እግረ ጽሑፍ
a ድሕሪ ሞት ሲ. ቲ. ራስል: እታ ሻብዐይቲ መጽሓፍ ናይ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ብዛዕባ መጽሓፍ ህዝቅኤልን ራእይን መብርሂ ንምሃብ ብዝብል ሃቐና ተዳለወት። እታ መጽሓፍ ብኸፊሉ ብዛዕባ እተን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ እቲኣተን ራስል ሂብዎ ኣብ ዝነበረ መግለጺ መሰረት ብምግባር ኢያ ተዳልያ። ይኹን እምበር: ትርጕም እቲ ኣብተን መጻሕፍቲ ተዋሂቡ ዘሎ ትንቢታት ዝግለጸሉ ግዜ ዛጊት ኣይኣኸለን ኢዩ ነይሩ፣ ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ እውን: እቲ ኣብታ ክፍሊ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ዝዀነት መጽሓፍ ተዋሂቡ ዝነበረ መብርሂ ንጹር ኣይነበረን። ኣብተን ስዒበን ዝመጻ ዓመታት: ሳላ እቲ ዘይንበቕዖ ናይ የሆዋ ሕያውነትን ዝለዋወጥ ዝነበረ ኵነታት ዓለምን: ክርስትያናት ነቲ እተን ትንቢታውያን መጻሕፍቲ እቲኣተን ሒዘንኦ ዘለዋ ትርጕም ዝያዳ ንጹር ብዝዀነ መገዲ ክርድእዎ ክኢሎም ኢዮም።