ንኣምላኽ ቅረቦ
ወትሩ ቕኑዕ ዚገብር ፈራዲ
ፍትሒ። ቅንዕና። ኣድልዎ ዘይምህላው። በዚ ኽቡር ባህርያት ኣይትሰሓብንዶ፧ ንሕና ሰባት ብተፈጥሮና ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ኢና እንደሊ። እቲ ዜሕዝን ግን፡ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም፡ ፍትሒ ብቐሊሉ ኣይትርከብን እያ። ኰይኑ ግን፡ ሓደ ኽንኣምኖ ዚግብኣና ፈራዲ ኣሎ፣ ንሱ ድማ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። ወትሩ ቕኑዕ እዩ ዚገብር። ኣብቲ ኣብ ዘፍጥረት 18:22-32 ተመዝጊቡ ዘሎ የሆዋ ምስ ኣብርሃም ዝገበሮ ዝርርብ፡ እዚ ንጹር ኰይኑ ኣሎ።a
የሆዋ ንኣብርሃም ብዛዕባ እቲ ኣብ ሶዶምን ጎሞራን ዝነበረ ዅነታት ኪምርምር ከም ዝወሰነ ምስ ነገሮ፡ ኣብርሃም ብዛዕባ እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ጻድቃን ኰነ ብዛዕባ ሎጥ ወዲ ሓዉ ኣተሓሳሰቦ። ኣብርሃም ንየሆዋ፡ “ነቲ ጻድቕከ ምስቲ ረሲእዶ ኸተጥፍኦ ኢኻ፧ ምናልባሽ ኣብታ ኸተማ ሓምሳ ጻድቃን ይርከቡ ይዀኑ እዮም እሞ፡ . . . ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ሓምሳ ጻድቃን ኢልካስ ነታ ቦታዶ ኣይትንሕፋን፧” ኢሉ ለመኖ። (ቍጽሪ 23, 24) ኣምላኽ ከኣ ኣብተን ከተማታት 50 ጻድቃን እንተ ተረኺቦም፡ ከም ዚንሕፈን ነገሮ። ኣብርሃም ነቲ ቝጽሪ ዓሰርተ ኽሳዕ ዚበጽሕ እናነከየ ሓሙሽተ ሳዕ ንየሆዋ ለመኖ። ኣምላኽ ድማ ክንድኡ ዚኣኽሉ ጻድቃን ኣብተን ከተማታት እንተ ኣልዮም፡ ከም ዘየጥፍአን ደጋጊሙ ኣረጋገጸሉ።
ኣብርሃም ምስ ኣምላኽ ይማጐት ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ከምኡ ምግባር እሞ ተራእዩ ዘይፈልጥ ትዕቢት ምዀነ። ኣብርሃም ኣብ ዘረባኡ፡ ግቡእ ኣኽብሮትን ትሕትናን ኣርእዩ እዩ። “መሬትን ሓመዅስትን” ምዃኑ ተኣሚኑ እዩ። (ቍጽሪ 27, 30-32) ብተወሳኺ፡ ኣብ ቅንዕና የሆዋ ዝነበሮ ምትእምማን ኣብ ቃላቱ ተንጸባሪቑ እዩ። ነቲ ጻድቕ ምስቲ ረሲእ ምቕታሉ ኻብ ኣምላኽ “ይርሐቕ” ኢሉ ኽልተ ሳዕ ተዛረበ። እዚ ሓደ ኻብቶም እሙናት ኣበው፡ “እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ፧” ብምባል ምትእምማኑ ገለጸ።—ቍጽሪ 25።
ኣብርሃም ቅኑዕ ድዩ ተዛሪቡ፧ ብእተወሰነ ቕኑዕ እዩ፡ ብእተወሰነ ግን ተጋግዩ እዩ። ኣብ ሶዶምን ጎሞራን እንተ ወሓደ ዓሰርተ ጻድቃን ከም ዘለዉ ዝሃቦ ሓሳብ ጌጋ እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ‘ነቲ ጻድቕ ምስቲ ረሲእ ከቶ ኸም ዘይጥፍኦ’ ምዝራቡ ግን ብርግጽ ኣይተጋገየን። ጸኒሑ ኣምላኽ ነተን እኩያት ከተማታት ምስ ኣጥፍአን፡ እቲ ጻድቕ ዝነበረ ሎጥን ክልተ ኣዋልዱን ብሓገዝ መላእኽቲ ደሓኑ።—2 ጴጥሮስ 2:7-9።
እዚ ጸብጻብ እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ዚምህረና፧ የሆዋ ነዘን ከተማታት ኪምርምረን ከም ዝሓሰበ ንኣብርሃም ኪነግሮ ኸሎ፡ ስምዒቱ ኺገልጽ እዩ ዚዕድሞ ነይሩ። ኣብርሃም ብዛዕባ እቲ ዘተሓሳሰቦ ነገራት ኪገልጽ ከሎ ድማ፡ ብትዕግስቲ ጽን ኢሉ ሰምዖ። (ኢሳይያስ 41:8) የሆዋ ነቶም ምድራውያን ኣገልገልቱ ኽብረቶም ዚሕልወሎም ትሕትና ዜርኢ ኣምላኽ ምዃኑ ዜርኢ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ትምህርቲ ዀን እዩ! እምበኣር፡ ኣብቲ ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ዚገብር ፈራዲ ዝዀነ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንውከል ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ የሆዋ በቲ ኣብ ክንዳኡ ዀይኑ ዚዛረብ መልኣኽ እዩ ተወኪሉ ዘሎ። ካልእ ኣብነት እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ዘፍጥረት 16:7-11, 13 ርአ።
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ኣብርሃም ንየሆዋ ብዛዕባ ሶዶምን ጎሞራን ለመኖ