እያሱ
16 ንደቂ ዮሴፍ+ ዝበጽሖም ዕጫ፡+ ካብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ናብቲ ብምብራቕ ያሪኮ ዘሎ ማያት፡ ካብ ያሪኮ ናብ ኣኽራን ቤት-ኤል ዜደይብ በረኻ እዩ።+ 2 ካብ ቤት-ኤል ናይ ሉዝ ወጺኡ ኸኣ፡ ክሳብ እታ ኣብ ዶብ ኣርካውያን ዘላ ዓጣሮት ሓለፈ፣ 3 ናብ ምዕራብ ናብ ዶብ ያፍለጣውያን ድማ፡ ክሳብ ዶብ ታሕተዋይ ቤት-ሖሮንን+ ጌዘርን+ ወረደ፡ ኣብ ባሕሪ ኸኣ ኣብቅዐ።
4 ደቂ ዮሴፍ፡+ ምናሴን ኤፍሬምን፡ ድማ ርስቶም ወሰዱ።+ 5 ዶብ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም ከኣ እዚ እዩ፦ ዶብ ርስቶም፡ ብምብራቕ ዓጣሮት-ኣዳር+ ክሳብ ላዕለዋይ ቤት-ሖሮን+ እዩ፣ 6 እቲ ዶብ ድማ ናብ ባሕሪ ወጸ። ሚክመታት+ ኣብ ሰሜን ነበረት፣ እቲ ዶብ ናብ ምብራቕ ናብ ታኣናት-ሺሎ ዞይሩ ኸኣ፡ ናብ ምብራቕ ናብ ያኖኣ ሓለፈ። 7 ካብ ያኖኣ ድማ ናብ ዓጣሮትን ናዓራን ወሪዱ፡ ናብ ያሪኮ+ በጺሑ፡ ናብ ዮርዳኖስ ወጸ። 8 እቲ ዶብ ካብ ታጱኣ+ ናብ ምዕራብ ናብ ርባ ቃና ኸይዱ፡ ኣብ ባሕሪ ኣብቅዐ።+ ርስቲ ነገድ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፣ 9 ደቂ ኤፍሬም ኣብ ማእከል ርስቲ ምናሴ እተኸብባ ኸተማታት፡ ኵለን እተን ከተማታትን ሰፈራተንን እውን ነበራኦም።+
10 ንሳቶም ግና ነቶም ኣብ ጌዘር+ ዚቕመጡ ዝነበሩ ከነኣናውያን ኣይሰጐጕዎምን፣ እቶም ከነኣናውያን ድማ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ መንጎ ኤፍሬም ይቕመጡ ኣለዉ፡+ ብግዲ ዚሽቅሉ ኸኣ ኰኑ።+