ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 15/4 ገጽ 32
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣኼባና ኣይንሕደግ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ምሕዳር ህይወት የድሕን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 15/4 ገጽ 32

ትፈልጥዶ፧

ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ድሕሪ 70 ድ.ክ. እንደገና ተሃኒጻ ድያ፧

የሱስ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተነቢሩ ኸይፈረሰ ኸቶ ኸም ዘይተርፍ ገለጸ። እዚ ትንቢት እዚ ኸኣ፡ ብ70 ድ.ክ. እቶም ብቲቶስ እተመርሑ ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ምስ ኣዕነውዋ እዩ ተፈጺሙ። (ማቴ. 24:2) ድሕሪኡ፡ ሃጸይ ጁልያን ነታ ቤተ መቕደስ እንደገና ኺሃንጻ መደብ ኣውጽአ።

ጁልያን ናይ መወዳእታ ኣረማዊ ሃጸይ ሮሜ ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። እዚ ወዲ ሓዉ ንቆስጣንጢኖስ ዓብዪ፡ “ትምህርቲ ክርስትና” ዚብልዎ ተማሂሩ እዩ። ብ361 ድ.ክ. ሃጸይ ምስ ተባህለ ግና፡ ንኣረማውነት ተቐቢሉ ነቲ እተማህሮ ትምህርቲ ዀነ ነቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ብልሹው ዓይነት ክርስትና ብጋህዲ ነጸጎ። መጻሕፍቲ ታሪኽ ከም “ከሓዲ” እዮም ዚጠቕስዎ።

ጁልያን ንክርስትና ጸልኦ። ሓደ ኻብቲ ምኽንያት ከኣ፡ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ከሎ፡ ተወከልቲ ክርስትና ንኣቦኡን ንኣዝማዱን ኪቐትልዎም ከለዉ ስለ ዝረኣየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብመሰረት ጸሓፍቲ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን፡ ጁልያን የሱስ ናይ ሓሶት ነብዪ ኸም ዝነበረ መርትዖ ኪኸውን ኢሉ፡ ነቶም ኣይሁድ ነታ ቤተ መቕደስ ኪሃንጽዋ ኣተባቢዕዎም እዩ።a

ጁልያን ነታ ቤተ መቕደስ እንደ ገና ኺሃንጻ ኸም ዝመደበ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ነቲ ዕዮ ህንጸት ብሓቂ ጀሚርዎ እንተ ዀይኑ፡ እንተ ጀሚርዎ ኸኣ ከም ዚቋረጽ ዝገበሮ እንታይ ምዃኑ ይካትዕሉ እዮም። ሓደ ርግጽ ዝዀነ ነገር ግና ኣሎ። ጁልያን ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ፡ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ተቐቲሉ እዩ። እቲ ዕዮኡ ኸኣ ምስኡ ተቐብረ።

እቲ ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበረ ቤተ መቕደስ ነዚ ይመስል ነበረ

a የሱስ እታ ቤተ መቕደስ ከም እትዓኑ ደኣ እምበር፡ ፈጺማ ኸም ዘይትህነጽ ኣይተዛረበን። ከምቲ ዝበሎ ድማ ብ70 ድ.ክ. ዓንያ እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ