ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 35
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ኣንጻር ኣኽራን ሰዒር እተዘርበ ትንቢት (1-15)

ህዝቅኤል 35:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 32:3፣ ዘዳ 2:5
  • +ኤር 49:8፣ ድጕ 4:22፣ ህዝ 25:8, 9፣ ኦብ 1

ህዝቅኤል 35:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 25:12, 13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 7

ህዝቅኤል 35:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮኤ 3:19፣ ሚል 1:3

ህዝቅኤል 35:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:41፣ ኣሞ 1:11
  • +መዝ 137:7፣ ኦብ 10

ህዝቅኤል 35:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኦብ 15
  • +ህዝ 25:14

ህዝቅኤል 35:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 25:13

ህዝቅኤል 35:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 49:17, 18፣ ህዝ 25:13፣ ሚል 1:4

ህዝቅኤል 35:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 36:5፣ ኦብ 13

ህዝቅኤል 35:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኣሞ 1:11

ህዝቅኤል 35:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ምግቢ ኪዀኑና።”

ህዝቅኤል 35:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኦብ 3

ህዝቅኤል 35:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 4:21፣ ኦብ 12, 15
  • +ኢሳ 34:5፣ ህዝ 25:12, 13፣ 36:5

ሓፈሻዊ

ህዝ. 35:2ዘፍ 32:3፣ ዘዳ 2:5
ህዝ. 35:2ኤር 49:8፣ ድጕ 4:22፣ ህዝ 25:8, 9፣ ኦብ 1
ህዝ. 35:3ህዝ 25:12, 13
ህዝ. 35:4ዮኤ 3:19፣ ሚል 1:3
ህዝ. 35:5ዘፍ 27:41፣ ኣሞ 1:11
ህዝ. 35:5መዝ 137:7፣ ኦብ 10
ህዝ. 35:6ኦብ 15
ህዝ. 35:6ህዝ 25:14
ህዝ. 35:7ህዝ 25:13
ህዝ. 35:9ኤር 49:17, 18፣ ህዝ 25:13፣ ሚል 1:4
ህዝ. 35:10ህዝ 36:5፣ ኦብ 13
ህዝ. 35:11ኣሞ 1:11
ህዝ. 35:13ኦብ 3
ህዝ. 35:15ድጕ 4:21፣ ኦብ 12, 15
ህዝ. 35:15ኢሳ 34:5፣ ህዝ 25:12, 13፣ 36:5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 35:1-15

ህዝቅኤል

35 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ኣኽራን ሰዒር+ ኣብል እሞ ኣንጻሩ ተነበ።+ 3 ከምዚ እውን በሎ፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣታ ኣኽራን ሰዒር፡ እንሆ፡ ኣንጻርካ እየ፣ ኢደይ ከኣ ኣብ ልዕሌኻ ኽዝርግሕ፡ ባድም ድማ ክገብረካ እየ።+ 4 ንኸተማታትካ ዑናታት ክገብረን፡ ንስኻ እውን ባድም ክትከውን ኢኻ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጥ ኢኻ። 5 ከመይሲ፡ ዘየቋርጽ ጽልኢ ነይሩካ እዩ፣+ ንእስራኤላውያን ድማ ብግዜ መዓቶም፡ ብግዜ ናይ መወዳእታ መቕጻዕቶም ንሰይፊ ኣሕሊፍካ ሂብካዮም ኢኻ።”’+

6 “‘ስለዚ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ንምፍሳስ ደም ከዳልወካ እየ፣ ምፍሳስ ደም ከኣ ኪስዕበካ እዩ።+ ደም ስለ ዝጸላእካ፡ ምፍሳስ ደም ኪስዕበካ እዩ።+ 7 ንኣኽራን ሰዒር ባድም ክገብሮ፡+ ብእኡ ዚሓልፍን ዚምለስን ዘበለ ድማ ካብኡ ኽምንቍስ እየ። 8 ንኣኽራኑ ኸኣ ብቕቱላት ክመልኦ እየ፣ እቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ድማ ኣብ ኵርባታትካን ኣብ ስንጭሮታትካን ኣብ ኵሉ ወሓይዝካን ኪወድቁ እዮም። 9 ንሓዋሩ ኸባድመካ እየ፣ ከተማታትካ ድማ ነበርቲ ኣይኪህልወንን እዩ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።’

10 “የሆዋ ኣብኡ ኸሎስ፡ ‘እዞም ክልተ ኣህዛብ እዚኦምን እዘን ክልተ ሃገራት እዚአንን ናተይ ኪዀኑ እዮም፡ ንኽልቲኦም ከኣ ክንርስተዮም ኢና’+ ስለ ዝበልካ፡ 11 ‘ስለዚ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ኣነ ኸምቲ ጸሊእካዮም ብቝጥዓን ብቕንእን ዝገበርካዮ ነገር፡ ከምኡ ኽገብረካ እየ፣+ ምስ ፈረድኩኻ ድማ፡ ኣባታቶም ርእሰይ ከፍልጥ እየ። 12 ሽዑ፡ ኵሉ እቲ፡ “ባዲሞም፡ ክንውሕጦም* ከኣ ተዋሂቦምና እዮም” ኢልካ ብዛዕባ ኣኽራን እስራኤል እተዛረብካዮ ንዕቀት፡ ኣነ የሆዋ ኸም ዝሰማዕክዎ ኽትፈልጥ ኢኻ። 13 ብትዕቢት እውን ኣንጻረይ ተዛሪብካ፡ ኣንጻረይ እውን ቃላትካ ኣብዚሕካ ኢኻ።+ ኵሉ ሰሚዐዮ ኣለኹ።’

14 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ምስ ኣባደምኩኻ፡ ብዘላ ምድሪ ኽትሕጐስ እያ። 15 ከምቲ ርስቲ ቤት እስራኤል ምስ ባደመት እተሓጐስካ፡ ኣነ ኸምኡ ኽገብረካ እየ።+ ኣታ ኣኽራን ሰዒር፡ እወ፡ ኵልኻ ኤዶም፡ ክትባድም ኢኻ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።’”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ