ዘይምርድዳእን ነዊሕ ዝጸንሕ ቂምን ንኸይረሓሓቑ ይከላኸለሎም ይኸውን። ንኽልቲኦም ከምዚ ዝኣመሰለ ምዝርራባት ዘሳቒ ከም ዝዀኖም ርዱእ ኢዩ። ብዙሓት ግን እንደገና ምትእምማን ንምሕዳር ዝሕግዝ ኣገዳሲ ነገር ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም።

እቲ ምትዕራቕ ኣሳልጦ ዘለዎ ንኽኸውን ዝሕግዝ ካልእ ኣድላዪ ስጕምቲ ኣብቲ ሓዳር ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይትን ክዓይሉ ዝግብኦም ምኽንያት ጸገም ዝዀኑ መዳያት ምልላይ ኢዩ። ዜልዳ ዌስትሚድስ ከምዚ ብምባል ትመክር:- “ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ሕማቕ ኵነታት ድሕሪ ምዝርራብ: እቲ ዝሙት ከም እተገድፈ ምስ ኣረጋገጽካ: እቲ ሓዳር ምእንቲ ክቕጽል ነቲ እተበላሸወ ነገር ዕየዩሉ እሞ ሓዳርኩም ኣሐድሱ።”

ምናልባት ክልቴኹም ኣብ ንሓድሕድኩም ሸለልትነት ተርእዩ ነይርኩም ትዀኑ። መንፈሳዊ ንጥፈታት ሸለል ተባሂሉ ነይሩ ክኸውን ይኽእል። ወይ ከኣ ብሓንሳብ ተሕልፍዎ ግዜ ዘይእኹል ነይሩ ይኸውን። ንበዓል ቤትኪ ክንዲ እቲ ዝደልዮ ፍቕሪ: ምፍታው: ናእዳ: ከምኡውን ክብሪ ኣይትህብዮን ነይርኪ ትዀኒ። ሸቶታትኩምን ኣብ ህይወት ዘለኩም ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታትን ብሓንሳብ ኴንኩም እንደገና ተዘራረብሉ: ንኽትቀራረቡን ኣብ መጻኢ ጥልመት ንኸይፍጠርን ክሕግዘኩም ኢዩ።

ይቕረ ንምባል ምጽዓር

ሓንቲ እተጐድአት ሰበይቲ ዝጸዓረት እንተ ጸዓረት ይትረፍዶ ነታ ምስ ሰብኣያ ዝዘመወት ሰበይትስ ንሰብኣያ እውን ይቕረ ንኽትብለሉ ይኸብዳ ይኸውን። (ኤፌሶን 4:⁠32) ይኹን እምበር: ቂምን ምረትን ንኽትሓድግ ብቐጻሊ ክትዓዪ ትኽእል ኢያ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝመኽሮ “እቲ ንጹህ ዝዀነ ብጻይ ነቲ ዝሓለፈ ረሲዕካ ከም ብሓድሽ ንቕድሚት ክትቅጽል ከም ዝግባእ ኣፍልጦ ክህብ ይግባእ። ኣብ መንጎኹም ክርክር ኣብ እተላዕለሉ ግዜ እቲ ብጻይኪ ዝገበሮ ናይ ቀደም በደል ደጋጊምኪ እናልዓልኪ ምቕጻዕ ኣድላዪ ኣይኰነን።”

ብዙሓት ሰብ ሓዳር ናይ ብርቱዕ ቂም ስምዒታት ክንክዩን ከልግሱን ስለ ዝጸዓሩ ኣብ መወዳእትኡ ነቲ በዳሊ ብጽልኢ ምርኣይ ክገድፉ ክኢሎም ኢዮም። ከምዚ ምግባር ሓዳር ንምህናጽ ዘድሊ ቀንዲ ስጕምቲ ኢዩ።

መሊስካ ተኣማንነት ከተሕድር ተማሃር

ሓንቲ እተሳቐየት ሰበይቲ “እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ብጻይና ዝነበረና ተኣማንነት ክንመልሶ ንኽእልዶ ንኸውን፧” ብምባል ኣምሪራ ትሓትት። ከምኡ ኢላ ምሕሳባ ተቐባልነት ዘለዎ ኢዩ: ምኽንያቱ እቲ ዘማዊ በዓል ቤታ ኣብ ልዕሊኣ ዝፈጸሞ ምትላል ነቲ ኣብኡ ዝነበራ ተኣማንነት ከም እተጥፍእ ገይርዋ ኢዩ። ተኣማንነት ምሕዳር ልክዕ ከም ክቡር ባዞ መቐመጥ ዕምባባ ንኽስበር ቀሊል ንኽዕረ ግን ኣሸጋሪ ኢዩ። እቲ ርክብ ንኽቕጽል ጥራይ ዘይኰነስ ንኽዕረ ብወገን ክልቲኦም ምትእምማንን ምክብባርን ክህሉ ኣለዎ።

እዚ ብዙሕ ግዜ እንደገና ተኣማንነት ንምሕዳር ክትምሃር ዝሓትት ኢዩ። እቲ በዳሊ ኣብ ክንዲ ብቕልጡፍ ተኣማንነት ክግበረሉ ዝሓትት: እንደገና ተኣማንነት ክግበረሉ ከም ዝኽእል ንምርኣይ ኵሉ ንጥፈታቱ ግሁድን ቅኑዕን ከም ዝኸውን ብምግባር ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። ክርስትያናት ‘ንሓሶት ንየው ብምባል ነፍሲ ወከፎም ምስ ብጻዮም ሓቂ ክዛረቡ’ ኢዮም ዝተባብዑ። (ኤፌሶን 4:⁠25) እንደገና ተኣማንነት ክግበረልካ ከም ዝኽእል ንምርግጋጽ ኣብቲ መጀመርታ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ክትገልጽ ከላ ዜልዳ ዌስትሚድስ ከምዚ ትብል:- “[በዓልቲ ቤትካ] ናይ ኵሉ እቲ እትገብሮ ምንቅስቓሳት ዝርዝር ከም ትፈልጥ ግበር። ኣበይ ከም ትኸይድን መዓስ ከም እትምለስን ንገራ: ኣብቲ ክኸዶ ኢየ ዝበልካዮ ኸኣ ክትከ​ይድ ኣሎካ።” ናይ መደብ ለውጢ እንተ ኣጋጢሙ ሓብራ።

ዋጋ ዘሎካ ኰይኑ ከም ዝስማዓካ ዝገብር ምርዳእ እንደገና ንኽምለስ ግዜ ዝወስድን ጻዕሪ ዘድልዮን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ በደለኛ ንበዓልቲ ቤቱ ከም ዘማስዋን ከም ዘፍቅራን ኵሉ ግዜ ብምግላጽን ብምንኣድን ክሕግዝ ይኽእል። ሓንቲ ብዛዕባ ሓዳር ምኽሪ እትህብ ኣደ ‘ብተግባራ ይንኣዳ’ ኢላ ትመክር። (ምሳሌ 31:⁠31) እታ በዓልቲ ቤት ድማ ናብቲ ኣብ ህይወታ ኣሳልጦ ዝረኸበትሉ ነገራት ብምትኳር ርእሰ⁠-​ተኣማንነት ከም ዝህልዋ ክትገብር ትኽእል ኢያ።

ግዜ ዝወስድ ኢዩ

እቲ ኣብ ሓዳር ብዘጋጥም ጥልመት ዝወርድ ጓሂ ብርቱዕ ብምዃኑ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት እውን ገለ ካብቲ ተዘክሮታት ከም ሓድሽን ዘጕህን ኰይኑ እንተ ተቐልቀለ ኣየገርምን ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ዝወረደ ጕድኣት ቀስ እናበለ ክሓዊ ከሎ እቲ ብወገን ክልቲኦም ዝርአ ትሕትና: ትዕግስቲ: ከምኡውን ምጽማም እቲ ዝነበሮም ምትእምማንን ምክብባርን ከም ዝህነጽ ንምግባር ይሕግዝ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 5:⁠3, 4፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠8, 9

እታ ቱ ላቭ: ኦነር ኤንድ ቢትረይ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ተረጋግጽ:- “እቲ ኣብተን ናይ መጀመርታ ሒደት ኣዋርሕ ዘሎ ብርቱዕ ስቅያት ቀጻሊ ኣይኰነን። ኣብ መወዳእትኡ ይሃስስ ኢዩ። . . . ኣብ መወዳእትኡ ንመዓልትታት: ሰሙናት: ኣዋርሕ: አረ ዓመታት እውን ከይተረፈ ከይዘከርካዮ ክትከይድ ከም ትኽእል ክትርኢ ኢኻ።” ኣብ ሓዳርካ ብቐጻሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ ተግባር ከተውዕል ከለኻ ከምኡውን በረኸት ኣምላኽን መምርሒኡን ክትደሊ ከለኻ: ብዘይ​ጥርጥር እቲ “ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ኣብ ህይወትካ ዘፍርዮ ህድኣት ክትርእዮ ኢኻ።​—⁠ፊልጲ 4:⁠4-7, 9

ፔድሮ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ንድሕሪት ምልስ ኢለ ክሓስብ ከለኹ እቲ ዘጋጠመ ተመክሮ ንህይወትና ለዊጥዎ ኢዩ። ክሳዕ ሎሚ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ሓዳርና ምትዕርራያት ክንገብር የድልየና ኢዩ። እቲ ናይ ከቢድ ፈተነ እዋን ግን ሓሊፍናዮ ኢና። ሓዳርና ገና ኣሎ። ሕጕሳት ከኣ ኢና።”

እታ ንጽህቲ ነቲ ዘይእሙን በዓል ቤታ ይቕረ ንኽትብለሉ ምኽንያት ምስ ዘይህሉዋኸ እንታይ ይገበር፧ ወይ ድማ ንበዓል ቤታ ይቕረ ኢላትሉ (ቂም ብዘይ​ምሓዝ ማለት ኢዩ) ከተብቅዕ: ቕቡል ብዝዀነ ምኽንያት ነቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ናይ ፍትሕ ኣጋጣሚ ክትጥቀመሉ ምስ እትደሊኸ፧b ፍትሕ ካብ ሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ ዝሓቶ ነገራት እንታይ ኢዩ፧ ኣብ ምፍታሕ ዘጋጥም ኵነታት ከምኡውን ገለ ሰባት ብኸመይ ከም እተዋጽእሉ ክትምርምር ንዕድመካ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a  ቀሊል ኣቀራርባ ምእንቲ ክህልዎ: እታ እምንቲ ብጸይቲ በዓልቲ ቤት ከም ዝዀነት ገይርና ክንዛረብ ኢና። ይኹን እምበር: እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ስርዓታት ኣብቲ በዓልቲ ቤቱ ዘይእምንቲ ዝዀነት ንጹህ በዓል ቤት እውን ዝውዕል ኢዩ።

b  በጃኻ ነታ “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ:- ዝሙት​—⁠ይቕረ ምባልዶ ዘይምባል፧” ዘርእስታ ኣብ ናይ 8 ነሓሰ 1995 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዘላ ዓንቀጽ ተመልከት።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ክዘራረቡ ኸለዉ ጽን ምስ ዝብሉ ሓዳሮም ንምዕራይ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ

ትርጕም ዘለዎ ደገፍ

ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግብኦ ብዙሕ ረቛሒታት ብምህላዉ ደገፍ ናይ ሓደ ተመክሮ ዘለዎን ሚዛናዊ ዝዀነን ኣማኻሪ ምድላይ ጠቓሚ ኢዩ። ንኣብነት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕያዎትን ደንገጽትን ሽማግለታት ጉባኤ ኣለዉዎም።—ያእቆብ 5:13-15

ኣማኸርቲ: ፈተውቲ: ከምኡውን ኣዝማድ ካብ ብሕታዊ ምርጭኦም ተላዒሎም ጽልዋ ክገብሩ ከይፍትኑ: ወይ ከኣ ነቲ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ሓደ ሰብ ንምፍታሕ ዘለዎ መሰል ይኹን ወይ ንምትዕራቕ ዘለዎ ኣጋጣሚ ብምድጋፍ ኰነ ብምዅናን ከይዛረቡ ኢዮም ዝተባብዑ። ሓንቲ እተፋትሐት ሰበይቲ “ደግፉና: ዝደለናዮ ውሳነ ክንገብር ከኣ ግደፉና” ብምባል ትምሕጸን።

እቲ ምኽሪ ምሉእ ብምሉእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ክኸውን ኣለዎ። ሓንቲ እተፋትሐት ሰበይቲ “ከምዚ ክስምዓኩም ነይርዎ ከምዚ ክስምዓኩም ኣይነበሮን ኣይትበልዎም። ኣብ ክንድኡስ ስምዒቶም ከይተሰከፉ ክገልጹ ግደፍዎም” ዝብል ሓሳባት ትህብ። ድንጋጽ: ሕውነታዊ ፍቕሪ: ከምኡውን ለውሃት ነቲ ኣብ ሓዳር ብዘጋጥም ጥልመት ዝመጽእ ዓሚቝ ጕድኣት ንምሕዋይ ዝሕግዝ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 3:8) ሓደ ተመክሮ ዘለዎ መኻሪ ከምዚ ብምባል የመልክት:- “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ: መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ።”—ምሳሌ 12:18

ሓደ እሙን በዓል ቤት ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ዝርድኣኒ ሰብ: ዘጸናንዕ ቃል: ከምኡውን ምትብባዕ ኢየ ዝደሊ ነይረ። በዓልቲ ቤተይ ድማ ነቲ ትገብሮ ዝነበረት ጻዕሪ ንኽትቅጽል ዝሕግዛ ጭቡጥ ዝዀነ ንጹር መምርሕን ናእዳን ክትረክብ ኢያ ትብህግ ነይራ።”

ሓደ ሰብ ተጠንቂቑን ብጸሎትን ኵነታቱ ድሕሪ ምምርማር ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ክፋታሕ ወይ ክፈላለ እንተ ወሲኑ: ናይ ገበን ስምዒት ከም ዝሓድሮ ዝገብር ምኽሪ ክወሃብ ኣይግባእን። ኣብ ክንድኡስ እቲ ሰብ መሰረት ዘይብሉ ናይ ገበን ስምዒት ከየሕድር ክሕገዝ ይግባእ።

ሓደ ግዳይ ክገልጽ ከሎ “ብሓቂ ትርጕም ዘለዎ ምጽንናዕ ክትህብ ምስ እትደሊ: እቲ ኣብቲ ጕዳይ እቱው ኰይኑ ዘሎ ሰብኣዊ ስምዒታት ፈጺምካ ኣይትረስዕ” ይብል።

ገሊኦም ብሓንሳብ ምንባር ዝመርጹሉ ምኽንያት

ኣብ ብዙሕ ማሕበረሰባት ምስቲ ዘማዊ በዓል ቤተን ምንባር እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ኣማራጺታት ዘይብለን ኣንስቲ ኣለዋ። ንኣብነት: ኣብቲ ህውከት ዝመልኦ ወይ ትሑት ኣታዊ ዘለዎ ከባቢታት ዝነብራ ገለ ክርስትያን ኣንስቲ: ምስቲ ኣማኒ እኳ እንተዘይኰነ ብኻልእ መዳያት ንስድራቤቱ ዝኣሊ ኣብ ሓዳሩ ግን ዘይእሙን በዓል ቤተን ምንባር ቀጺለን ኢየን። ከምዚ ብምግባረን ድማ ዝነብራሉ ቤት: ዘድሊ ዕቝባ: ፍሉጥ ኣታዊ: ከምኡውን ሰብኣየን ዘይእሙን እኳ እንተዀነ ኣብቲ ገዛ ብምህላዉ ዝርከብ ተዛማዲ ርግኣት ክህልወን ይኽእል። ምስቲ ዘማዊ በዓል ቤተን ምንባር ዘይብህግኦ ወይ ከኣ ዝኸብደን እኳ እንተዀነ: ብሕታዊ ኵነታተን ኣብ ግምት ብምእታው ዘይምፍትሐን ካብቲ ንበይነን ክነብራ ክፍትና ከለዋ ዘሕልፍኦ ቃልሲ ኣብ ህይወተን ዝያዳ ርግኣት ክህበን ከም ዝኽእል ኢየን ዝገልጻ።

ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ሓድሓደ ግዜ ንነዊሕ ዓመታት ድሕሪ ምቅላሰን: ገለ ካብዘን ኣንስቲ እዚኣተን ኣብ መወዳእትኡ ሰብኡተን መገዶም ኣዐሪዮም እሙናትን ፈቃራትን ክርስትያን ሰብኡት ክዀኑ ከለዉ ብምርኣየን ዘሐጕስ በረኸት ረኺበን ኢየን።—ምስ 1 ቈረንቶስ 7:12-16 ኣረኣእዮ።

ስለዚ እተን ምስ ናይ መርዓ ብጻየን—ዘይጠዓስ እውን እንተዀነ—ምንባር ክቕጽላ ዝደልያ ኣንስቲ ክውቀሳ ኣይግብአንን ኢዩ። ከቢድ ውሳነ ኢየን ገይረን: ስለዚ እቲ ዘድልየን ኵሉ ሓገዝን ደገፍን ክወሃበን ኣለዎ።

ብሓላፍነት ዝሕተት መን ኢዩ፧

ሓቂ ኢዩ ኣብ ሓድሓደ ጕዳያት እቲ ንጹህ ብጻይ ዘርእዮ ዘይፍጽምና ኣብቲ ሓዳር ውጥረት ንኽህሉ ኣበርክቶ ገይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ድሓር: ትምኒት ምስ ጠነሰት: ንሓጢኣት ትወልዶ” ይብል። (ያእቆብ 1:14, 15 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ዋላ እኳ ዝሙት ንምፍጻም ኣበርክቶ ዝገብሩ እተፈላለዩ ረቛሒታት ክህልዉ ዝኽእሉ እንተዀኑ: ንሓደ ሰብ ዝሙት ንኽፍጽም ቀንዲ ዝደፋፍኦ “ትምኒቱ” ኢዩ። እቲ ናይ መርዓ ብጻይ ዘርእዮ ጕድለት ኣብቲ ሓዳር ጸገማት ዝፈጥር እንተዀነውን ዝሙት ብምፍጻም ኣይኰነን ዝፍታሕ።—እብራውያን 13:4

ኣብ ክንድኡስ ናይ ሓዳር ጸገማት ክፍታሕ ዝኽእል ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ስርዓታት ኣብ ተግባር ንምውዓል ምስ ዝጽዕሩ ኢዩ። እዚ ድማ ‘ንሓድሕድካ ምጽውዋርን ይቕረ ምብህሃልን’ የጣምር። ብቐጻሊ ኸኣ ነቲ ከም “ምሕረት ልቢ: ለውሃት: ትሕትና: ዓቕሊ: ትዕግስቲ” ዝኣመሰለ ባህርያት ከንጸባርቑ ኣለዎም። ልዕሊ ዅሉ ድማ ‘ፍቕሪ ማእሰር ፍጻሜ ብምዃና ክለብስዋ’ ይግብኦም።—ቈሎሴ 3:12-15

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ