ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 42
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • መረባዕ እቲ መመገቢ ኽፍሊ (1-14)

      • ኣርባዕተ ሸነኽ እታ ቤተ መቕደስ ተለክዐ (15-20)

ህዝቅኤል 42:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 40:2
  • +ህዝ 42:13
  • +ህዝ 41:12, 15

ህዝቅኤል 42:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እዚ ንነዊሕ እመት የመልክት። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ህዝቅኤል 42:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 41:10

ህዝቅኤል 42:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እቲ ኽፍልታት።”

  • *

    ብመሰረት እቲ ብግሪኽኛ እተዳለወ ሰፕቱጀንት (ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት)፡ “100 እመት ዝንውሓቱ።” እቲ ብእብራይስጢ እተዳለወ ጽሑፍ፡ “መገዲ ሓደ እመት።” ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 42:10, 11

ህዝቅኤል 42:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ግፍሒ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 41:12፣ 42:1

ህዝቅኤል 42:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 42:4

ህዝቅኤል 42:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 42:9

ህዝቅኤል 42:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 42:1
  • +ዘሌ 6:14, 16፣ 7:1, 6፣ 10:12, 13፣ 24:8, 9፣ ዘሁ 18:10፣ ህዝ 40:46
  • +ዘሌ 2:3፣ ዘሁ 18:9፣ ነህ 13:5

ህዝቅኤል 42:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 28:40፣ 29:8, 9፣ ዘሌ 8:13፣ ህዝ 44:19

ህዝቅኤል 42:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ነታ ውሽጣዊት ቤት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 40:6

ህዝቅኤል 42:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ህዝቅኤል 42:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 10:10፣ ህዝ 44:23፣ 2ቈረ 6:17
  • +ህዝ 45:1, 2
  • +ህዝ 40:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 149-150፡ 152፡ 156

ሓፈሻዊ

ህዝ. 42:1ህዝ 40:2
ህዝ. 42:1ህዝ 42:13
ህዝ. 42:1ህዝ 41:12, 15
ህዝ. 42:3ህዝ 41:10
ህዝ. 42:4ህዝ 42:10, 11
ህዝ. 42:10ህዝ 41:12፣ 42:1
ህዝ. 42:11ህዝ 42:4
ህዝ. 42:12ህዝ 42:9
ህዝ. 42:13ህዝ 42:1
ህዝ. 42:13ዘሌ 6:14, 16፣ 7:1, 6፣ 10:12, 13፣ 24:8, 9፣ ዘሁ 18:10፣ ህዝ 40:46
ህዝ. 42:13ዘሌ 2:3፣ ዘሁ 18:9፣ ነህ 13:5
ህዝ. 42:14ዘጸ 28:40፣ 29:8, 9፣ ዘሌ 8:13፣ ህዝ 44:19
ህዝ. 42:15ህዝ 40:6
ህዝ. 42:20ዘሌ 10:10፣ ህዝ 44:23፣ 2ቈረ 6:17
ህዝ. 42:20ህዝ 45:1, 2
ህዝ. 42:20ህዝ 40:5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 42:1-20

ህዝቅኤል

42 ሽዑ፡ ናብቲ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ናብ ሰሜን መርሓኒ።+ ናብቲ ኣብ ጥቓ እቲ ኽፉት ቦታ፡+ ብሰሜን እቲ ምስኡ ዝለገበ ህንጻ ዘሎ መረባዕ እቲ መመገቢ ኽፍሊ ኣምጽኣኒ።+ 2 ንውሓቱ ኸኣ ብሰሜናዊ መእተዊ 100 እመት* ነበረ፣ ግፍሑ ድማ 50 እመት ነበረ። 3 ኣብ መንጎ እቲ 20 እመት ዝግፍሑ ናይ ውሽጢ ኣጸድን+ እምኒ እተነጽፎ ባይታ እቲ ናይ ወጻኢ ኣጸድን ነበረ። መተሓላለፊታቱ ኣብ ሰለስቲኡ ባይታ ሓደ ኣብ መንጽር እቲ ሓደ ነበረ። 4 ኣብ ቅድሚ እቲ መመገቢ ኽፍልታት* 10 እመት ዝግፍሑን 100 እመት ዝንውሓቱን* ውሽጣዊ መገዲ ኣሎ።+ 5 እቲ መተሓላለፊታት ስፍራ ስለ ዝወሰደ፡ ላዕለዋይ መመገቢ ኽፍልታት እቲ ህንጻ፡ ካብቲ ኣብ ታሕተዋይን ኣብ ማእከላይን ባይታ ዘሎ ይጸብብ ነበረ። 6 ሰለስተ ባይታ ዘለዎ እኳ እንተ ዀነስ፡ ከምቲ ኣዕኑድ እቲ ኣጸድ ዝበለ ኣዕኑድ ኣይነበሮን። ስለዚ፡ ካብቲ ታሕተዋይን ማእከላይን ባይታ ዚዛይድ ስፍራ ኻብኡ ተወስደ።

7 እቲ ኣብ ጥቓ መመገቢ ኽፍልታት ናብቲ ኻልእ መመገቢ ኽፍልታት ገጹ ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ዜብል ናይ ወጻኢ መንደቕ 50 እመት ዝንውሓቱ ነበረ። 8 ከመይሲ፡ ንውሓት እቲ ናብቲ ናይ ኣጸድ ዜብል መመገቢ ኽፍልታት 50 እመት ነበረ፣ እቲ ናብታ መቕደስ ገጹ ዜብል ግና፡ 100 እመት ነበረ። 9 እቲ መመገቢ ኽፍልታት፡ ብሸነኽ ምብራቕ ካብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ናብኡ ዜምርሕ መእተዊ ነበሮ።

10 ኣብ ውሽጢ* እቲ ናብ ምብራቕ ዜብል መንደቕ እቲ ኣጸድ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኽፉት ቦታን እቲ ህንጻን እውን መመገቢ ኽፍልታት ነበረ።+ 11 ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ከምቲ ናይተን ሰሜናዊ መመገቢ ኽፍልታት ዝበለ መገዲ ነበረ።+ ንሳተን ድማ ሕደ ንውሓትን ግፍሕን፡ ሕደ መውጽእን ንድፍን ነበረን። መእተዊታተን ከኣ 12 ከም መእተዊታት እተን ናብ ደቡብ ዜብላ መመገቢ ኽፍልታት እዩ። ኣብ መጀመርታ እቲ መገዲ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናብ ምብራቕ ዜብል ምስኡ ዝለገበ መንደቕ፡ ሰብ ዚኣትወሉ መእተዊ ነበረ።+

13 ሽዑ፡ ከምዚ በለኒ፦ “እተን ኣብ ጥቓ ኽፉት ቦታ+ ዘለዋ መመገቢ ኽፍልታት ሰሜንን መመገቢ ኽፍልታት ደቡብን፡ እቶም ናብ የሆዋ ዚቐርቡ ኻህናት ነቲ ቕዱስ ቅዱሳን ዚበልዑለን ቅዱሳት መመገቢ ኽፍልታት እየን።+ እቲ ቦታ ቕዱስ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ቕዱስ ቅዱሳንን መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን የንብሩ።+ 14 እቶም ካህናት ምስ ኣተዉ፡ እቲ ዜገልግሉሉ ኽዳውንቲ+ ኸየውጽኡ፡—እዝስ ቅዱስ እዩ፡—ካብታ መቕደስ ናብ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ኣይውጽኡ። ናብቲ ንህዝቢ እተፈቕደ ቦታታት ምእንቲ ኪቐርቡ፡ ካልእ ክዳውንቲ ይከደኑ።”

15 ነቲ ውሽጣዊ ቦታ ቤተ መቕደስ* ለኪዑ ምስ ወድአ፡ በቲ ናብ ምብራቕ ገጹ ዜብል መገዲ ኣፍ ደገ ኣውጽኣኒ፣+ ንብዘሎ እቲ ቦታ እውን ለክዖ።

16 ነቲ ምብራቓዊ ሸነኽ ከኣ ብሻምብቆ* መለክዒ ለክዖ። በቲ ሻምብቆ መለክዒ ድማ፡ ካብ ሓደ ሸነኽ ክሳብ እቲ ሓደ 500 ሻምብቆ ዝንውሓቱ ነበረ።

17 ነቲ ሰሜናዊ ሸነኽ ለክዖ፣ በቲ ሻምብቆ መለክዒ ድማ፡ 500 ሻምብቆ ዝንውሓቱ ነበረ።

18 ነቲ ደቡባዊ ሸነኽ ለክዖ፣ በቲ ሻምብቆ መለክዒ ድማ፡ 500 ሻምብቆ ዝንውሓቱ ነበረ።

19 ነቲ ምዕራባዊ ሸነኽ ለክዖ፣ በቲ ሻምብቆ መለክዒ ድማ፡ 500 ሻምብቆ ዝንውሓቱ ነበረ።

20 ብኣርባዕቲኡ ሸነኽ ለክዖ። ኣብ መንጎ እቲ ቕዱስን ተራን ንምፍልላይ ከኣ፡+ 500 ሻምብቆ ዝንውሓቱን 500 ሻምብቆ ዝግፍሑን+ መንደቕ ብዙርያኡ ነበሮ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ