እግረ ጽሑፍ
a ፈሪሳውያን ብዛዕባ የሱስ ኪዛረቡ ኸለዉ፡ ብትዕቢት ተደሪኾም፡ “መርምር እሞ ካብ ገሊላ ነብዪ ኸም ዘይትንስእ ክትርኢ ኢኻ” ስለ ዝበሉ፡ ዮናስ ካብ ሓንቲ ኣብ ገሊላ እትርከብ ዓዲ ምዃኑ፡ ኣገዳስነት ኣለዎ። (ዮሃንስ 7:52) ብዙሓት ተርጐምትን ተመራመርትን፡ ፈሪሳውያን ካብቲ ኣትሒትካ ዚርአ ዓድታት ገሊላ ዋላ ሓደ ነብዪ ኸም ዘይተንስአ ወይ ከም ዘይትንስእ ብድብድቡ ይዛረቡ ኸም ዝነበሩ፡ ሓሳብ ይህቡ እዮም። ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ እንተ ነይርዎም፡ ንታሪኽን ትንቢትን እዮም ዕሽሽ ዚብሉ ነይሮም።—ኢሳይያስ 9:1, 2።