ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g00 8/4 ገጽ 26-27
  • ድኽነት ንኽትሰርቕ ምኽንያት ዝኸውን ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ድኽነት ንኽትሰርቕ ምኽንያት ዝኸውን ድዩ፧
  • ንቕሑ!—2000
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ እንታይ ኢዩ ዝብል፧
  • እቲ ድኻ እንታይ ኢዩ ክገብር ዝኽእል፧
  • ፈጺምካ ኣይትስረቕ!
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ወትሩ ሓቀኛ ኽትከውን ኣሎካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ድኽነት ንምጥፋእ ዚግበር ጻዕሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ንቕሑ!—2000
g00 8/4 ገጽ 26-27

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ

ድኽነት ንኽትሰርቕ ምኽንያት ዝኸውን ድዩ፧

“ድኽነት ንሰባት ሓጐስ ዝኸልእ ሕሱም ጸላኢ ኢዩ፣ ብርግጽ ዕግበት ዝኸልእ: ከምኡውን ሕያውነት ይኹን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ሰናይ ባህርያት ንኸይተንጸባርቕ ብኢድካ ዝሕዘካ ኢዩ።” ሳሙኤል ጀንሰን: ኣብ መበል 18 ዘመን ዝነበረ ደራሲ።

ማግኑስ ኣውረሌስ ካሲዮዶሩስ ዝስሙ ሮማዊ በዓል ስልጣን “ጠንቂ ገበን: ድኽነት ኢዩ” በለ። እዚ ኣረኣእያታት እዚ ገለ ገለ ገበናት ዝፍጸም ብሰንኪ ድኽነት ኢዩ ዝብል ሓሳብ ዘመሓላልፍ ኢዩ ዝመስል። ሎሚ ዘለዉ ሓያሎ ሰባት ብፍላይ እቲ ገበን: ስርቂ ምስ ዝኸውን ምስዚ ከይተሰማምዑ ኣይተርፉን ኢዮም።

እቲ ግፉዓት ወይ ድኻታት እንተሰረቑ ዋላ ሓንቲ የብሉን ዝብል እምነት ኣዝዩ ግኑን ኢዩ። እስከ ነታ ብዛዕባ እቲ ሽፍታ ዝነበረ ሮቢን ሁድ እትገልጽ ናይ መበል 14 ዘመን ፍልጥቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ያታዊት ግጥሚ ርአ። እዛ ግጥሚ እዚኣ እቲ ዕሉል ሮቢን ሁድ ካብ ሃብታማት ዘሪፉ ንድኻታት የከፋፍሎም ከም ዝነበረ እትገልጽ ኢያ። ሮቢን ሁድ ካብ ዘመናት ኣትሒዙ ብጅግንነቱ ክፍለጥ ጸኒሑ ኢዩ።

ሎሚ ብዙሓት ሰባት ምስ ክቱር ቍጠባዊ ግድላት ይቃለሱ ምህላዎም ዝከሓድ ኣይኰነን። መዓልታዊ ድራር ዕለቶም ትሕቲ ሓደ ዶላር ኣመሪካ ዝዀነ 1.3 ቢልዮን ሰባት ከም ዘለዉ ዓለማዊ ባንክ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ጸብጻብ ሃበ። ብመሰረት ሓደ መጽናዕቲ 70 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ደቂ ፊሊፕንስ ድኻታት ምዃኖም ተዛረቡ። እቶም 20 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ኣብ ብራዚል ዘለዉ ዝለዓሉ ሃብታማት ካብቶም 20 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ናይ መወዳእታ ድኻታት ሰባት ብ32 ግዜ ዝተዓጻጸፍ እቶት ኣለዎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ንገሊኦም ሰባት ስለ ዘጕህዮም ድማ መዓልታዊ ድሌቶም ንኸማልኡ ኢሎም ስርቂ እውን ሓዊስካ ዝዀነ ይኹን ሜላ ክሳዕ ምጥቃም ይበጽሑ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንስርቂ ብንጹር ኢዩ ዝዅንኖ። ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት እታ ሳምነይቲ “ኣይትስረቕ” ትብል። (ዘጸኣት 20:⁠15) ገና ግን: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝኣምኑ ብዙሓት ሰባት እቲ ሰራቒ ኣብ ሕማቕ ቍጠባዊ ኵነታት ምስ ዝህሉ እሞ ምስ ዝሰርቕ ጌጋ የብሉን ኢሎም ንኽዛረቡ ይድረኹ ኢዮም።

እዚ ግን ብዕቱብ ክሕሰበሉ ዘለዎ ሕቶታት ዘልዕል ኢዩ:- ድኽነት ብሓቂ ንስርቂ ምኽንያት ዝኸውን ድዩ፧ ሓደ ሰብ ኣብ ክቱር ቍጠባዊ ጸገም ምስ ዝወድቕ: እንታይ ኢዩ ኽገብር ዘለዎ፧ ደቁ ምስ ዝሓሙ ወይ ብጥሜት ምስ ዝሳቐዩኸ እንታይ ይኹን፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት: ብፍላይ እቲ ዝስረቕ ኣቕሑ ነቲ በዓል ንብረት ዘይጐድኦ ምስ ዝኸውን: የሆዋ ኣምላኽ ስርቂ ይፈቅድ ድዩ፧

ኣምላኽ እንታይ ኢዩ ዝብል፧

የሱስ ናይ ኣቡኡ ባህርያት ስለ ዘንጸባረቐ: ኣብነቱ ንናይ ኣምላኽ ኣረኣእያ ንኽንርድኦ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። (ዮሃንስ 12:⁠49) የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ: ኣብቲ ምስ ድኻታት ዝነበሮ ርክብ ድንጋጽ ኣርእዩ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረአየ: . . . ደንገጸሎም” ይብል። (ማቴዎስ 9:⁠36) ይኹን እምበር: ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ስርቂ ፈጺሙ ኣይፈቐደን። ብተመሳሳሊ: ኣምላኽ ብድኻታት ዝግደስ እኳ እንተ​ዀነ: ድኽነት ንስርቂ ምኽንያት ከም ዝኸውን ገይሩ ግን ኣይርእዮን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢሳይያስ 61:⁠8 ኣምላኽ ‘ከትርን ዓመጻን ዝጸልእ’ ምዃኑ ይነግረና ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ሰረቕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርሱ ብንጹር ገሊጹ ኣሎ። ስለዚ ናይ ኣምላኽ ኣረኣእያ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ንፈልጥ ኢና።​—⁠1 ቈረንቶስ 6:⁠10

ይኹን እምበር: ምሳሌ 6:⁠30 “ሰራቒ ጠምዩ ኺዕንገል ኢሉ እንተ ሰረቐ: ሰብ ኣይንዕቆን እዩ” ትብል። እዚ ሓሳባት እዚ ግን ንስርቂ ዝድግፍ ድዩ፧ ኣይፋሉን። እቲ ኣብ ከባቢ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘሎ ሓሳብ: ኣምላኽ ገና ነቲ ሰራቒ ብበደሉ ከም ዝቐጽዖ ዝሕብር ኢዩ። እታ ስዒባ ዘላ ጥቕሲ “እንተ ተታሕዘ ኸኣ: ሾብዓተ ኢድ ይዐዲ: ኣብ ቤቱ ዘሎ ዅሉውን ይህብ” ትብል።​—⁠ምሳሌ 6:⁠31

እቲ ጠምዩ ዝሰርቕ ማዕረ እቲ ካብ ስስዐ ተበጊሱ ወይ ንኻልእ ሰብ ንምጕዳእ ብዝብል ዕላማ ዝሰርቕ ዘይኵነን ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተ​ዀነ: እቶም ስምረት ኣምላኽ ክረኽቡ ዝደልዩ ሰባት ግን ብዝዀነ ይኹን ዓይነት ስርቂ ተሓተቲ ክዀኑ የብሎምን። ክቱር ድኽነት ኣብ ዝህልወሉ ኵነታት እውን ከይተረፈ: ስርቂ ንኣምላኽ ዘሕስር ኢዩ። ምሳሌ 30:⁠8, 9 ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ደኽየስ ከይሰርቕ እሞ ስም ኣምላኸይ ከየቃልልሲ: . . . በቲ ዜድልየኒ እንጌራ መግበኒ።” እወ: እቲ ዝሰርቕ ሰብ ስም ኣምላኽ ኢዩ ዘጽርፍ። ስርቂ ዘይፍቕራዊ ተግባር ስለ ዝዀነ: ካብ ሃብታም ስረቕ ካብ ድኻ ብዘየገድስ ሓጢኣት ኢዩ። እቶም ንኣምላኽን ንብጾቶምን ዘፍቅሩ ሰባት ንስርቂ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣየእትውዎን ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 22:⁠39፣ ሮሜ 13:⁠9, 10

እቲ ሓደ ጽጉም ሰብ ንኽሰርቕ መሰል ከም ዘለዎ ንምርግጋጽ ዝቐርብ መርትዖታት ቅኑዕ ኣይኰነን። ከምዚ ኢልካ ምዝራብ: ልክዕ ከምቲ ሓደ ኣካላዊ ብቕዓት ዘይብሉ ስፖርታዊ ምእንቲ ኽዕወት ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ክወስድ መሰል ኣለዎ ኢልካ ምምጓት ኢዩ። እንተ ተዓወተ እውን ብሸፈጥ ኢዩ። ካልኦት ስፖርታውያን እዚ ሰብ እዚ ክስዕሮም ዝኸኣለ ሕጋዊ ዘይኰነ ሜላታት ተጠቒሙ ብምዃኑ እንተ ጐሃዩ ዘገርም ኣይኰነን። ናይቲ ሰራቒ ኵነታት እውን ከምኡ ኢዩ። ቅኑዕ ብዘይ​ኰነ መገዲ ኢዩ ናይ ካልኦት ንብረት ዝወስድ ዘሎ። ናብርኡ ጽጉም ብምዃኑ ንስርቁ ምኽኑይ ኣይገብሮን ኢዩ።

ስምረት ኣምላኽ ክረክብ ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰራቒ ካብ ኣካይድኡ ክናሳሕ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ዝሰረቐ: . . . ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይጽዐር እምበር: ደጊምሲ ኣይስረቕ” ብምባል ይምዕድ። (ኤፌሶን 4:⁠28) እቶም ብሓቂ ዝናስሑ ሰረቕቲ የሆዋ ይቕረ ከም ዝብለሎም ክተኣማመኑ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ህዝቅኤል 33:⁠14-16

እቲ ድኻ እንታይ ኢዩ ክገብር ዝኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ንነፍሲ ጻድቕ ክትጠሚ ኣይሐድጋን: ንህርፋን ረሲኣን ግን የንኰላልፎ” ኢሉ ይማባጻዕ። (ምሳሌ 10:⁠3) ኣምላኽ ነቶም ድሌቶም ንኸማልኡ ደይመደይ ኢሎም ሕጉ ዝጥሕሱ ሰባት ኣይሕግዞምን ኢዩ። ነቶም ንኽእዘዝዎ ብቕንዕና ዝጽዕሩ ሰባት ግን ይድንግጸሎም: ዘድልዮም ነገራት ንኽረኽቡ ዝገብርዎ ጻዕሪ ድማ ይባርኾ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 37:⁠25

ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣምላኻዊ ስርዓታት እንተ​ድኣ ስዒቦም: ናብርኦም ክመሓየሽ ከም ዝኽእል ተረዲእዎም ኢዩ። ንኣብነት: ነቲ ህርኩት ንምዃን ከምኡውን ካብ ምጥላዕ: ምስካር: ሽጋራ ምትካኽን ሓሽሽ ምውሳድን ዝኣመሰለ ሕማቕ ኣመላት ንምልጋስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓሎም ካብቲ ብሓቂ ዘድልዮም ንላዕሊ ንኽረኽቡ ኣኽኢልዎም ኢዩ። (ገላትያ 5:⁠19-21) እዚ ግን እምነት ከርእዩ ዝሓቶም ኢዩ። እቶም ከምዚ ዝገበሩ ሰባት “እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ:” ነቶም ኣብኡ ዝውከሉ ሰባት ድማ ብሓቂ ከም ዝሕግዞም ተማሂሮም ኢዮም።​—⁠መዝሙር 34:⁠8

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ሮቢን ሁድ:- General Research Division/The New York Public Library/Astor, Lenox and Tilden Foundations

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ