“ክትገድፎ ትኽእል ኢኻ —ንሕና ገዲፍናዮ ኢና”
ብወኪል ንቕሑ! ኣብ ጃፓን
እቲ ዛንታ ከም ዝብሎ: ኣብ መወዳእታ ናይ 1500ታት እተን ካብ ኣውሮጳ ናብ ጃፓን ዝኸዳ መራኽብ ትምባኾ ዘትክኹ በጻሕቲ ሒዘን ነበራ: ንሳቶም ከኣ “ኣብ ከብዶም ሓዊ ዘለዎም” ይመስሉ ነበሩ። እቲ ናይ ምግራም ስምዒት ክትፈልጥ ብናይ ምድላይ ስምዒት ተተክአ: ስለዚ ኣብ መወዳእታ 1880ታት ትምባኾ ኣብ ጃፓን ልሙድ ኰነ። ደቂ እቶም ሽዑ እተገረሙ ጃፓናውያን ሎሚ ካብቶም ኣብ ዓለም ትምባኾ ዘዘውትሩ ዕሉላት ሰባት ክዀኑስ መን ይሓስቦ ነይሩ፧
“ናይ ዓበይቲ ስምዒት ክንፈልጦን ዝዓበና ኰይኑ ክስመዓናን ንደሊ ነበርና።” —ኣኪዮ: ኦሳሙ: ከምኡውን ዮኮ
“ክቐጥን እደሊ ነይረ።”—ትሱያ
“ክትፈልጥ ናይ ምድላይ ባህጊ ኢዩ ነይሩ።”—ቶሺሂሮ
“ትምባኾ ሕማቕ ይፈድየና ኢዩ ዝብል ሓሳብ ኣይነበረናን።”—ርዮሀይ: ጁኒቺ: ከምኡውን ያሱሂኮ
“ንኻልኣይ ግዜይ ምስ ጠነስኩ ነቲ ንግሆ ንግሆ ዕግርግር ዝብለኒ ዝነበረ ንኸህድእ ክብል ኢየ።”—ቺኤኮ
“ኣብቲ ዘጨንቕ እዋናት ናይ ስራሕ ኣኼባታት ኢየ ለሚደዮ።”—ታትሱሂኮ
እዚ ሓሳባት እዚ: ስለምንታይ ሽጋራ ከትክኹ ከም ዝጀመሩ እተሓቱ ጕጅለ ሰባት ዝሃብዎ ምኽንያታት ኢዩ። ገለ ሰባት ንጃፓን ናይቶም ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ገነት ኢሎም ዝጽውዕሉ ምኽንያት ብምርኣይ ከምዚ ዝበለ መግለጺታት ርዱእ ኢዩ። እቲ ዘገርም ግን እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ኵሎም ናይ ትምባኾ ልምዲ ገዲፎምዎ ኢዮም። ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዘጋጥሞም ዕንቅፋታት ኣብ ግምት እንተድኣ ኣእቲናዮ: ከምዚ ምግባሮም ስብእነት ኢዩ። ብኸመይ ከም ዝገደፍዎ ገሪሙካ ድዩ፧ መጀመርታ ኣብ ጃፓን ምትካኽ ሽጋራ ክሳዕ ክንደይ ኣስፋሕፊሑ ምህላዉ እስከ ንመልከት።
ናይ ትምባኾ ትርኢት
ምስቶም ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ካብ 15 ንላዕሊ ዝዕድሚኦም 28 ሚእታዊት ሽጋራ ዘትክኹ ሰብኡት ክወዳደር ከሎ ዳርጋ 56 ሚእታዊት ናይቶም ኣብ ጃፓን ዝነብሩ እኹላት ሰብኡት ሽጋራ የትክኹ ኢዮም። እተን ሽጋራ ዘትክኻ 22 ሚእታዊት ጃፓናውያን ደቂ ኣንስትዮ: ካብ መንጎ እቶም ሽጋራ ዘትክኹ 34,000,000 ሰባት ኢየን: መብዛሕትአን ከኣ መንእሰያት ኢየን። ናይ ዓበይቲ ኣብነትን እቲ ብውሕልነት ዝቐርብ ረክላምን ቍጽሪ እቶም ሽጋራ ዘትክኹ መንእሰያት ብናህሪ ከም ዝውስኽ ገይሩ ኢዩ። እቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተኸልከለ ናይ ተለቪዥንን ረድዮን ረክላም ኣብ ጃፓን ሕጂ ኢዩ ተኸልኪሉ።
ብተወሳኺ: ኣብ ጃፓን ሽጋራ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ኢዩ ዝርከብ። ሓንሳእ እቲ ባኮ ኣብ ኢድ እንተ ኣትዩ ኸኣ እቶም ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ ድኹምን ብሸለልትነት እተጻሕፈን መልእኽቲ መብዛሕትኦም ኣይስዕብዎን ኢዮም። እቲ ጽሑፍ ከምዚ ይብል ይኸውን:- “ብዙሕ ሽጋራ ኣይነትክኽ፣ ክጐድእ ይኽእል ኢዩ።” ብዛዕባ እቲ ትምባኾ ዘስዕቦ ዝኸበደ ሓደጋታት ዘይምፍላጥ ዘስፋሕፍሐ ኣብ ርእሲ ምዃኑ: እቲ ሕማቕ ኣብነት ናይ ብዙሓት ምርኡያት ሰባት እውን ነቶም ጃፓናውያን ሓሶት ዝዀነ ናይ ድሕንነት ስምዒት ከም ዝሓድሮም ብምግባር ሽጋራ ከትክኹ የተባብዖም ኣሎ።
እቶም ተጣበቕቲ ጸረ ምትካኽ ሽጋራ: ጃፓን ብዙሓት ካብ ዜጋታታ ትምባኾ ምትካኽ ከም ዝገድፍዎ ንምግባር ዘለዋ ሓላፍነት ሸለል ምባላ ከም ዘጕህዮም ፍሉጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን መማህራን: ምትካኽ ሽጋራ ንጥዕናን ንህይወትን ኣስጋኢ ምዃኑ ንሰባት ናይ ምጥንቃቕ ጥቕሚ ከረድኡ ጀሚሮም ኣለዉ። እወ: ኣብ ጃፓን ዘለዉ ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት እውን ልክዕ ከምቶም ኣብ ካልእ ሃገር ዘለዉ ሰባት ዘርእይዎ ምልክታት ናይ ዕግርግር ምባል: ናይ ምስትንፋስ ሕጽረት: ብርቱዕ ሰዓል: ሕማም ስተሞኮ: ምዕጻው ሸውሃት መግቢ: ንጉንፋዕ እተቓላዕካ ምዃን: ምናልባትውን ድሕሪ ገለ ግዜ ብምኽንያት ናይ ሳምቡእ መንሽሮ: ሕማም ልቢ: ወይ ብኻልእ ጸገማት ዝመጽእ ዕድሜኻ ምሕጻር ንዕኦም እውን የጋጥሞም ኢዩ።
እቲ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ናይ መንግስቲ ዋንነት ጥራይ ዝነበረ ናይ ጃፓን ኢንዱስትሪ ትምባኾ ካብ 1 ሚያዝያ 1985 ኣትሒዙ ናብ ብሕታዊ ትካል ተሰጋገረ። ይኹን እምበር: ገና ምስ መንግስቲ ጥብቂ ዝዀነ ርክብ ስለ ዘለዎ: እቲ ሽጋራ ንዘይምትካኽ ዝግበር ጻዕሪ ዕዉት ከም ዘይከውን ይገብሮ። እዚ ኸኣ እቶም ጸረ ትምባኾ ዝዀኑ ጕጅለታት ስለምንታይ ንጃፓን ናይቶም ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ገነት ከም ዝበልዋ ይገልጽ ኢዩ። እቲ ዘ ደይሊ ዮሚኡሪ እተባህለ ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ እቲ ጃፓን “ምትካኽ ሽጋራ እተተባብዕ ሃገር” ብምዃና ሓኻይም ዘስቈርቍሩሉ ዘለዉ ምኽንያት ጸብጻብ ሃበ።
ገለ ሰባት ምትካኽ ሽጋራ ንኽገድፍዎ ብኸመይ ከም እተዓወቱ ንምርኣይ: ነዛ “ብኸመይ ከም ዝገደፍናዮ” እትብል ሳጹን ርአ።
ብኸመይ ክትገድፎ ትኽእል፧
ኣብዚ ሳጹን እዚ ዝረኣናዮ ምኽሪ ናይቶም ቅድም ኣፍቀርቲ ትምባኾ ዝነበሩ ሰባት ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እዚ ዝስዕብ ኢዩ:- ንምግዳፉ ቈራጽ ውሳነ ምግባር። እቲ ዝበለጸ ኸኣ ንኣምላኽ ምፍቃርን ንዕኡ ከተሐጕስ ምብሃግን ኢዩ። ንብጻይካ ፍቕሪ ምህላው እውን ካልእ ተወሳኺ ኢዩ። ሸቶ ግበር ኣብኡ ኸኣ ጽናዕ። ክትገድፎ ከም ዝደለኻ ንኣዕሩኽካን ንዅሉ ሰብን ንገር: እቲ ስድራቤትካ ዝገብሩልካ ሓገዝ ድማ ተቐበል። ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ ብቕጽበት ግደፎ። ብዝከኣለካ መጠን ከኣ ካብቲ ሽጋራ ምትካኽ ዝዝውተረሉ ኣከባቢ ኣልግስ።
መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕ እንተድኣ ኣሊኻ: እቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለካ ርክብ ኣዕብዮ። ምስኦም ምሕባርካ ብቕልጡፍ ነቲ ሽጋራ ናይ ምትካኽ ባህግኻ ከጥፍኦ ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ምስ ሓደ ሽጋራ ዘትክኽ ሰብ እተጽንዕ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተድኣ ዄንካ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ካብቲ ሕማቕ ኣመሉ ንላዕሊ ንየሆዋ ከፍቅር ሓግዞ።
“ብኸመይ ከም ዝገደፍናዮ”
ሚየኮ:- “መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ: ምትካኽ ሽጋራ ክገድፎ ኣይክእልን ኢየ ዝብል እምነት ኢዩ ነይሩኒ። ዘጽንዓሉ ዝነበርኩ ዕላማ እንተወሓደ ደቀይ መገዲ ህይወት ምእንቲ ክማሃሩ ኢዩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ግን ሓደ ወላዲ ኣብነት ክኸውን ከም ዘለዎ ተረዳእኩ: ስለዚ ምእንቲ ክሕግዘኒ ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ከቕርብ ጀመርኩ። ነቲ ዝጸለኹሉ ነገር ክዓየሉ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ ነይሩ: ንሓጺር ግዜ ኸኣ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ነበርኩ። እንተዀነ ግን: ኣብ መወዳእታ ካብዚ ጽዩፍ ልምዲ እዚ ናጻ ምስ ኰንኩ እተሰምዓኒ ናይ ሕልና ዕረፍቲ ፈጺመ ኣይርስዖን ኢየ።”
ማሳዩኪ:- “ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ባኮ ሽጋራ ዘትክኽን ብዙሕ ግዜ ክገድፎ ፈቲነ ኸኣ ምዃን ዝኣበየንን ኢየ ነይረ። ኣብ መወዳእታ ግን ነታ ናይ መወዳእታ ሽጋራ ኣጥፊአ ካብ ትምባኾ ተጋላገልኩ። ንኽገድፎ ዝሓገዙኒ ስድራቤተይን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾተይን የሆዋ ኣምላኽን ኢዮም። ኣብቲ ኣነ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ባንክ ዝነበሩ ሰባት ፈጺሞም ክኣምኑ ኣይከኣሉን። ንኽብሪ ናይቶም ዓማዊልና ክንብል እቶም ኣብ ቤት ጽሕፈት ዝሰርሑ ኣብ እዋን ስራሕ ምትካኽ ሽጋራ ክገድፉ ሓሳብ ኣቕረብኩ። ዋላ እኳ 80 ሚእታዊት ናይቶም ሰራሕተኛታት ሽጋራ ዘትክኹ እንተነበሩ እቲ ዘቕረብክዎ ሓሳብ ተቐባልነት ረኸበ። እዚ ልምዲ እዚ ሕጂ ኣብ 260 ጨናፍር ባንክና ይዕየየሉ ኣሎ።”
ኦሳሙ:- “ካብቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ክማሃር ከለኹ ምትካኽ ሽጋራ ክገድፍ ከም ዘለኒ ፈለጥኩ። ዳርጋ ሓደ ዓመት ወሰደለይ። ምስ ገደፍክዎ እውን: ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኸውን ሽጋራ ናይ ምትካኽ ድሌት ክቈጻጸር ተቓሊሰ ኢየ። ናይ ምግዳፍ ድሌት ካብ ልበይ ክነቅል ከም ዘለዎ እፈልጥ ነይረ ኢየ።”
ቶሺሂሮ:- “ናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ ኣዝዩ ስለ ዝመሰጠኒ: ኣነ እንተወሓደ ምትካኽ ሽጋራ ብምግዳፍ መስዋእቲ ክገብር ከም ዝኽእል ተሰምዓኒ።”
ያሱሂኮ:- “ንየሆዋ ኣምላኽ ክእዘዝን ምትካኽ ሽጋራ ክገድፍን ምውሳነይ ህይወተይ ኣድሒኑ ኢዩ። ሓደ መዓልቲ ፕሮፐይን ጋዝ ልሒኹ ነቲ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ክፍሊ መልኦ። ከም ካልእ ግዜ ሽጋራ ምወላዕኩ እሞ በዚ ኸምዚ ኸአ ባርዕ ምስዓበ ነይሩ። ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ምትካኽ ሽጋራ ገዲፈዮ ስለ ዝነበርኩ ግን: ሕጂ ብህይወት ተሪፈ ከዘንቱ ክኢለ ኣሎኹ።”
ኣኪዮ:- “በብግዚኡ ዕግርግር ክብለኒ ምስ ጀመረ: ምትካኽ ሽጋራ ይጐድኣኒ ከም ዘሎ ተሰምዓኒ። እንተዀነ ግን ኣይገደፍክዎን። ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ እቲ ሽጋራ ዘስዕቦ ሓደጋ ናይ ሓቂ ሓበሬታ ዝረኸብኩ ካብታ ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረት በዓልቲ ቤተይ ኢዩ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመርኩ: ካብ ጽሑፋት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኸኣ ሽጋራ ዘትክኽ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ዘይኰነስ ንኣባላት ስድራቤቱ እውን ከም ዝጐድእ ፈለጥኩ። ብኡንብኡ ኸኣ ምትካኽ ሽጋራ ገደፍኩ!”
ርዮሄይ:- “ሽጋራ ትዕድገለይ ዝነበረት በዓልቲ ቤተይ ኢያ። ብሓንሳእ 20 ባኮ ትዕድግ ነበረት። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምጽንዓ ግን ነቲ ዝጐድኣኒ ምዃኑ እትፈልጦ ነገር ምዕዳግ ኣበየትኒ። ስለዚ ናይ ገዛእ ርእሰይ ናይ ሽጋራ ድኳን ከፈትኩ። ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ባኮን ፈረቓን ሽጋራ አትክኽ ነበርኩ። ብድሕርዚ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመርኩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ ካብ ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኽእለት ክዛረብ ደለኹ። ስለዚ ኣብ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ምልምማድ ንኽገብር ዝበቅዕ ምእንቲ ክኸውን ምትካኽ ሽጋራ ገደፍክዎ።”
ጁኒኪ:- “እታ ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነት ንእሽቶ ጓለይ ብዛዕባ ጥዕናይ ትግደስ ነበረት። ምትካኽ ሽጋራ ክገድፍ ቃል ከም ዝኣቱ ገበረትኒ እሞ: ገደፍክዎ።”
ትሱያ:- “ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ምስ ከድኩ ክኣቱ ከለኹ ክርቢትን መንገፍ ሽጋራን ሓተትኩ። ዝገረመኒ ኸኣ ኣብኡ ዋላ ሓደ ሰብ ሽጋራ ከም ዘየትክኽ ነገሩኒ። ክገድፎ ከም ዘሎኒ ተረድኣኒ። እቲ ኣብ ሆስፒታል ዘሕለፍክዎ ሸሞንተ መረርቲ መዓልትታት: ኣብቲ ሽጋራ ንምግዳፍ ዝግበር ቃልሲ ዘሎ ዘሳቒ ስምዒት እንደገና ክምለስ ከም ዘይደሊ ኣረጋገጸለይ።”
ዮኮ:- “እቲ ሓሳባት ካብቲ የሱስ ኣብቲ ናይ ስቓይ ዕንጨይቲ ቅድሚ ምስቃሉ ዝቐረበሉ ሓሽሽ ክወስድ ብኸመይ ከም ዝኣበየ ብምትንታን ዝገልጽ መጽሔታትን ካልእ ጽሑፋትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢየ ኣጽኒዐዮ። ንጹህ ወዳሲ ናይ ስሙ ክኸውን ከም ዝደሊ ብምንጋር ናብ የሆዋ ኣምላኽ ጸለኹ። ብድሕርዚ ፈጺመ ሽጋራ ኣየትከኽኩን። ኣብ ጥቓይ ዘለዉ ሰባት ሽጋራ ከትክኹ ከለዉ: ነቲ ትኪ ክስሕቦ እብህግ: እንተዀነ ግን ምትካኽ ሽጋራ እንደገና ክጅምሮ ስለ ዘይደሊ ቀልጢፈ ካብኡ አልግስ።”
ኵሎም እዞም ቀደም ሽጋራ ዘትክኹ ዝነበሩ ሰባት ፈጺሞም እንደገና ከየትክኹ ወሲኖም ኢዮም። ካብዚ ልማድ እዚ ክትላቐቕ እትደሊ ሽጋራ እተትክኽ ሰብ ዲኻ፧
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ሚየኮ
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ኦሳሙ
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ያሱሂኮ
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ኣኪዮን በዓልቲ ቤቱ ሳኪኮን
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ጁኒኪ ምስ ሜሪ ጓሉ
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ዮኮ