ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g19 ቍ. 1 ገጽ 6-7
  • ስነ ምግባራዊ ትምህርቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስነ ምግባራዊ ትምህርቲ
  • ንቕሑ!—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስነ ምግባራውን መንፈሳውን መምርሒ ዚህብ ትምህርቲ
  • ፍቕሪ
    ንቕሑ!—2018
  • ናይ ሓቂ ፍቕሪ እተማዕብለሉ መገድታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • “ብፍቕሪ ተመላለሱ”
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ብፍቕሪ ተሃነጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2019
g19 ቍ. 1 ገጽ 6-7
ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ብወለዳ እናተሓገዘት ኣቕሑ ትሓጽብ

ወለዲ ንደቆም ኣብነት ብምዃን፡ ፍቕሪ ይምህርዎም

ነቲ ብድሆ ንምስጋሩ ዚሕግዝ ስጕምቲ

ስነ ምግባራዊ ትምህርቲ

ገሊኦም መንእሰያት ብቤት ትምህርቲ ኣብ እተወደበ ጕዕዞ ኸለዉ፡ ንሓደ መማህርቶም ብጾታዊ መዳይ ኸም ዘሸገርዎ ተኸስሱ። ኵላቶም ከኣ ኣብ ካናዳ ኣብ ዚርከብ ኣኽቢርካ ዚርአ ናይ ግሊ ቤት ትምህርቲ እዮም ዚምሃሩ ነይሮም። ድሕሪ እቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ሌናርድ ስተርን ዚብሃል ጋዜጠኛ ኣብ ጋዜጣ ኦታዋ ሲትዘን፡ “ኵሉ እቲ ፍልጠትን ትምህርትን ኰነ ማሕበራዊ ደርቢ ዜምጽኦ ሓለፋ፡ ንመንእሰያት ሕማቕ ስነ ምግባራዊ ውሳነ ኸይውስኑ ኸም ክታበት ኣይኰኖምን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።

ብዘይካዚ፡ ስተርን፡ “ወለዲ ንስነ ምግባራዊ ምዕባለ ውሉዶም ምድንፋዕ፡ ልዕሊ ዅሉ ዚሰርዕዎ ሸቶኦም ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ከም ሓቂ ግና፡ ብዙሓት ወለዲ በቲ ኣካዳምያዊ ዕቤት ደቆም ወይ በቲ ደቆም ዚረኽብዎ ገንዘብ እዮም ብዝያዳ ዚግደሱ” በለ።

ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣይከሓድን እዩ። ግናኸ፡ ብሉጽ ዓለማዊ ትምህርቲ እውን እንተ ዀነ፡ ግጉይ ትምኒታት ወይ ሕማቕ ዝንባለታት ከተሰንፍ ኣይሕግዝን እዩ። እሞ ደኣ ኣብዚ መዳይ እዚ ዘተኰረ፡ ማለት ስነ ምግባራዊ መምርሒ ዚህብ ትምህርቲ ኻበይ ክንረክብ ንኽእል፧

ስነ ምግባራውን መንፈሳውን መምርሒ ዚህብ ትምህርቲ

መጽሓፍ ቅዱስ ከም መስትያት እዩ። ናብኡ ኽንርኢ ኸለና፡ ድሩትነትናን ድኽመትናን ብንጹር ይርኣየና እዩ። (ያእቆብ 1:23-25) መጽሓፍ ቅዱስ ግና ካብዚ ንላዕሊ እውን ይገብር እዩ። ዜድሊ ለውጥታት ክንገብር፡ ማለት ናይ ሓቂ ሰላምን ስኒትን ዜስፍን ባህርያት ከነማዕብል ይሕግዘና እዩ። ገለ ኻብዚ ባህርያት እዚ ኸኣ፡ ሕያውነት፡ ለውሃት፡ ዓቕሊ፡ ርእሰ ግትኣት፡ ፍቕሪ ኺጥቀስ ይከኣል። ፍቕሪ ድማ “ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት” ተባሂላ ኣላ። (ቈሎሴ 3:14) ፍቕሪ ፍልይቲ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዛ ባህርይ እዚኣ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ።

  • “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ። ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ኣይትጀሃርን፡ [ብትዕቢት] ኣይትንፋሕን፡ ስዲ ኣይኰነትን፡ ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን፡ ኣይትቝጣዕን፡ ኣይትቕየምን እያ። ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጻ ኣይትሕጐስን እያ። ኵሉ ኽኢላ ትነብር፡ . . . ኵሉ ትጻወር። ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ።”—1 ቈረንቶስ 13:4-8።

  • “ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮን እያ።”—ሮሜ 13:10።

  • “ፍቕሪ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ንሓድሕድኩም ሓያል ፍቕሪ ትሃሉኹም።”—1 ጴጥሮስ 4:8።

ምስ ዚፈትዉኻ ሰባት ክትከውን ከለኻ፡ ከመይ ይስምዓካ፧ ሰላም፡ ውሕስነት፡ ቅሳነት ደይኰነን ዚስምዓካ፧ እወ፡ ሰናይካ ኸም ዚምነዩ ትፈልጥ ኢኻ፣ ኰነ ኢሎም ኪጐድኡኻ ኸም ዘይፍትኑ እውን ትፈልጥ ኢኻ።

ፍቕሪ፡ ንጥቕሚ ኻልኦት ኢልና መስዋእቲ ኽንገብር፡ ካብኡ ሓሊፍና እውን ኣነባብራና ኽንቅይር ትድርኸና እያ። ንኣብነት፡ ሓደ ጆርጅ ኢልና እንጽውዖ ሰብኣይ ኣቦሓጎ ምስ ኰነ፡ ምስ ወዲ ጓሉ ግዜ ኼሕልፍ ደለየ። እንተዀነ ግና፡ ሓደ ዕንቅፋት ኣጋጠሞ። ጆርጅ ብዙሕ ሽጋራ የትክኽ ነበረ፣ ሰብኣይ ጓሉ ድማ ጥቓ እቲ ሕጻን ኰይኑ ኼትክኽ ኣይደለዮን። እሞኸ ጆርጅ እንታይ ገይሩ፧ ሽጋራ ምትካኽ ካብ ዚጅምር 50 ዓመት ገይሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ምእንቲ ወዲ ጓሉ ኢሉ ግና ነቲ ወልፉ ሓደጎ። እወ፡ ፍቕሪ ሓይሊ ኣለዋ!

መጽሓፍ ቅዱስ ከም ሕያውነት፡ ለውሃት፡ ፍቕሪ ዝኣመሰለ ብዙሕ ጽቡቕ ባህርያት ከነማዕብል ይሕግዘና

ፍቕሪ በብቝሩብ እንምሃራ ባህርይ እያ። ወለዲ ንደቆም ፍቕሪ ኣብ ምምሃር ዓብዪ ግደ ኣለዎም። ንደቆም ይምግብዎምን የዕቍብዎምን እዮም፣ ኪጕድኡ ወይ ኪሓምሙ ኸለዉ ድማ ይረድእዎም እዮም። ንፉዓት ወለዲ ንደቆም የዘራርብዎምን ይምህርዎምን እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ንደቆም ይግስጽዎም እዮም፣ ተግሳጽ ኪብሃል ከሎ ኸኣ፡ ቅኑዕን ጌጋን እንታይ ምዃኑ ዚሕብር ጥዑይ ስርዓታት ምምሃር የጠቓልል። ብዘይካዚ፡ ንፉዓት ወለዲ ንደቆም ኣርኣያ ወይ ሰናይ ኣብነት ይዀንዎም እዮም።

እቲ ዜሕዝን፡ ገሊኦም ወለዲ ነዚ ሓላፍነታቶም እዚ ኣይፍጽምዎን እዮም። ከምኡ ኪኸውን ከሎ ግና፡ እቶም ውሉዳት ኣኺልዎም ተበላሽዮም ይተርፉ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን! ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት፡ እንተላይ ኣብ ሕማቕ ስድራ ቤት ዝዓበዩ ሰባት፡ ኣብ ህይወቶም ዜደንቕ ለውጥታት ብምግባር፡ ሓለይትን እሙናትን ዜጋታት ኰይኖም እዮም። ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ከም እንርእዮ፡ ገሊኦም ዘይዕረዩ ጌርካ ዚርኣዩ ዝነበሩ ሰባት እኳ፡ ለውጢ ኺገብሩ ኽኢሎም እዮም።

ቀንዲ ነጥቢ

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዓለማዊ ትምህርቲ ዘይርከብ ዜተኣማምን ስነ ምግባርን መንፈሳዊ መምርሕን ኪህበና ይኽእል

ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ዚቕየር

ገሊኦም ሰባት ኪቕየሩ ፍቓደኛታት ከም ዘይኰኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብግሁድ ይገልጽ እዩ። ዳንኤል 12:10፡ እኩያት ብቐጻሊ “እከይ ኪገብሩ እዮም” ትብል እያ። እዚ ግና ነቲ ነባሪ ሰላምን ደሓንን ንምርካብ ዘሎና ተስፋ የጸልምቶ ድዩ፧ መጻኢና ኣብ ኢድ ሰብ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ተስፋና ጽልሙት ምዀነ። ቀጺልና ኸም እንርእዮ ግና፡ ከምኡ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ መጻኢና ኣዝዩ ብሩህ እዩ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ