እግረ ጽሑፍ
c ኣብቲ ጸብጻብ፡ ክልተ ዓይነት ንዕቀት እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ብቐዳምነት፡ እቶም ካህናት ካብቲ ዝቐረበ መስዋእቲ ነየናይ ክፋል ኪበልዑ ኸም ዚኽእሉ፡ ኣብቲ ሕጊ ብንጹር ተገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 18:3) ይኹን እምበር፡ እቶም ኣብቲ ማሕደር ዝነበሩ እኩያት ካህናት ምስዚ ዚጻረር ተግባር ይፍጽሙ ነበሩ። ጊልያኦም ዓብዪ ሻኳ ሒዙ ይመጽእ እሞ፡ ናብ ቍራዕ ይወግእ፡ እቲ ሻኳ ዘልዓሎ ዘበለ ኸኣ፡ እቶም ካህናት ንርእሶም ይወስድዎ ነበሩ። ብዘይካዚ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ መስዋእቲ ኬቕርብ ኢሉ ናብቲ መሰውኢ ምስ ዚመጽእ፡ እቶም እኩያት ካህናት ብጊልያኦም ኣቢሎም ብምፍርራህ፡ እቲ ስብሒ ሓሪሩ ንየሆዋ ገና ኸይቀረበ ኸሎ፡ ጥረ ስጋ ይወስዱ ነበሩ።—ዘሌ. 3:3-5፣ 1 ሳሙ. 2:13-17።