እግረ ጽሑፍ
a ገሊኦም ምሁራት፡ ይሁዳ ኻብቲ መጽሓፍ ሄኖክ ዚብሃል ኣቡኸሪፋዊ ጽሑፍ ከም ዝጠቐሰ ይገልጹ እዮም፣ እዚ መጽሓፍ ግና ንሄኖክ ዚጠቅስ ምንጩ ዘይተረጋገጸ ጽውጽዋይን ናይ ሓሶት ጽሑፍን እዩ። ንትንቢት ሄኖክ ብልክዕ እኳ እንተ ጠቐሶ፡ እዚ ኻብቲ ንሕና ኽንረኽቦ ዘይንኽእል ዝጠፍአ ጥንታዊ መወከሲ፡ ማለት እተሰነደ ጽሑፍ ወይ ትውፊት እተወስደ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይሁዳ ነዚ ጥንታዊ መወከሲ እዚ ተጠቒሙ ይኸውን እዩ፣ ምናልባት እውን ብዛዕባ ሄኖክ ካብቲ ንህይወት ሄኖክ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ዝረኣዮ የሱስ ፈሊጡ ኪኸውን ይኽእል እዩ።