እግረ ጽሑፍ
d ቃል ኣምላኽ፡ “ንምስትውዓሉ ዜሸግር” ዚመስል ነገራት ከም ዚርከቦ ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኡ ጽሑፋት ጳውሎስ ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ኵሎም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም እዮም ጽሒፎም። ሎሚ እውን መንፈስ ቅዱስ ንክርስትያናት ንመለኮታዊ ሓቅታት፡ እንተላይ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ብቐሊሉ ንኺርድኡ ይሕግዞም ኣሎ።—2 ጴጥ. 3:16, 17፣ 1 ቈረ. 2:10።