ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • rr ገጽ 102-103
  • ስለምንታይ 1919፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስለምንታይ 1919፧
  • ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 1919—ቅድሚ ሚእቲ ዓመት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ተወሊዳ
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓራ ወጺኦም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • እቶም “ንቑጻት ኣዕጽምቲ” ምስቶም “ክልተ መሰኻኽር” እንታይ ዝምድና ኣለዎም፧
    ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
ዝያዳ ርአ
ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
rr ገጽ 102-103
ጆሴፍ ራዘርፎርድ ብ1919 ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእዋም ንእተቐመጡ ብዙሓት ተኣከብቲ መደረ የቕርበሎም።

እቲ ብ1919 እተገብረ ታሪኻዊ ኣኼባ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ ኻብ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ኸም ዝወጹ ዜርኢ ሓያል መርትዖ እዩ

ሳጹን ትምህርቲ 9ለ

ስለምንታይ 1919፧

ህዝቢ ኣምላኽ ብ1919 ካብ ባርነት ዓባይ ባቢሎን ሓራ ወጺኦም እንብል ስለምንታይ ኢና፧ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስን ታሪኽን እዩ ናብዚ መደምደምታ እዚ ኽንበጽሕ ኣኽኢሉና።

የሱስ ካብ 1914 ኣትሒዙ ኣብ ሰማይ ከም ዝነገሰ፡ እዚ ድማ ምጅማር ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ናይ ሰይጣን ስርዓት ምዃኑ፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስን ታሪኽን ብዜእምን መገዲ ይሕብር እዩ። የሱስ ምስ ነገሰ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ንምድራውያን ኣገልገልቱ ብኡብኡ ኻብ ባርነት ዓባይ ባቢሎን ድዩ ሓራ ኣውጺእዎም፧ ብ1914 ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ሸይምዎን ነቲ ዓብዪ ዕዮ ቐውዒ ጀሚርዎን ድዩ፧—ማቴ. 24:45።

ከምኡ ኸም ዘይገበረ ንጹር እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብመንፈስ ተደሪኹ፡ ፍርዲ ‘ኣብ ቤት ኣምላኽ ከም ዚጅምር’ ሓቢሩ ምንባሩ ኣይንረስዕ። (1 ጴጥ. 4:17) ብተመሳሳሊ እውን፡ ነብዪ ሚልክያስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ በቲ “ልኡኽ እቲ ኺዳን” ዝዀነ ወዲ ኣምላኽ ተሰንዩ ናብ ቤት ኣምልኾኡ ዚመጸሉ ግዜ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ሚል. 3:1-5) እቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ ግዜ ዅላዐን ፈተናን ከም ዚኸውን ተገሊጹ ነይሩ እዩ። እሞኸ ታሪኽ ምስዚ ትንቢታት እዚ ይሰማማዕዶ፧

ብርግጽ ይሰማማዕ እዩ! ካብ 1914 ክሳዕ መጀመርታ 1919 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ነቶም ሽዑ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚፍለጡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣጸጋሚ እዋን ፈተናን ኵላዐን እዩ ነይሩ። ብ1914፡ ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ብዙሓት ህዝቢ ኣምላኽ፡ ከምቲ ተስፋ ዝገበርዎ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኸይመጸ ምስ ተረፈ ጐሃዩ። ብ1916 እቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ምምራሕ ዓብዪ እጃም ዝነበሮ ቻርለስ ቴዝ ራስል ምስ ሞተ ኸኣ፡ ኣብቲ ጓሂኦም ጓሂ ተወሰኾም። ንሓውና ራስል እምብዛ ዚፈትውዎ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት፡ ነቲ ንራስል ዝተክአ ጆሴፍ ፍራንክሊን ራዘርፎርድ ዚገብሮ ጻዕርታት ተጻረርዎ። ብ1917 ምክፍፋል ተፈጥረ፣ እዚ ድማ ነታ ውድብ ዳርጋ ገሚዕዋ ነበረ። ድሕሪኡ፡ ብ1918 ኣቕሽሽቲ ብዝቘስቈስዎ ተቓውሞ ሓውና ራዘርፎርድን ሸውዓተ ብጾቱን ኣብ ቤት ፍርዲ ቐረቡ፡ ብዘይግቡእ ተፈርዶም፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እውን ተዳጐኑ። ኣብ ብሩክሊን ዝነበረ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ድማ ተዓጽወ። እምበኣር፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ኸም ዘይነበሩ ንጹር እዩ።

ግናኸ፡ ብ1919 እንታይ ኰነ፧ ኵሉ ነገር ብፍጥነት ተቐያየረ። ኣብ መጀመርታ እታ ዓመት እቲኣ፡ ራዘርፎርድን ብጾቱን ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጹ። ብኡብኡ እውን ናብ ዕዮኦም ተመልሱ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን፡ ታሪኻዊ ኣኼባ ኺግበር መደብ ወጸ፡ ዘ ጎልደን ኤጅ (ሕጂ ንቕሑ!) እትብሃል ሓዳስ መጽሔት እውን ክትዳሎ ጀመረት። እታ ሓዳስ መጽሔት ከኣ፡ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንዚግበር ወፈራታት ተባሂላ እያ እትዳሎ ነይራ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ገጉባኤ ነቲ ኣገልግሎት ዚውድብን ዜደንፍዕን ሓላዊ ተሸመ። በታ ዓመት እቲኣ ድማ፡ ንዕዮ ስብከት ኣብ ምውዳብ ምእንቲ ኽትሕግዝ ተባሂሉ ቡለቲን (ሕጂ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ) እትብሃል ጽሕፍቲ ኽትሕተም ጀመረት።

እሞ ደኣ እንታይ ስለ ዝዀነ እዩ እዚ ዅሉ ለውጥታት ዝመጸ፧ ብንጹር እምበኣር፡ ክርስቶስ ንህዝቡ ኻብ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ኣውጺእዎም ነይሩ እዩ። እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ እውን ሸይሙ ነይሩ እዩ። ዕዮ ቐውዒ ድማ ጀሚሩ ነይሩ እዩ። ካብታ ኣገዳሲት ዓመተ 1919 ኣትሒዙ፡ እቲ ዕዮ ብዜደንቕ ደረጃ ንቕድሚት ይግስግስ ኣሎ።

ናብ ምዕራፍ 9፡ ሕጡብ ጽሑፍ 25, 26 ተመለስ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ