እግረ ጽሑፍ
b “ሲኦል” ካብታ ሺኦል እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል ከምኡውን ካብታ ሃደስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እተተርጐመት ኢያ። ክልቲኡ ኸኣ “መቓብር” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዎ። በዚ ኸኣ ኢዮም ተርጐምቲ ናይ እንግሊዝኛ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ነታ ሺኦል እትብል ቃል 31 ግዜ “ሲኦል” ኢሎም እኳ እንተ ተርጐሙዋ 31 ግዜ “መቓብር” 3 ግዜ ኸኣ “ጕድጓድ” ኢሎም ተርጒሞምዋ ዘለዉ። ከምኡ ተባሂሉ ብምትርጓሙ እዚ ስያመታት እዚ ብመሰረቱ ሓደ ዓይነት ትርጕም ከም ዘለዎ ዝሕብር ኢዩ።