ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 26
  • እንተ ጸልየ ኣምላኽ ኪሕግዘኒ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እንተ ጸልየ ኣምላኽ ኪሕግዘኒ ድዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • የሆዋ ይሰምዓና ድዩ፧
    ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ኣምላኽ ንጸሎትና ይሰምዖ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
  • ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ምቕራብ
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • ፍሉይ መሰል ጸሎት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 26

እንተ ጸልየ ኣምላኽ ኪሕግዘኒ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

እወ፡ ኣምላኽ ነቶም ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዖም ብቕንዕና ናብኡ ዚጽልዩ ሰባት ይሕግዞም እዩ። ቅድሚ ሕጂ፡ ጸሊኻ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ ኣብነት እቶም “ኦ ኣምላኽ፡ ርድኣኒ” ብምባል ዝጸለዩ ሰባት፡ ክትጽሊ ኸተባብዓካ እዩ። ንኣብነት፦

  • “ኣምላኸይ፡ ርድኣኒ፡ . . . ብመጠን ጸጋኻ አናግፈኒ።”—መዝሙር 109:26፡ ትርጉም 1956።

  • “ኣነ ግና ረዳኢ ኣልቦን ድኻን እየ. . . ንስኻ ረዳእየይን መናገፍየይን ኢኻ።”—መዝሙር 40:17።

ርግጽ እዩ፡ እቲ ጸሓፊ እዘን ቃላት እዚአን፡ ኣብ ኣምላኽ ጽኑዕ እምነት ነይርዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ፡ ነቶም “ስቡር ዝልቦም” ወይ “መንፈሶም እተደቝሰ” ሰባት፡ ብቕንዕና ናብኡ ኺጽልዩ ኸለዉ ይሰምዖም እዩ።—መዝሙር 34:18።

ኣምላኽ ካባኻ ኣዝዩ ርሑቕ ኰይኑ ስለ እተሰማዓካ፡ በቲ ዜጋጥመካ ጸገማት ፈጺሙ ኸም ዘይግደስ ጌርካ ኣይትሕሰብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ልዑል እኳ እንተ ዀነ፡ ንትሑት የስተብህለሉ፣ ንዕቡይ ግና ካብ ርሑቕ ጥራይ እዩ ዚፈልጦ” ይብል። (መዝሙር 138:6) እኳ ደኣ፡ የሱስ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኵለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ተቘጺረን እየን” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 10:30) ኣምላኽ ብዛዕባኻ፡ ካብቲ ንስኻ እትፈልጦ ንላዕሊ ኣድቂቑ እዩ ዚፈልጥ። ብዛዕባ ዜጨንቐካ ነገራት ሓገዝ ደሊኻ ናብኡ ምስ እትጽሊ፡ ኣጸቢቑ ኺሰምዓካ እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:7።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ