እግረ ጽሑፍ
a ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እታ “ምጽላእ” እትብል ቃል እተፈላለየ ትርጕም ዝሓቘፈት እያ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ካብ ካልእ ኣትሒትካ ምፍቃር ማለት እያ እተመልክት። (ዘዳግም 21:15, 16) “ምጽላእ” ኪበሃል ከሎ ንኻልእ ንምጕዳእ ዕላማ እኳ እንተ ዘይብልካ: ግን ከኣ እትፍንፍኖ ብምዃንካ ኻብኡ ምርሓቕ እውን ኬመልክት ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: እታ “ምጽላእ” ተባሂላ ዘላ ቓል ብተንኰል ዚግበር ቀጻሊ ምጽራር እውን ተመልክት እያ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ በዚ ኣብ መወዳእታ እተጠቕሰ ትርጕም ኢና ኽንመያየጠላ።