ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w18 ጥቅምቲ ገጽ 32
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እስጢፋኖስ “ሞገስ ኣምላኽን ሓይልን መሊእዎ ነበረ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • “እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ”
    ብትብዓት ምስ ኣምላኽ ተመላለስ
  • እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ተቐትለ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
w18 ጥቅምቲ ገጽ 32

ትፈልጥዶ፧

እስጢፋኖስ እቲ ወደ መዝሙር፡ መስጐጕቲ ኼጋጥሞ ኸሎ፡ ኣመና ኺሃድእ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

እስጢፋኖስ ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ኣብ ገጹ ህድኣት ይንበብ

እስጢፋኖስ ኣብ ቅድሚ ተጻባእቲ ሰባት ቀረበ። እቲ ዋዕላ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ስለ ዝነበረ፡ እቶም 71 ደያኑ ኣብቲ ህዝቢ ዝለዓለ ስልጣን ነይርዎም እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ እቲ ቕድሚ ገለ ኣዋርሕ ንየሱስ ንሞት ዝፈረዶ ቀያፋ እቲ ሊቀ ኻህናት እዩ ነቲ ኣኼባ ዚመርሖ ነይሩ። (ማቴ. 26:57, 59፣ ግብ. 6:8-12) ሓሰውቲ መሰኻኽር በብተራ ኼምጽኡ ኸለዉ ድማ፡ ኣብ እስጢፋኖስ ዜገርም ነገር ረኣዩ፣ ገጹ “ኸም ገጽ መልኣኽ” ኰይኑ ተራእዮም።—ግብ. 6:13-15።

እስጢፋኖስ ኣብቲ ዜፍርህ ኵነታት ከመይ ኢሉ እዩ ህድኣትን ርግኣትን ኪህልዎ ኽኢሉ፧ ናብቲ ዋዕላ ቕድሚ ምቕራቡ፡ ብሓይሊ መንፈስ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣገልግሎት እዩ ተጸሚዱ ነይሩ። (ግብ. 6:3-7) ኣብቲ መጋባእያ ኸሎ ድማ፡ እቲ መንፈስ እቲ መጸናንዕን መዘኻኸርን ኰይኑ ኣብኡ ይዓዪ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 14:16፡ እ.ጽ.) ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 7 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ እስጢፋኖስ ብትብዓት ኪማጐት ከሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣስታት 20 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዚኸውን ጥቕስታት ኣዘኻኺርዎ እዩ። (ዮሃ. 14:26) ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ሽዑ ዝረኣዮ ራእይ፡ የሱስ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ ምስ ረኣየ፡ እምነቱ ብዝያዳ ደልዲላ እያ።—ግብ. 7:54-56, 59, 60።

ንዓና እውን ምፍርራህን መስጐጕትን የጋጥመና ይኸውን። (ዮሃ. 15:20) ኣዘውቲርና ኻብ ቃል ኣምላኽ ብምምጋብን ኣብ ኣገልግሎት ንጡፋት ብምዃንን፡ ንመንፈስ የሆዋ ኣባና ኸም ዚዓዪ ኽንገብሮ ንኽእል ኢና። ውሽጣዊ ሰላምና ኸየጥፋእና ድማ ንተቓውሞ ንምጽዋር ብርታዕ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።—1 ጴጥ. 4:12-14።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ