ንመንእሰያትና
ትብዓት ሓደ መንእሰይ
መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።
ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—1 ሳሙኤል 17:1-11, 26, 32-51 ኣንብብ።
ትርኢትን ደሃይን ጐልያድ ከመይ ከም ዚመስለካ ግለጽ።
․․․․․
ዳዊት ኣባል ሰራዊት እስራኤል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ምስ ጐልያድ ኣብ እተገብረ ውግእ ንኺሳተፍ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ (ቍጽሪ 26 ርአ።)
․․․․․
ዳዊት፡ የሆዋ ኸም ዚረድኦ ንኺኣምን መሰረት ዝዀኖ እንታይ እዩ፧ (ቍጽሪ 34-37 ደጊምካ ኣንብብ።)
․․․․․
ዝያዳ ምርምር ግበር።
በቲ ኽትረኽቦ እትኽእል ምርምር ንምግባር ዚሕግዝ ናውቲ ጌርካ፡ ነዚ ዚስዕብ መልሲ ኽትህብ ፈትን፦
(1) ቍመት ጐልያድ። (1 ሳሙኤል 17:4)
ሽዱሽተ እመትን ስድርን = ․․․․․.
(2) ክብደት ድርዒ ጐልያድ። (1 ሳሙኤል 17:5)
5,000 ሲቃል ኣስራዚ = ․․․․․.
(3) ክብደት ብልሒ ዂናቱ። (1 ሳሙኤል 17:7)
600 ሲቃል ሓጺን = ․․․․․.
ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦
ትብዓት።
․․․․․
ኣብ ብርታዐኻ ዘይኰነስ፡ ኣብ የሆዋ ምውካል።
․․․․․
ተወሳኺ ኣወዓዕላ።
ከም ጐልያድ ዝኣመሰለ እንታይ ዕንቅፋት ኬጋጥመካ ይኽእል፧
․․․․․
የሆዋ ኸም ዘይሓድገካ ዘእመነካ፡ እንታይ (ናትካ ዀነ ናይ ካልኦት) ተመክሮታት እዩ፧
․․․․․
ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧
․․․․․