ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g99 8/1 ገጽ 30-31
  • ካብ ከባቢ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ከባቢ ዓለም
  • ንቕሑ!—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ትምዩን መድሃኒት
  • ሪጋኻ ዝደንጐየ ኰይኑ ዝስምዓካ ምኽንያት
  • ክንቲት ዘለዎም ዓመጸኛታት ድዮም፧felon
  • “ዓለም ብሓዊ እተጠቕዓትሉ ዓመት”
  • ንምዝማት እተዋህበ ፍቓድ
  • ንሕሙማት ምዝራፍ
  • ኣሰር እዝኒ
  • እቲ ዓብላሊ ዝዀነ ዶላርdollar
  • ምንቅስቓስ ኣካላትን ነዊሕ ዕድመን
ንቕሑ!—1999
g99 8/1 ገጽ 30-31

ካብ ከባቢ ዓለም

ትምዩን መድሃኒት

ል ፊጋኾ ማጋዚን እተባህለ መጽሔት “ኣብ ዓለም ካብ ዝሽየጥ መድሃኒት ዳርጋ 8 ሚእታዊት ትምዩን ኢዩ” ብምባል ገለጸ። ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ከም ዝበሎ: ኣብ ብራዚል 30 ሚእታዊት ናይ መድሃኒት ትምዩን ምዃኑ ይግመት: ኣብ ናይጀርያ ኸኣ 60 ሚእታዊት ምዃኑ ኣዝዩ ዘደንጹ ኢዩ። ትምዩን መድሃኒታት ምንጋድ 300 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ እቶት ከም ዘለዎ ተሓቢሩ ኣሎ። ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ንግዲ ቀንዲ መራሕቲ ኸኣ እተጠርነፉ ገበነኛታት ኢዮም። ናይ ሕክምናዊ ኣፋውስ ኩባንያታት ነዚ ንግዲ እዚ መወዳእታ ንኽገብራሉ ጻዕርታት እኳ እንተ ገበራ: ፖሊስን ኣህጉራውያን ማሕበራትን ነዚ ግድል እዚ መፍትሒ ክረኽብሉ ኣይክኣሉን። ዝሓሸ እንተ ተባሂሉ ትምዩን መድሃኒት ዝሓወኻ ዀይኑ ከም ዝስምዓካ ጥራይ ክገብር ይኽእል ኢዩ፣ እቲ ዝኸፍአ ድማ ክቐትል እውን ይኽእል ኢዩ። ል ፊጋኾ ማጋዚን “ትምዩን መድሃኒት ብህይወት እቲ ሕሙም ኢዩ ዝጻወት” በለ።

ሪጋኻ ዝደንጐየ ኰይኑ ዝስምዓካ ምኽንያት

ንሸመታ ክትወጽእ ከሎኻ እትሕዞ ሪጋታት ኵሉ ግዜ እቲ ዝድንጒ ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዑካ: ብምኽንያት ሕጊ ኣጋጣሚ (probability) ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ዲ ጻይት እተባህለ ናይ ቋንቋ ጀርመን ጋዜጣ ከም ዝሓበሮ: ካብ ክልተ ጥቓ ንጥቓ ዘሎ ሪጋታት እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ቅልጡፍ ክዀነሉ ዝኽእል ዕድል 2 ካብ 3 ኢዩ። ብዙሕ ሪጋ ምስ ዝህሉ ንኽትቅልጥፍ ዘሎካ ዕድል ዝያዳ ጸቢብ ይኸውን። ተመራመርቲ ከም ዝረኸብዎ ንሰባት ቀጨውጨው ዘብሎም: እቲ ምጽባይ ስለ ዝነውሐ ዘይኰነስ “ግዜኦም ብኸንቱ የጥፍእዎ ዘለዉ ኰይኑ ስለ ዝስምዖም” ኢዩ። ሊፍት ምጽባይ ዘሕድሮ ቀጨውጨው ንምንካይ: ገሊአን ሆቴላት ኣብቲ ናይ መጸበዪ ኮረድዮታት መስትያት ይሰቕላ ኣለዋ። እዚ ድማ ንሰባት ገለ ነገር ንኽገብሩ: ጸጕሮም ክምሸጡ ወይ ከኣ ክራባትኦም ከተዓራርዩ የኽእሎም። ክንደይ ዝኣክል ግዜ ክጽበዩ ምዃኖም ምንጋር እውን ሓጋዚ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ገሊኦም ናይ ትሕቲ ጐደና ስርዓተ-መጓዓዝያታት: እታ ቐጺላ ዘላ ባቡር ክሳዕ እትብገስ ክንደይ ደቓይቕ ከም ዝወስድ ንምንጋር ብኤሌክትሮኒክስ ዝሰርሕ ሓባሪ ሰሌዳ ይጥቀሙ ኣለዉ።

ክንቲት ዘለዎም ዓመጸኛታት ድዮም፧felon

ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፖሊስ ነቲ ኣዕዋፍ ተጠቒምካ ዝግበር ናይ ኣልማዝ ኮንትሮባንድ ኣቃልዕዎ። ፖሊስ ከም ዝበልዎ ኣብ ሓደ ናይ መንግስቲ መዐደኒ ኣልማዝ: ሰራሕታኛታት ናብ ገዝአን ክምለሳ ዝኽእላ እተለማመዳ ረጋቢት ኣብ ናይ ምሳሕ ስልጣንያኦም ወይ ከኣ ኣብቲ ዝስከምዎ ክዳውንቲ ኣቐሚጦም ናብቲ መዐደኒ ቦታ ብሕቡእ የእትውወን። ኣብኡ ኸኣ ነተን ረገቢት ኣልማዝ ጽዒኖም ናብ ኣየር ከም ዝፍንውወን ሎስ ኣንጅልስ ታይምስ ጸብጻብ ይህብ። እዘን ናብ ገዝአን ክምለሳ ዝኽእላ እተለማመዳ ረገቢት እዚኣተን: ነቲ ክቡር ማዕድን ሒዘን ብዙሕ ኪሎ ሜተራት ክጓዓዛ ይኽእላ ኢየን። ኣብዚ ዝሓለፈ ገለ ዓመታት: ኣርባዕተ ኣዕዋፍ ዘይሕጋዊ ኣልማዝ ሒዘን ተጠሊፈን ኢየን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ሽዱሽተ ካራት ዝኸውን ዘይተቘርጸ ኣልማዝ ኣብ ትሕቲ መንገብገባ እተኣስራ ርግቢት ተረኽበት። ክሳዕ ሽዑ ኸኣ: ገለ 70 ዝዀኑ ሰባት ነዚ ሜላ እዚ ብምጥቃሞም ተኣሲሮም ኢዮም። ካብቲ ብግዜ ጥንቲ መገዲ ውሕጅ ዝነበረ ቦታ ተዃዒቱ ካብ እተረኽበ ኣልማዝ: ዳርጋ 1 ካብ 3 በቶም ዘይእሙናት ሰራሕተኛታት ከም እተሰርቀ እቶም ናይቲ ኩባንያ ሓለፍቲ ከም ዝገምገሙ እቲ ጋዜጣ ሓበረ።

“ዓለም ብሓዊ እተጠቕዓትሉ ዓመት”

ሓላፊ ናይቲ ዓለምለኻዊ ማዕከን ተፈጥሮ ኣህጉራዊ ፕሮግራም ጫካ ዝዀነ ዣን ፖል ዣራኖ “1997 ዓለም ብሓዊ እተጠቕዓትሉ ዓመት ኰይና ክትዝከር ኢያ” በለ። ብዘይካ ኣብ ኣንታርክቲካ ኣብ ኵለን ክፍለ ዓለማት ብርቱዕ ባርዕ ሓዊ ነይሩ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ኢንዶነዥያን ብራዚልን ዝርከብ ማዕረ ስፍሓት ስዊዘርላንድ ዝኸውን ክቡር ዱር በሪሱ ኢዩ። ጠንቁ ኸኣ ንሕርሻ ተባሂሉ ኰነ ኢልካ ዝግበር ምንዳድን ደርቅን ካልእ ምኽንያትን ኢዩ። እዚ ደርቂ እዚ ኸኣ ኤልኒንዮ ብዘስዓቦ ምብልሻው ኵነታት ኣየር ዝመጸ ገይርካ ኢዩ ዝሕሰብ። ዘ ኢንዲፐንደንት እተባህለ ናይ ለንደን ጋዜጣ: እቲ ነዳዲ ብምቅጻል ዝመጽእ ዝለዓለ መጠን ካርቦንዳይኦክሳይድ: ንምብካል ኣየርን ንሓደጋ ናይ ከባቢ ምድሪ ዋዕን ክውስኸሉ ከም ዝኽእል ጸብጻብ ሃበ። ሚስተር ዣራኖ “እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ባርዕ ሓዊ ኣብ ኵነታት ኣየር ዘሎ ለውጥን ናይቲ እዚ ለውጢ እዚ ንኽህሉ ኣበርክቶ ዝገብር ረቛሒታትን ውጽኢት ብምዃኑ ሓደገኛ ዝዀነ ናይ ጥፍኣት ዑደት ኢና እንፈጥር ዘሎና” ብምባል ኣጠንቀቐ።

ንምዝማት እተዋህበ ፍቓድ

ኢ.ኤን.ኣይ. ቡለቲን እተባህለ ጽሑፍ “ኣብ ብራዚል ዘለዉ ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን መራሕቲ ኣብ ክንዲ እቶም ክነብሩ ኢሎም መግቢ ዝሰርቁ ድኻታትን ብጥሜት ዝሳቐዩን ኣፎም መሊኦም ተዛረቡ” ብምባል ጸብጻብ ሃበ። ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ብራዚል ብርቱዕ ደርቂ ስለ ዘሎ ንዓበይቲ ድኳናትን መኻዚኖታትን ምዝማት ደገፍዎ። ናይ ቤሎ ሆሪዞንተ ሊቀ-ጳጳስ: ካርዲናል ሰይራፊን ዲ ኣራውዡ ከም ዝበልዎ “ዝዀነ ይኹን ሰብ ካብ ጥሜት ንምድሓን ኢሉ ካብ ዝዀነ ይኹን ቦታ መግቢ ምስ ዝወስድ በቲ ቤተ-ክህነት ኣይኵነንን ኢዩ።” ካርዲናል ፓውሎ ኢቫሪስቶ ኸኣ “ነቲ ድኻታት እናደኸዩ ክኸዱ ኸለዉ: ሒደት ሓለፋ ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ግን ብንግዲ ከም ዝህብትሙ ዝገብር ናይ ናጻ ዕዳጋ ስርዓት ክንቃለሶ ኢና” ከም ዝበሉ ተጠቒሱ ኣሎ። ወሲኾም ከኣ “ኣብ ከተማታትን ኣብ ሃገረ ሰብን ዘለዉ ሰባት ዝነቕሕሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ” በሉ።

ንሕሙማት ምዝራፍ

ናይ ጀርመን ሆስፒታላት ብሰረቕቲ ይውረር ኣሎ። ኤምስዴትነር ታጌብላት ዝበሃል ጋዜጣ “እቲ ኣብ ኮሎን ዘሎ ናይ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታላት ኣብ ሓደ ዓመት ሰለስተ ሚእቲ ስርቂ ከም እተፈጸመ ሓቢሩ” ይብል። ብምቕጻል ከኣ “ዕታር ዕምባባ ብምሓዝ: ኣብ ገጹ ፍሽኽታ ብምንጽብራቕ ኣብ ሆስፒታል ዝመጽእ ሰራቒ ሽሻይ ከም ዝረክብ ርግጽ ነገር ኢዩ” ይብል። ሕሙማት ዝበጽሑ መሲሎም ካብቲ ኣብ ጐድኒ ዓራት ዘሎ ጣውላ ጀሚሮም ክሳዕ ከብሒ ይቈጻጸርዎ። ብፍላይ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሕሙማት ብቐሊሉ ክሰርቅዎም ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት: ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ትሕቲ መተርኣሱ ኣሽሓት ዶች ማርክ ኣቐሚጡ ተረኽበ። ቍጽጽር ዘይግበረሉ ናይ ምብጻሕ ሰዓታት ነቶም ሰረቕቲ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝኸፍተሎም: ዝዀነ ሰብ ከኣ ብዘይ ገለ ጸገም ክኣቱ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ሕሙማት ገንዘብን ክቡር ነገራትን ኣብ ሆስፒታል ኣብቲ ከተኣማምን ዝኽእል ቦታ ወይ ከኣ ንኸቐምጠሎም ንኻልእ ሰብ ክህብዎ ኣለዎም።

ኣሰር እዝኒ

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ሓደ ሰራቒ ብሰንኪ እዝኑ ገበነኛ ኰይኑ ተፈርደ። ብኸመይ፧ ሽሕኳ ኣብቲ ገበን ዝፍጽመሉ ቦታታት ኣሰር ኣጻብዑ ከይገድፍ ኣዝዩ ዝጥንቀቕ እንተ ነበረ: ክሰርቕ ኢሉ ቅድሚ ምእታዉ ሰብ ምህላዉን ዘይምህላዉን ንምርግጋጽ እዝኑ ኣብ መስኮት ወይ ከኣ ኣብ ኣፍ መፍትሕ ናይ ምጽጋዕ ልምዲ ነበሮ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ብድሕሪኡ ኣሰር እዝኑ ገደፈ። ኣብ ስኮትላንድ ናይ ዩኒቨርስቲ ግላስጎው ናይ ቤት ፍርዲ ናይ ስነ-​ሕማም ምሁር ዝዀነ ፕሮፌሰር ፒተር ቫነሲስ “ኣሰር እዝኒ ልክዕ ከም ኣሰር ኣጻብዕቲ ፍሉይ ኢዩ” በለ። ዘ ደይሊ ቴሌግራፍ ዝበሃል ናይ ለንደን ጋዜጣ ግን ኣእዛን ልክዕ ከም ጸጕርን ጽፍርን እኹል ሰብ ምስ ኰንካ እውን እናዓበየ ስለ ዝኸይድ ከም ኣሰር ኣጻብዕቲ ኣይኰነን ዝብል ጸብጻብ ሃበ። ይኹን እምበር: ልክዕ ኣብዚ ሰራቒ እዚ ከም እተረእየ: ኣእዛንና መጠኑ ብዘየገድስ ፍሉይ ምዃኑ ፖሊስ ይፈልጡ ኢዮም። ኣብ ብሪጣንያ ብኣሰር እዝኒ ተረጋጊጹ ገበነኛ ኰይኑ እተፈርደ ናይ መጀመርታ ሰብ ንሱ ኢዩ: ንዝቐረበሉ ሓሙሽተ ናይ ስርቂ ክስታት ድማ ኣመነሉ።

እቲ ዓብላሊ ዝዀነ ዶላርdollar

ዩ ኤስ ኒውስ ኤንድ ዎርልድ ሪፖርት ከምዚ ይብል:- “መብዛሕትኦም ኣመሪካውያን ዘየስተብሃልሉ ጕዳይ እኳ እንተዀነ: ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ባጤራ ካብ ኣብ ውሽጢ እቲ ሃገር ዝያዳ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኢዩ ዝንቀሳቐስ። ካብቲ ብሰናቲምን ናይ ወረቐት ገንዘብን ዝጽብጸብ ኣብ ናይ ሰባት ቦርሳታት: ካሳታት: ናይ ባንክ ካዝናታትን ፍርናሻትን ዘሎ 450 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ዳርጋ ክልተ ሲሶ​—⁠ወይ ከኣ 300 ቢልዮን ዶላር​—⁠ኣብ ወጻኢ ኢዩ ዝርከብ።” እዚ መጠን እዚ ኸኣ ኣብ ዓመት ካብ 15 ቢልዮን ዶላር ክሳዕ 20 ቢልዮን ዶላር ይውስኽ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገንዘብ ዝንቀሳቐስ በብ20 ናይ ዶላር ወረቐት ክኸውን ከሎ: መብዛሕትኡ ካብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ገንዘብ ግን በብ100 ዶላር ወረቐት ኢዩ ዝንቀሳቐስ። እዚ ኸኣ እቲ ገንዘብ ኣብ ወጻኢ ዝጥቀምሉ ንናእሽቱ ነገራት መተዓዳደጊ ዘይኰነስ: ንምውህላልን ንግዲ ንምክያድን ከም ዝዀነ ኢዩ ዝሕብር። ብፍላይ ኣብቲ ዝቕባበ ገንዘብ ዘለዎን ሰባት ንባንክ እምንቶ ዘይገብርሉን ሃገራት እዚ ሓቂ ኢዩ። ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እተሓትመ ናይ 100 ዶላር ወረቐት 60 ሚእታዊት ዝኸውን ብቐጥታ ናብ ስግር ባሕሪ ኢዩ ተላኢኹ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነዚ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝንቀሳቐስ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ: ወለድ ዘይክፈሎ ናይ ገንዘብ ለቓሕ ከም እተቐበለት ገይራ ኢያ እትቖጽሮ። ኣምሳያ ናይዚ ናይ ኣቕሑ ቀረብ ወይ ከኣ እተፈላለየ ኣገልግሎት ክትህብ ኣየድልያን ኢዩ። እዚ ኸኣ ነቲ መንግስቲ ብቢልዮናት ዝቝጸር ዶላር ወጻኢ ካብ ምግባር ዘድሕኖ ኢዩ።

ምንቅስቓስ ኣካላትን ነዊሕ ዕድመን

ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ብዛዕባ እቲ ነዊሕ ዕድመ ምጽናሕ ዝምልከት ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ መጽናዕቲ ከምዚ በለ:- “ኣብ ወርሒ ሽዱሽተ ግዜ ጥራይ ናይ ፍርቂ ሰዓት ቅልጡፍ ምንቅስቓስ እግሪ እንተድኣ ተገይሩ: ነቲ [ቅድሚ ግዜኻ] ናይ ሙማት ሓደጋ ብ44 ሚእታዊት ክንክዮ ዝኽእል ይመስል።” ኣብ ፊንላንድ ዘለዉ ተመራመርቲ ብዛዕባ እቶም ዳርጋ 8,000 ዝዀኑ ጽምዲ ማናቱ ብገምጋም ን19 ዓመታት ዝገበርዎ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ እቶም ሳሕቲ ምውስዋስ ኣካላት ዝገብሩ እውን ከይተረፈ “ካብቶም ምውስዋስ ኣካላት ዘይገብሩ መንታኦም ናይ ሙማት ዕድሎም ብ30 ሚእታዊት ዝወሓደ” ነበረ። እቲ መጽናዕቲ ትርጕም ዘለዎ ዝገብሮ ኸኣ ምውስዋስ ኣካላት ጠቓሚ ምዃኑ ክውስን ከሎ ናይ ስነ-ውርሻ ረቛሒታት ኣብ ግምት ስለ ዘእተወ ኢዩ። ስቲቨን ፋረል እተባህለ ኣብቲ መጽናዕቲ ዘይተሳተፈ ናይ ኣክሮባት ተመራማሪ “እቲ ብውርሻ ዝረኸብካዮ ዘርኢ ጕድለት ዘለዎ እኳ እንተዀነ: እዚ መጽናዕቲ እዚ ቀጻሊ ዝዀነ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ነዊሕ ዕድመ ንምጽናሕ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ኢዩ ሓሳብ ዝህብ” በለ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ