እግረ ጽሑፍ b ኣብ ሰፕቱጀንት፡ ዮናስ ይሕርንኽ ከም ዝነበረ ስለ እተገልጸ፡ ክሳዕ ክንደይ ደቂሱ ኸም ዝነበረ ጐሊሑ ኣሎ። ኰይኑ ግን፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ምድቃሱ፡ ከም ግዲ ዘይብሉ ሰብ ጌርና ኣብ ክንዲ እንርእዮ፡ ሓድሓደ ግዜ ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ ሰባት ድቃስ ከም ዚስዕሮም ክንርስዕ የብልናን። ኣብቲ የሱስ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ተጨኒቑሉ ዝነበረሉ ሰዓታት፡ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እውን “ብጓሂ ረዚዞም፡ ደቂሶም” እዮም።—ሉቃስ 22:45።