“ነቲ ዘሎካ ውዕዉዕ ስምዒት ዘጐሃህር ኢዩ ”
ኣብ ኦክላንድ: ካሊፎርንያ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትነብር ጓል 16 ዓመት ጀኒፈር በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቓላት ገይራ ንመጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኣድነቐቶ። ወሲኻ እውን “ትሕዝቶ እዚ መጽሔታት እዚ ነቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ውዕዉዕ ስምዒት ብዘይ ምቍራጽ ኢዩ ዘጐሃህሮ” ኢላ ጸሓፈት። ቀጺላ ኸኣ “እዚ መጽሔታት እዚ ዝዳለወሉ ዕላማ ነቶም ዓይኖም ተዓሚቱ ዘሎ ሰባት ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳያት እቲ ሓቂ ከም ዝፈልጡ ምግባር ምዃኑ ካብቲ ኣገባብ ኣጸሓሕፍኡ ክትርድኦ ትኽእል ኢኻ” ብምባል ገለጸት።
ጀኒፈር ብዛዕባ “ኵሉ እቲ ርትዓውነት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርግጋጽ እተዋህበ ሓበሬታ” ዘለዋ ምስጋና ንምግላጽ እውን ጽሒፋ ኢያ። ብምቕጻል ድማ ከምዚ በለት:- “ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ዘዘራረብክዎ ሰብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እምንቶ የብሉን። እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ክምርመር ዘለዎ ምዃኑ ዘረጋግጽ ሓበሬታ እዚ ኣብ ጽሑፍ ተሓቲሙ ይወጽእ ምህላዉ: ኣብዚ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ካልእ ቦታታት እውን ክዝርጋሕ ኣድላዪ ምዃኑ ክግንዘብ ኣኽኢሉኒ ኢዩ።”
እዚ ኣበሃህላ እዚ ሓቂ ኢዩ። ኣገዳስነት መጽሓፍ ቅዱስ ዘጕልሕ ሓበሬታ ኣብ መላእ ዓለም ተደላዪ ምዃኑ ግሁድ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢያ እታ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ እትብሃል ብሮሹር እተዳለወት። ንኸምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰሉ ሕቶታት እትምልስ ኢያ:- መጽሓፍ ቅዱስ ክእመን ዝከኣል ድዩ፧ ምስ ስነ-ፍልጠት ዝሰማማዕ ድዩ፧ ንዘመናዊ ናብራ ዝኸውን ተግባራዊ መጽሓፍ ድዩ፧
ነዛ ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ዘላ ኩፖን መሊእካ ናብቲ ኣብኣ ተጻሒፉ ዘሎ ኣድራሻ ወይ ድማ ካብቶም ኣብ ገጽ 5 ናይዚ መጽሔት እዚ ዘለዉ ኣድራሻታት ናብ ዝቐርበካ ብምልኣኽ ነዛ 32 ገጽ ዘለዋ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ እትብሃል ብሮሹር ንኽትስደደልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]
□ እታ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ እትበሃል ብሮሹር ሓንቲ ቅዳሕ ልኣኹለይ።
በየናይ ቋንቋ ከም እትደሊ ሓብር.
□ በጃኹም ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅምር በዚ ኣድራሻ እዚ ርኸቡኒ።
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]
ንዅሎም
ሰባት ዝኸውን
መጽሓፍ