እግረ ጽሑፍ
a ናይ ቤተ-ግምጃ ጸሓፊ ሳልመን ፒ. ቼስ ኣብቲ ብ20 ሕዳር 1861 ናብቲ ናይ ሕ.መ.ኣ. ሰልዲ ዝሰርሕ ትካል ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ከምዚ በለ:- “ብሓይሊ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑ ብርእሳ ሓያል ክትከውን እትኽእል ሃገር የላን: ብዕቝባኡ እውን እንተ ዘይኰይኑ ደሓን ክትረክብ እትኽእል ሃገር የላን። እቲ ህዝብና ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ ትውክልቲ ኣብ ናይ ሃገርና ሰናቲም ክጸሓፍ ኣለዎ።” ከም ውጽኢት ናይዚ “ኣብ ኣምላኽ ንውከል” ዝብል ጭርሖ ንመጀመርታ ግዜ ብ1864 ኣብ ናይ ሕ.መ.ኣ. ሰናቲም ወጸ።